ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፦ ኣብ በዓለ ልደት ብውግእ ንዝሳቐዩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ቀረባ ንኹን! ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፦ ኣብ በዓለ ልደት ብውግእ ንዝሳቐዩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ቀረባ ንኹን! 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፦ ኣብ በዓለ ልደት ብውግእ ንዝሳቐዩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ቀረባ ንኹን!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መእመናን ኣብ ዝተረኽቡ ኣብ ዋዜማ በዓል ልደት ፍርቂ መዓልቲ ካብ ሓዋርያዊ መስኮቶም ኮይኖም ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ለጊሶምን ብሓባር ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ደጊሞም ምስ ኣብቅዑ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ምስቶም ብኲናት ዝሳቐዩ ዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ቅርበት ኣሎና” እንክብሉ፥ “ብዛዕባ ፍልስጤም፡ እስራኤል፡ ዩክሬን ብዛዕባ ኩሎም እቶም ብሕሰም፡ ብጥሜት፡ ብጊልያነትን ዝሳቐዩ ኢና ንሓስብ ዘሎና።”

ንፍቕሪ ኣምላኽ ልብኹም ክፈቱ፡ ንኹሉ ሕያውነት ኣርእዩ፥ ኣብ ዋዜማ ልደት – ሎሚ ዓመት ኣብ ራብዓይ ሰንበት ዘምጽኣት ዝበዓል ምዃኑ ብምዝኽካር – ቅዱስ ኣቦና ንክርስትያናት “ብጸሎት፡ ብውዑይ ፍቕርን ብጥንቃቐን” ነታ መዓልቲ ከሕልፍዋ ዓዲሞም።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፦ ኣብ በዓል ልደት ብውግእ ንዝሳቐዩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ቀረባ ንኹን!
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፦ ኣብ በዓል ልደት ብውግእ ንዝሳቐዩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ቀረባ ንኹን!

“ጽምብል ምስ ሃልኪ ኣይነደናግሮ!” ኣንክብሉ ተማሕጺኖም፡ ምእመናን ንበዓል ልደት ብገርሀይና ኣገባብ፡ ብዘይ ብኽነት “ከምኡ’ውን ምስቶም ዘድልዮም ነገራት ዘይብሎም ስኡናትን ወይ ምሕዝነት ምስ ዘይብሎም ብምክፋል” ከብዕሉ ሓደራ ቢሎም፥ ንበዓል ልደት ኢየሱስ ንቕድሚት እናጠመቱ “እቲ ንርእሱ ልቢ ሰብ ዝወሰደ ኣምላኽ ሰብኣውነቱ ኣብ ልቢ ደቂ ሰባት ከእቱ” እንክብሉ ጸልዮም፥ ከምኡ’ውን፡ ንኹሉ ሰብ ናይ ርሑስ በዓል ልደት ምንዮትም ቅድሚ ምቕራብ ድማ ከምቲ ልሙድ - ሓደራ ምንታይ ምጽላይ ኣይትረስዑ! ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

24 December 2023, 16:48