ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ መራሕቲ ሃይማኖት ንሰላምን ኩነታት ከባቢ ኣየርን ብሓባር ክዓዩ ይላበዉ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዱባይ ኣብ ዝተኻየደ መበል 28 ኣህጉራዊ ዋዕላ ዛዕባ ለውጢ ከባቢ ኣየር ጎኒ ጎኒ ኣብ ዝቖመ ናይ “እምነት ዱንኳን” ንኽምርቑ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥ “ንፍጥረትን ሰላምን ሓልዮት ዝድግፍ ምትሕግጋዝ ከም ዘድሊ የጉልሑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ “መበል 28 ኣህጉራዊ ዋዕላ ለውጢ ከባቢ ኣየር ናይ እምነት ድንኳን” ንምቛም ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ንኽምርቑ ናይ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ሕመረት፥ “ንናይ ሓባር ረብሓ ሓባራዊ ኪዳን ምፍጣር” ኣገዳስነቱ ዘመላኽት ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ዕለት 3 ታሕሳስ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ተረኪቦም ኣብቲ ኣጋጣሚ ዘቕረብዎ ንቅዱስነቶም ወኪሎም ኣብቲ መበል 28 ኣህጉራዊ ዋዕላ ዛዕባ ለውጢ ከባቢ ኣየር ዝተሳተፉን መደረ ዘስምዕኑን ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከም ዝኾኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንፈለማ ግዜ

ቅዱስነቶም ኣብቲ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቶም ኣብቲ መበል 28 ኣህጉራዊ ዋዕላ ዛዕባ ለውጢ ከባቢ ኣየር ብዘጋጠሞም ጉድለት ጥዕና ክርከቡ ብዘይምኽኣሎም ከም ዘሕዘኖም ገሊጾም፡ ኣብ ለውጢ ከባቢ ኣየር ኣማእኪሉ ኣብ ዝካየደ ኣህጉራዊ ዋዕላ “ናይ እምነት ድንኳን” ክቐውም ንፈለማ ግዜ ምዃኑ ብምዝኽኻር፡ እቲ ተግባር ብሓቂ ዘለዎ ኣገዳስነት ከም ዘስመሩሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ናይ እምነት ድንኳን “ብሓባር ንምስራሕ ድልውነት ኩለን እምነታት ዝምስክር እዩ” ቢሎም፥ “ሎሚ ዓለም ኣንጻር ዝኾነ ሰብ ዘይኮነ ንኹሉ ዝድግፍ ምሕዝነት የድልያ ኣሎ፡ ሃይማኖታት ኣብ መጻወድያ ሕብረትን ምትሕውዋስን ድሮ ዘይተዓረቑ ስነ-ሓሳባዊ ባእታታት ከይወደቓ ግሩም ኣብነት ክህባ ህጹጽ እዩ፡ ንረብሓኻ ወይ ንሓደ ውድብ ረብሓ ዘይኮነስ ንረብሓ ዓለምና ብሓባር ምዕያይ” የድሊ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

መስካሪ ምዃን

“ኩሎም ወከልቲ ሃይማኖታት ዘላቕን ኣኽብሮታውን ኣነባብራ ብምምስካር ለውጢ ዝከኣል ምዃኑ ከርእዩ” ዓዲሞም፡ “መራሕቲ ኣህዛብ ኣውያት ናይቶም ጸሎቶም ኣብ ዝፋን ልዑል ኣምላኽ ዝበጽሕ ድኻታት ኣብ መንጎና ዘለዉ ተነቀፍቲ ብምስማዕ፡ ኹሉ ሰብ ንፍጥረት ክሕሉ ዓዲሞም፡ ኩሉ ግዜ ብሰላም ምንባር እናደለና ናይ ሓባር ቤትና ክዕቅቡ ብትግሃት ንላቦ” እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቶም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

04 December 2023, 16:04