ድለ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ቻይና ንግዳያት ርእደ መሬት ይጽልዩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ቻይና ንግዳያት ርእደ መሬት ይጽልዩ 

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ቻይና ንግዳያት ርእደ መሬት ይጽልዩ

ፍራንቸስኮ ምስቶም ዕለት 18 ታሕሳስ 6.2 ሬክተር ዝዓቐኑ ርእደ መሬት ዘጋጠሞ ህዝቢ ኣውራጃታት ጋንሱን ቺንግሃይን ቻይና፥ ቅርበቶምን ጸሎትም የረጋግጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ዕለት 20 ታሕሳስ ዝለገስዎ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዛዚሞም ነቶም ኣብ ቻይና ብዘጋጠመ ቀታሊ ርእደ መሬት ግዳያት ንዝኾኑ ቅርበቶም ገሊጾም ገ

“ሓሳባተይ ናብቶም ዕለት 18 ታሕሳስ ኣብ ኣውራጃታት ቻይና ጋንሱን ኲንግሃይን ዘጋጠመ ኣዕናዊ ርእደ መሬት ግዳያት ንዝኾኑን ንኹሎም ዝተጎድኡን እገብር”

ምስ በሉ ኣስዒቦም “ነቲ ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ብፍቕርን ጸሎትን ቅርበተይ ኣረጋግጽ፡ ንህጹጽ ኣገልግሎት ረድኤት አተባብዕ፣ ኣብ ሓዘኖም ምጽንናዕን እፎይታን ክረኽቡ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ድማ በረኸቲ እቲ ልዑል እምሕጸን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ

ኣብቲ ዕለት 18 ታሕሳስ ሶኑይ ቅድሚ ፍርቂ ለይቲ ብዘጋጠመ 6.2 ሬክተር ዝዓቐኑ ርእደ መሬት ብውሕዱ 130 ሰባት ናይ ሞት ሓደጋ ከም ዘጋጠሞምን ከምኡ’ውን እቶም ዝሞቱን ዝጠፍኡን ብጠቕላላ ልዕሊ 700 ከም ዝኾኑን ብዙሓት እውን ከም ዝተሃሰዩ መራኸቢ መገድታት እውን ከም ዝዓነወን ኣብ ኣውራጃታት ጋንሱን ቺንግሃይን ዝርከቡ መስመራት ሓይሊ ኤሌክትሪክን መራኸቢታትን ኩሉ ከም እተቛረጸ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ሰራሕተይናታት ህጹጽ ረድኤት ኣብቲ ፍርስራስ ብህይወት ንዘለዉ ሰባት ክደልዩ እከለዉ፡ እቶም ኣልቦ ቤት ኮይኖም ዝተረፉ ድማ፡ ኣብቲ ብታህዋኽ ዝተተኽለ ቴንዳታት ዝሑል ክረምታዊ ለይቲ ከሕልፉ ከም እተገዱ ኣፍሊጡ።

እቲ እቲ ርእደ መሬት ኣብ 10 ኪሎ ሜተር ዕምቆት ብተዛማዲ ኣብ ጂሺሻን ካውንቲ ጋንሱ ጥቓ ዶብ ኣውራጃ ቺንግሃይ’ ዘጋጠመ ኮይኑ፡ ድሕሪ እቲ ናይ መጀመርታ ርእደ መሬት ኣስታት 10 ሰዓታት ድሕሪ ምጽናሕ ትሽዓተ ርእደ መሬት ከም እተሰመዐን፡ ሰብመዚ ምድሓን ህይወት ድማ 300 ተወሳኺ ሰራሕተይናታት ኣብ ህይወት ምድሓን ንኽዋፈሩ ጻውዒት ከም ዘቕረበ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ንርእደ መሬት ዝቃላዕ ከባቢ

እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2014 ዓ.ም. ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ቻይና ግዝኣት ዩናን 617 ሰባት ዝቐተለ ርእደ መሬት እቲ ዝለዓለ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብታ ሃገር እቲ ብዙሓት ንሞት ዝዳረገ ኣብ 2008 ዓ.ም. 7.9 ሪኽተር ዝዓቐኑ እኣብ ኣውራጃ ሲቹዋን ዝጋጠመ ኮይኑ ኣስታት 90,000 ከም ዝሞቱ ክግመት እንከሎ ከተማታትን ኣብያተ ትምህርትን ከም ዝዓነወን። እቲ መዓት እቲ፡ ብዝያዳ ተጻዋርነት ዘለዎ ንዋት ዳግማይ ንምህናጽ ጻዕሪ ከም ዝደረኸ ይፍለጥ።

ብመልክዓ ምድራዊ ኣቀማምጣ፡ እቲ በዚ ዳሕረዋይ ርእደ መሬት ዝተሃስየ ርሑቕን ኣኽራናውን ከባቢ፡ ኣብ ማእከል ቻይና’ኳ እንተኾነ፡ እቲ ከባቢ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ጫፍ ናይቲ ዝያዳ ህዝቢ ዝነብረሉ ቆላታት ቻይና ስለዝኾነ፡ ብተለምዶ ሰሜናዊ ምዕራብ ተባሂሉ እዩ ዝጽዋዕ።

20 December 2023, 17:13