ድለ

ር. ሊ. ጳ. ፦ ብርሃን ህይወት ኣብ ኣምላኽ ጥራይ ኢና እንረክብ

ትማሊ ኣብ ሳልሰይ ሰንበት ናይ ዘመነ ምጽኣት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ አብ ጸሎት መልአከ እግዚአብሔር፣ ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቕ በቲ ብናይ ኣምልኾ ህይወትናን ንኣሕዋትናን አሓትናን እንህቦ ኣገልግሎትን ኣቢልና ንብርሃን ክርስቶስ ሓንጐፋይ ኢልና ኽንቅበሎን ከነንጸባርቖን ጻውዒት ከም ዘቕርበርልናን ብዛዕባ እቲ "ሓራ ዘውጽኣናን ዘሕውየናን ከምኡ ውን ኣእምሮና ዝኸፍተልና" ብርሃን ክርስቶስ ከመይ ዝበለ ምስክርነት ከም ዝሃበና ኣስተምሃሩ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም አብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንጸሎት መልከ እግዚኣብሔር ተአኪቦም ዝነብሩ ነጋድያንን በጻሕትን አብ ዝለገስዎ ቃል አምላኽ “ብዛዕባ ብርሃን ምምስካር” እንታይ ማለት ምዃኑ ኣስተንትኑ።

ኣብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ባህርያት ምስክርነት ቅስዱስ ዮሓንስን ብዛዕባ እቲ ንሱ ዘመልክቶ ዝነበረ ብርሃንን ብምስትንታን፣ እቲ ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቕ ዝሃቦ ምስክርነት በቲ "ንጹር ዝነበረ ቃላቱን፣ ብቅኑዕ ኣነባብራኡን ከምኡውን ጥቅው ህይወቱን " ከም ዝተገልጸ አመልከቱ ።

ካብ ምምሳልሲ ምዃን ከም ዝበልጽ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኣስተንትኖኦም ብዙሓት ሰባት ንዮሓንስ መጥምቕ ንኽረኽብዎን ክሰምዕዎን ናባኡ ኣቢሎም ይውሕዙ ኸም ዝነበሩ ገለጹ፣ ብፍላይ ከኣ ካብቶም ካብ ምዃን ንላዕሊ ከምስሉ ዝጽዕሩ ዝነበሩ ውሩያትን ሓያላትን ሰባት እተፈልየ ዝገበሮ "ጽንዓቱን ቅኑዕን ዝኾነ ኣነባብራ ህይወቱን" ከም ዝነበረ ገለጹ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ቅዱስ ዮሓንስ ሓቀይናን ናጻን ብመንፈስ ተባዕን ብምንባሩ ንኻልኦት ሰባት ዝሓሸን ዝበለጸን ኽምኡ ውን ዝያዳ ኣርኣያ ጽቡቕ ናብራ ንኪዀኑ ደሪኽዎም እዩ ።

"ጐይታ ኣብ ኵሉ ኽሊ ዕድመ ኸምዚ ዝኣመሰሉ ሰብኡትን ኣንስትን ይልእኽ ኢዩ ። ብኸመይ ከነለልዮም ከም እንኽእል ንፈልጥ ዲና ? ክብድሁና ብምፍቃድ ካብ ምስክነቶም ክንመሃር ንጽዕር ዲና?"

እቲ ብርሃን ክርስቶስ እዩ

ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ብሩህ ዝኾነ ገጸባህርይ ካብቲ ብዛዕባኡ ክምስክር እንከሎ ማለት ብዛዕባ እቲ ብርሃን ዝኾነ ክርስቶስ ዝረኸቦ ኢዩ፣ ማለት ኢየሱስ ናብ ዓለም ስለ ዝመጸ ንሱ ድማ ገንሼል አምላኽ፣ “እቲ ዘድሕን አምላኽ” ከም ዝዀነ ኺምስክር ከሎ፣ ባዕሉ ዮሓንስ ነቶም ህዝቢ ንሱ ባዕሉ ብርሃን ወይ መሲሕ ዘይኮነስ የግዳስ እቲ ንኣሕዋቱን ኣሓቱን ናብቲ ቃል ኣቢሉ ዜሰንዮም "ድምጺ'' ምዃኑ ከም ዝነገሮም ብምስትንታን ቅዱስ አቦና፣ . . . ንሱ ቀንዴል ኪኸውን ከሎ እቲ ብርሃን ግን ክርስቶስ እዩ" በሉ። ቅዱስ ኣቦና ከም ዝገለጽዎ ክርስቶስ ጥራይ እዩ "እቲ ክብጆን ሓራ ከውጽእን ከሕውን ከብርህን ዝኽእል” ድማ በሉ።

ኣብ ኣምላኽ ጥራይ

ቅዱስ ዮሃንስ መጥምቕ አብ ዝሃቦ ምስክርነት "ብርሃን ህይወት ኣብ ኣምላኽ ጥራይ ከም እንረክብን" ከምኡውን ብጸጋ ኣምላኽ ኣቢልና ንሕናውን ቀንዴል ብምዃን ንኻልኦት ብምግልጋልን ብትሕትናን ከምኡ ውን ብንጽህና ህይወትናን አቢልና ካልኦት ንኢየሱስ ዝረኽቡሉ ዝኽእሉ መንገዲ ንኽረክቡ ንሕግዞም ።

ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መዓልታዊ ህይወትናን ብፍላይ ድማ ኣብዚ ግዜና ኣብዚ ናብ በዓል ልደትን ናብቲ ብድሕሪኡ ዘሎ ሓድሽ ዓመትን ኣብ እንኣትወሉ ዘለና እዋን፣ ብኸመይ ንብርሃን ክርስቶስ ክንምስክር ከም እንኽእል ንርእስና ኽንሓትት ሓሳባት ኣቕረቡ ።

"እታ መስትያት ቅድስና ዝዀነት ማርያም ነቲ ናብ ዓለም ዚመጽአ ብርሃን ዝዀነ ኢየሱስ ዜንጸባርቑ ሰብኡትን ኣንስትን ክንከውን ትሓግዘና።"

18 December 2023, 22:31