ድለ

ር.ሊ.ጳ.፡ ህያባት ንምቕራብ ንገብሮ ሸበድበድ ነቲ ናብ ሓቀይና ሓጎስ ዝመርሓናንምግራምን ጥቅውናን ይ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 20 ታሕሳስ ቅድሚ በዓለ ልደት ዘቕረብዎ ናይ ዕለተ ረብዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ቅድሚ ትርኢት ልደት ክንበር ኣብ ዘለዎ ሓቀኛ ክርስትያናዊ ኣተሓሳስባ ዘተኮረ ከም ዝነበረን። ንነገራት ኣብ ቅድሚ ሰባትን ዝምድናታትን ንምቕማጥ ካብ ዝግበር ፈተና የጠንቅቕ፡ ብስምዒት ቅርበትን ለውሃትን ርህራሄን ምስጢር ልደት ከነስተንትን ይዕድመና፡ እንተዘይኮይኑ "እምነት ኣብ ደረጃ ሓበሬታ ኮይኑ እዩ ዝተርፍ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅድሚ ልደት ኣብ ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ንዋጋ ናይቲ ልደት ትርኢት ንምስትንታን ዝተወፈየ ኮይኑ፡ ቅድሚ 800 ዓመት ዝነበረ መበቆል ህያው ትርኢት ልደት ግሬቾ ብምጥቃስ ኣብ ፊት በዓቲ ልደት ስቕታን ጸሎትን፡ ሓቀኛ ሓልዮት ነፍስን፡ ልዕሊ ኩሉ ግን ምግራም ዳግማይ ንምርካብ ምቹእ ህሞት ክንሕዝ ይዕድሙና።

ኣብ ቅድሚ ልደት ኢየሱስ ምግራም የድልየና

ከምቲ ጸሓፊ ታሪኽ ህይወት ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ቶማሶ ዳ ቸላኖ ኣብቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዝፈጠሮ ናይ ልደት ትርኢት "ሓዳስ ቤተልሄም" ወንጌላዊ ገርሀይናነት ዝደምቀላ ምዃኑ የመላኽት፡ ክርስትያን እውን ኣብ ቅድሚ እቲ 'ስነ-ጥበባዊ' ወቕቲ ልደት ካብቲ' መግለጺ ልደት የሱስ ነዚ ከመሃሩ ይግባእ። "ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዙ ጽቡቕ ስነ-ጥበባዊ ስራሕ ክፈጥር ኣይደለየን እንታይ ደኣ ብናይ ልደት ትርኢት ኣቢሉ፣ ኣብቲ ድኻ በዓቲ ቤተልሔም ልዑል ትሕትና ጐይታ ምእንቲ ፍቕርና ዘጋጠሞ ጸገማት ከነስተንት እዩ ዝዕድመና።”

ንሕና ክርስትያን ነቲ ናይ ልደት ትርኢት ከም ጽቡቕ ነገር፡ ከም ታሪኻዊ፡ ዋላ’ውን ሃይማኖታዊ ነገር ጌርና እንተርኢናዮ፡ እንተ ጸሊና እውን እኹል ኣይኮነን። ኣብ ቅድሚ ምስጢረ ስጋዌ ቃል፡  ልደት ኢየሱስ፡ ሃይማኖታዊ ኣገባብን ምግራም የድልየና። ኣብ ቅድሚ እዚ ምስጢር እዚ ናብ ምግራም እንተዘይበጺሐ እምነተይ ደጋዊ ኮይኑ እዩ ዝተርፍ “ጉዳይ ሓበሬታ ኮይኑ እዩ ዝተርፍ።”

ካብ ርእሰ ምቁጽጻር ዝመጽእ ሓጎስ

ካብቶም ኣዝዮም ሰላሕታውያን ፈተናታት ሓደ ይብሉ ቅዱስነቶም ንነገራት ኣብ ቅድሚ ሰባት ምቕማጥ እዩ። የግዳስ ኢየሱስ ልክዕ ብኣንጻሩ፥ "ሰባት ቅድሚ ነገራት" የንብር። "እቲ ናይ ልደት ትርኢት - ናብቲ ኣገዳሲ ነገር ንምምላስ ተባሂሉ ዝተፈጥረ እዩ: ናብቲ ኣብ መንጎና ክነብር ዝመጽእ ኣምላኽ ንኸነብል"። ድሕሪኡ፡ . . .  ብዛዕባ ኣገዳስነት ናይቲ ካብ ጥቅውና ዝፍጠር ሓጎስ፡ እቲ "ካብ ምዝንጋዕ ዝተፈልየ" ሓጎስ ብዕምቆት ንኸነስተንትኖ ይኸፍትና፡ እዚ ድማ ናይ ብሓቂ ሓጎስ እምበር ደጋዊ ኣይኮነን።

[...] ምዝንጋዕ ኣብ ጽቡቕ ጽርግያታት እንተገይርካዮ ሕማቕ ነገር ኣይኮነን ሓቀይ? ሕማቕ ነገር ኣይኮነን ናይ ሰብ ነገር እዩ። እቲ ሓጎስ ግን ካብኡ ዝዓሞቐ እዩ። ዝያዳ ሰብኣዊ። ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ብዘይ ሓጎስ ክትዘናጋዕ ዝብል ፈተና ኣሎ፤ ድምጺ እናገበርካ ምዝንጋዕ፡ ኣብዚ እቲ ሓጎስ ግን የለን። ሓዘንካ ዘይርሕቕ በናኒ ሓጎስ . . . ሓጎስ ሱር ጽቡቕ ምዝንጋዕ ኣብ በዓል ልደት እዩ።

ሃልኪነት ንትርጉም ልደት የበላሽዎ

ድሕሪኡ ናብ ልቢ ናይቲ "ትርጉሙ ዘበላሽው" ሃልኪ ልደት እናሓሰቡ፥ ኣብ ክንድኡ ግን፡ እቲ ናይ ልደት ትርኢት ብልክዕ ከም "ቤት ትምህርቲ ጥቅውና" ክኸውን እዩ ዝቖመ። እዚ ዓሚቝ ዋጋ ሎሚ ናይ ምጥፋእ ሓደጋ የጋጥሞ ኣሎ።

ናይ ልደት ሃልኪነት። ሓቂ እዩ ህያብ ክትህብ ትደሊ፡ ጽቡቕ እዩ፡ ሓደ መንገዲ እውን እዩ፡ ግን እቲ ዕዳጋ ምኻድ ዝብል ሸበድበድ - ኣቓልቦ የስሕት እሞ፡ ናይ ልደት ጥቅውና ይኣልይ። እስከ ነቲ ናይ ልደት ትርኢት ንርአ - እቲ ኣብ ቅድሚ ትርኢት ልደት ዝነበረ ምግራም ነስተውዕል። ኩሉ ደጋዊ ምግራን ንውሽጣዊ ምግራብ ቦታ ዘይብሉ። ስለዚ በየናይ መፍነስ ኢና እንፍጽሞ? ገዛእ ርእስና ንሕተት

ናይ እግዚኣብሔር ለውሃት ንበይንና ኣይገድፈናን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ "ሓደ ሰብ ብኢዱ ቅርበት ኢየሱስ ምስ ዝትንክፍ ካብ ልቢ ዝውሕዝ ሓጎስ፡ ንበይንና ዘይገድፈና፡ ዘጸናንዕ ለውሃት እግዚኣብሔር" ምዃኑ ይገልጹ። ከምቲ መብዛሕትኡ ግዜ ዝብልዎ ሰለስተ ኣተሓሳስባታት ኣምላኽ፡ ቅርበት፡ ለውሃትን ርህራሄን ዝብልዎ ደጊሞም ብምዝኽኻር ከምኡ'ውን ነቲ ናይ ልደት ትርኢት ርኢና ኣብ ቅድሚኡ በዚ "ኣብ መዓልታዊ ህይወት ዝሕግዘና" ቅዲ ክንጽሊ ዓዲሞም። ኣብ መወዳእታ ድማ፥

ትርኢት ልደት ከም ህያው ወንጌል፡ ቤት ወንጌልን እዩ። ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ዒላ እዩ፣ መአከቢ ቦታ እዩ፣ ከምቲ ጓሶት ቤተልሄምን ህዝቢ ችረቾን ዝገበርዎ፣ ትጽቢትን ጭንቀትን ህይወት ናብ ኢየሱስ ከተቕረብሉ  እትኽእል። ትጽቢትን ጭንቀትን ህይወት ናብ ኢየሱስ ኣምጽእዎ።

እንክብሉ ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

20 December 2023, 17:05