ድለ

2023.12.03 COP 28- መራሕቲ ሃይማኖት ነዛ መሬት ንምፍዋስ ሓባራዊ ስጉምቲ ክወስዱ ጻውዒት የቕርቡ 2023.12.03 COP 28- መራሕቲ ሃይማኖት ነዛ መሬት ንምፍዋስ ሓባራዊ ስጉምቲ ክወስዱ ጻውዒት የቕርቡ 

መራሕቲ ሃይማኖት ነዛ መሬት ንምፍዋስ ሓባራዊ ስጉምቲ ክወስዱ ጻውዒት የቕርቡ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ካልኦት መራሕቲ ሃይማኖትን ኣብ ፍጻሜ እቲ ኣብ ዱባይ ዝተኻየደ ኣህጉራዊ መበል 28 ዋዕላ ዛዕባ ለውጢ ከባቢ ኣየር ድሕሪ ምስታፎም ናይ ፖለቲካ ኣካላትን መንግስታትን ትካላት ንግድን ንኹሉ ዝሓቁፍ ጸዓት ናብ ምስግጋር ዝብል ውሳኔ ብምቅልጣፍ መሬት ክፍውሱ” ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ኣብ ዱባይ ኣብ ዝተኻየደ መበል 28 ኣህጉራዊ ዋዕላ ለውጢ ከባቢ ኣየር ጎኒ ጎኒ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ ብሓባር ከቲሞም ኣብ ዘውጽዎ ናይ ውሳኔ ሰነድ፡ ቃል ኪዳንን ተስፋን ዘለዎ ከም ዝኾነን ኣብዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እውን ክታሞም ዘንበሩሉ ናይ ሓባር ናይ ውሳኔ ሰነድ፡ ኩሎም መራሕቲ ሃይማኖታት፥ ክሳብ 2030 ዓ.ም. ኣብ ዘሎ እዋን ሙቐት ምድሪ ካብ 1.5 ዲግሪ ንምካይ ዘድሊ ቐንዲ ረቛሒታት ምዃኑ ብምዝኽኻር ኣብዚ መዳይ እዚ ሓድነትን ሓባራዊ ሓላፍነትን የጉልሑ። መራሕቲ ሃይማኖት ነቶም ብሰንኪ ለውጢ ከባቢ ኣየር እተጐድኡ ማሕበረሰባት ከም ዝድግፍዎም እውን የረጋግጹ ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብቲ ኣብ ዱባይ ኣብ ዝተኻየደ መበል 28 ኣህጉራዊ ዋዕላ ዛዕባ ለውጢ ከባቢ ኣየር ዝተሳተፉ ወከልቲ ዝተፈላለዩ ደቀባትን እምነታትን ልምድታትን፡ ሊቃውንቲ ሃይማኖት፡ ሊቃውንትን፡ ትካላትን ደቂ ኣንስትዮ፡ መንእሰያት፡ በርገሳውያን ማሕበራት፡ መራሕቲ ንግድን ሓንጸጽቲ ውጥናት ከባቢን፡ በቲ ኣብ ዓለምና ዝፍጸም ዘሎ ኩነታት ከም ዘሕዝኖም ገሊጾም፡ ኣብ መንጎ ለውጢ ከባቢ ኣየርን ስደትን ግጭትን ዘሎ ምትእስሳር ከምኡ እውን እቶም ናይ እምነት ሰባት ከም ‘ሓነጽቲ ናይ ከባቢ ሰላም’ መጠን ዘለዎም ግደ ኣብ መንጎ ግጭታት ርህራሄን ማእከላይ መገድታት ንምቛምን ክጽዕሩ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ኣፍሊጡ፣

ጻውዒት ንትግባረ

እቲ ሰነድ “ፍትሓውን ማዕርነትን” ዘረጋግጽ ምስግጋር ጸዓት ንምቅልጣፍ ህጹጽ ምላሽ ክወሃብ ዝጽውዕ ኮይኑ፡ ሰብኣዊ ፍጥረት “ምስ ተፈጥሮ ተሰማሚዑ ሚዛናውን ክቡርን ህይወት” ንኽነብሩ ዓዋዲ ቅድታት ክሓቑፍ ዓዲሞም፡ ትካላት ንግዲ ካብ ቅሪተ ኣካላት ነዳዲ ናብ ጽሩይ ምንጪ ጸዓት ከቕይራ እውን ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ከምኡ እውን መንግስታት ምሉእ ውሕስነት ሓለዋን መግብን ምክልኻል ስነ ህይወት ምህዳርን ብምሃብ ዘላቒ ሕርሻ ንምድፋዕ ክዓዩን፡ “ዝኾነ ሰብ ድሕሪት ክተርፍ የብሉን” ቢሎም “ድሌታት ኩሎም ሰባት ብፍላይ ድማ ህጻናት ሓደጋን ግጭትን ዘጋጥሞም ተቓላዕቲ ሕብረተሰባት መንሰያት ደቂ ኣስንትዮ ደቀባት ከምኡ እውን እንስሳታትን ተፈጥሮን ኣብ ማእከል ጻዕርታት ክኾኑ ኣለዎም” ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንብሉጽ መጻእኢ ምስ መሬት ምስምማዕ

ኣስዒቦም እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ዝኸተምዎን ወግዓዊ ኣብ ዝገበርዎን ሰነድ፥ ኣገባብ ሃልክታቶም ክቕይሩን ዘላቒ ኣገባብ ከስፍሑን ቃል ብምታው፡ ብተወሳኺ ንምክልኻል ብዙሕነት ህይወትን ዕቃበ እንስሳ ዘገዳምን ድምጾም ብምስማዕ፡ ማዕርነት መሰላት ደቀባት ክድግፉ፡ ነቲ ምስ ጽቡቕ ህይወት መሬት ዝተጣመረ ጥበብ ኣቦሓጎታት ክከላኸሉ” ቃል ኣትዮም፥ “ኣብ ጫፍ ደልሃምት ታሪኽ ደው ኢልና ኣብ ዘለናሉ እዋን ስሕበት ናይቲ ብሓባር ዘጋጥመና ብድሆታት ኣብ ግምት ብምታው ንዝመጽእ ወለዶታት ክንሓድጎ ዝግብኣና ሕድሪ ምሉእ ልቦናዊ ኣቃልቦ ንገብር። ኩሎም እቶም ኣብ ኣህጉራዊ መበል 28 ዋዕላ ዛዕባ ለውጢ ከባቢ ኣየር ዝተኣከቡ ወሰንቲ ኣካላት ነቲ ወሳኒ ህሞት ሒዞም ብህጹጽ ከሰርሑን ናይ ሓባር ስጉምትን ዓሚቕ ሓላፍነትን ክገብሩ ብትብዓት ንልምኖም” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኣብ መወዳእታ እቲ ሰነድ፥ “እታ ዝተጎድአት ዓለምና ንምሕዋይን ጽባቐ ናይ ሓባር ገዛና ንምዕቃብን” ቅልጡፍ ሓባራውን ቆራጽን ስጉምቲ ክውሰድ ጻውዒት ብምቕራብ ኣብ መስርሕ ድማ ንመጻኢ ወለዶታት ተስፋ ክንመልስ የድልየና። ብሓባር ክፉት ኣእዳውና ናብ ኩሉ ንዝርግሕ።” ሰባት ነዚ ናብ መጻኢ ጽንዓትን ስኒትን ንኹሉ ኣብ ምድሪ ዘሎ ህይወት ዘዐምብብን ጉዕዝ ክጅምሩ ንዕድም” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

04 December 2023, 16:09