ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንፍቕሪ ኣምላኽ ልብኹም ክፈቱ፡ ንኹሉ ሕያውነት ኣርእዩ!

ኣብ ራብዓይ ሰንበት ዘምጽኣት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍርቂ መዓልቲ፥ ንፍቕራዊ ሕያውነት እግዚኣብሔር ልብና ክንከፍትን ልኡማትን ኣኽበርትን ንኻልኦት ሕያዎት ክንከውን ንዝቐረበልና ጻውዒት ክንምልስ ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር የተባብዑና።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መእመናን ኣብ ዝተረኽቡ ኣብ ዋዜማ በዓል ልደት ፍርቂ መዓልቲ ካብ ሓዋርያዊ መስኮቶም ኮይኖም ንኹሎም በጻሕትን ነጋድያንን እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ቢሎም፡ ካብ ሉቃስ ወንጌል ምዕ. 1, 26 – 38 ዝተወስደ ንባብ ወንጌል ራብዓይ ሰንበት ዘምጽኣት መሰረ ገይሮም ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ፡ እዚ ድማ ነቲ ትርኢት ብስራት ዘዘንትው ኮይኑ፡ መልኣኽ ንማርያም ንኢየሱስ ክትጸንስን... "ሓይሊ ልዑል ክጽልለኪ እዩ" ከም ዝበላ የመላኽቱ።

ዘዕቁብ ጽላል

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ "ጽላል" ኣብ ዝብል ኣገዳሲ ቃል ብምትኳር፡ ቅድስቲ መሬት ኣብ ዓመት ክንደይ ጸሓያዊ መዓልታት ምስ ብርቱዕ ዋዒ ሓጋይ ከምእተአንግድን፡ በቲ ዚሓልፍ ደበና ዝህልው ጽላል ኦም ወይ ድንኳን ብኸመይ እፎይታን ዕቝባን ከም ዜምጽእ ኣብሪሆም። ቅዱስነቶም ከም ዝገለጽዎ እቲ ዚፍጠር ጽላል "ዜሐድስ ውህበት" ምዃኑን፣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ብተደጋጋሚ ተጠቒሱ ንረኽቦ

“እቲ መልኣኽ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊ ማርያም ከመይ ከም ዝወረደ ይገልጽ፣ እዚ ድማ ኣገባብ ኣሰራርሓ ኣምላኽ ምዃኑ ይነግር፦ እግዚኣብሄር ኩሉ ግዜ ከም ሓደ ልኡም ፍቕሪ ዝሓቁፍ፣ ዝድብስ፣ ዝከላኸል፣ ዓመጽ ከይገበረ፣ ንናጽነት ከይጠሓሰ ዘርሕ ምዃኑ እዩ።”

ዝከላኸል ሕያውነት

እቲ ጽላል ምልክት ሕያውነት እግዚኣብሔር ምዃኑ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ገሊጾም፣ እግዚኣብሔር ንማርያም - ሎሚ እውን ከይተረፈና - ንርእሱ ከም መዕቆቢ፣ ኣብ ትሕቲ ጽላሉ ከነጽልል፡ ጽላል ክኾነና ገዛእ ርእሱ የቕርብ። እታ ፍረ እተፍሪ ፍቕሪ ኣምላኽ በዚ ኸምዚ እያ እትዓዪ፡ እዚ ድማ ንስድራቤትናን ንፈተውትናን ነቶም ኣብ ህይወትና እንረኽቦም ሰባትን "ብለውሃትን ብኣኽብሮትን ብምክንኻንን ብሕያውነትን" ክንሓልየሎም እንኮለና እንምኮሮ እዩ።

“እግዚኣብሄር ከምዚ እዩ ዘፍቅር፣ ንሕና እውን ከምኡ ክንገብር ይጽውዓና: ንኻልኦት ምቕባልን ምሕላይን ምኽባርን።”

ንኻልኦት ምሕላይ

ቅዱስነቶም ወሲኾም ንኹሉ ሰብ ብፍላይ ድማ ንዝተገለሉን ኣብዘን መዓልታት እዚኣተን ናይ ልደት ሓጎስ  ብዝተፈላለየ መኸላታታት ካብ ምርካብ ዝረሓቑን ክንዝክር ከምዘለና ብምሕባር ኩላትና "ሕያውነት ኣምላኽ" ክንዝክርን ከነንጸባርቕን ተስፋ ገይሮም።

ልብና ምኽፋት

ኣብ መደምደምታ ቅዱስ ኣቦና ኣብዚ እዋን ዋዜማ ልደት ናይ ገዛእ ርእስና ህይወት ክንርኢን ልብና ንለውሃትን ሓልዮትን ልኡምነትን ከመይ ጌርና ክንከፍት ከም እንኽእልን "ናብ ይቕረታኡ፡ ናብ ቅዱስ ቁርባን ክንቀርብ" ሓሳብ ኣቕሪቦም። ድሕሪኡ፡ ንርእስና ከም "ዘሐድስ ጽላል፡ ዘጸናንዕ ዓርኪ" ብምዃን ናብ እንፈልጦም ኣብ ጽምዋ ዝርከቡን ድኻታት ሰባት ክንበጽሕ ምዒዶም፥

“ማርያም ናብቲ ብትሕትና ከድሕነና ዝመጽእ ኣምላኽ ክፉታትን ኣአንገድትን ክንከውን ትሕግዘና።”

እንክብሉ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

24 December 2023, 16:44