ድለ

Pope Francis' Angelus Pope Francis' Angelus  (ANSA)

ር. ሊ. ጳ. ኣብ መልእኽቲ መዓልቲ ሰላም፣ ሰብ ዝሰርሖ ምስተውዓል ንሰላም ሓደጋ ክኸውን ከም ዝኽእል

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ኣብቲ ብምኽንያት መበል 57 ዓለምለኻዊ መዓልቲ ሰላም ዘመሓላለፍዎ መልእኽቶም፣ እቲ ሰብ ዝሰርሖ ምስትውዓል ኣብ ዓለምለኻዊ ሰላም ብዛዕባ ዘለዎ ጽልዋ ኣስተንቲኖም፣ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ንምዕብልናኡን ንኣጠቓቕማኡን ዝቈጻጸር ቀያዲ ኣህጉራዊ ውዕል ክቕርብን ክቕበልን ተማሕጺኖም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳስት አብ መልእኽቶም፣ ሓደስቲ ተክኖሎጅያዊ መሳርሒታት ወትሩ "ንውልቀ-ሰባትን ማሕበረሰባትን አብ ውሁድ ምዕብልና ንምግልጋል አብ ሰላምን ሓባራዊ ጥቕምን ንምርካብ" ዘተኰረ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም ።

ቅዱስነቶም ኣብቲ ብምኽኒያት ዓለምለኻዊ መዓልቲ ሰላም አብ መሓላለፍዎ መልእኽቲ ንመራሕቲ ዓለም ኣብ ምዕብልና ንዝግበር ጻዕርታትን "ኣብ ሰብኣዊ ሕውነትን ሰላምን ዝዓለም ክኸውን ከም ዘለዎ" ተማሕጺኖም ።

እቲ 'ሰብ ዝሰርሖ አስተውዕውሎት ንሰላም' ዘርእስቱ መልእኽቲ ቅዱስነቶም ትማሊ ሓሙስ ዕለተ 14 ታሕሳስ ብምኽንያት መበል 57 ዓለምለኻዊ መዓልቲ ሰላም ዕለት 1 ጥሪ 2024 ኣመሓላሊፎም ።

ባህርያዊ ምትእስሳር ተክኖ-ሳይንሳዊ ምዕባለታት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መልእኽቶም ነቲ ምስ ስነ-ፍልጠትን ተክኖሎጅን አብ ዝግበር ዝዀነ ይኹን ዕቤት ንዘለዎ ዘይምስምማዕ ብምጕላሕ "ስነ-ምግባራዊ ጉድንታት" ናይዚ ከአ ኣብ ኵሉ መዳያት ህይወት ወድሰብ ለውጢ ዝገብር ዘሎ ሓድሽ ተክኖሎጂ ከም ምዃኑ አጕልሑ ።

በቲ ሓደ ሸነኽ "ኣብ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ዝያዳ ስርዓት ከም ዚህልወናን ዝያዳ ማሕበራዊ ምትሕብባርን ናጽነትን ከም ዜምጽእን" እንተ ተገይሩ ናብ ምምሕያሽ ህይወት ደቅሰብን ናብ ለውጢ ዓለምን ኪመርሕ ከም ዚኽእል ዘለዎም እምንቶ ገለጹ።

በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ተክኖ-ስነ-ፍልጠታዊ ምዕባለታት ብፍላይ ከኣ ኣብ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታት "ንህይወትናን ንሓባራዊት ቤትናን ኣብ ሓደጋ ዜእቱን እተፈላለየ ኣማራጺታት ኣብ ኢድ ሰባት የቐምጥ ከም ዘሎን" አመልከቱ።

ዝዀነ ይኹን ተክኖሎጅያዊ ምህዞ "ገለልተኛ" ኣይኰነን

እቲ መልእኽቲ ከም ዘመልክቶ ዝዀነ ይኹን ስነ-ፍልጠታዊ ምርምርን ተክኖሎጅያዊ ምህዞን "ገለልተኛ" ከም ዘይኰነ የዘኻኽር - "ምሉእ ብምሉእ ሰብኣዊ ንጥፈታት ከም ምዃኑ መጠን እቲ ዝጥቀሙሉ መምርሒታት ኣብ ዝዀነ ይኹን ዕድመ ብሕታውን ማሕበራውን ባህላውን ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ዝትንክፍ ምርጫታት ዘንጸባርቕ ኢዩ ። ብዛዕባ እቲ ዝህቦ ውጽኢት እውን ከምኡ ኺብሃልል ዝከአል ኢዩ፣ ልክዕ ከምቲ ሰባት ነዛ እነብረላ ዘሎና ዓለም ብሰብአዊ መንገዲ ክቐርብዋ ይግባእ፣ እዚ ድማ ምዕብልና ወትሩ ስነ-ምግባራዊ ጐድንታት ክንዲ ዝለዎ ኢዩ፣ እዚ ድማ ምስቲ እቶም ፈተነታቶም ዚነድፉን ፍርያቶም ናብ ፍሉይ ዕላማ ዜምርሑን ሰባት ዚገብርዎ ውሳነታት ኣጸቢቑ ዚተኣሳሰረ እዩ።"

ልክዕ ከማኡ ድማ ኣብቶም ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታት እውን ክህሉ ዝግባእ ኢዩ ከመይሲ "ዝዀነ ይኹን ሰብ ዝሰርሖ ናይ ኣስተውዕሎት መሳርሒ — መሰረታዊ ምዕብልናኡ ብዘየገድስ — ዘሕድሮ ጽልዋ ኣብ ቴክኒካዊ ንድፉ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ዕላማኡን ዝህቦ ጥቕምታትን ዋናታቱን ኣዳለውቱን ከምኡውን ኣብቲ እትሰርሓሉ ዅነታትን ኢዩ ዝምርኰስ ።"

ስለዚ ምዕብልናኡ ንመጻኢ ደቅሰባትን ኣብ መንጎ ህዝብታት ሰላምን ጠቓሚ ኣበርክቶ ኸም ዚገብር ጌርና ኽንፈልጥ ኣይንኽእልን ኢና ።  ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ አብ መልእኽቶም - "እዚ ኣወንታዊ ውጽኢት እዚ ክርከብ ዝከኣል ከም እኒ 'ተሳትፎ፣ ግሉጽነት፣ ውሕስነት፣ ማዕርነት፣ ብሕታውነት፣ ከምኡ ውን ተአማንነት' ዝኣመሰለ መሰረታዊ ሰብኣዊ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ከነኽብር ከም ዘሎና እንተ አሚናሉ ጥራይ ኢዩ።

ስነ-ምግባራዊ ጕዳያት

ስለዚ "ነቲ ኣብዚ ዓውዲ እዚ ዚለዓል ስነ-ምግባራዊ ጕዳያት ዚምርምሩን መሰላት ናይቶም በዚ ዓይነታዊ ኣስተውዕሎት ንዝጥቀሙ ወይ ብእኡ ንዝትንከፉ ሰባት ዚሕልዉን ዝከላኸሉን ኣካላት ምቛም" ኣድላዪ እዩ።

"ንውልቀ-ሰባትን ማሕበረሰባትን ዘይነጻጸል ዕቤት ኣብ ምግባር፣ ሰላምን ሓባራዊ ጥቕምን ንምርካብ ብተክኖ ስነ-ፍልጠታዊ ምርምር ናይ ምምዕባል ግዴታ ኣሎና።"

ስለዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከምዚ ክብሉ ጸሓፉ - "ኣብ ናብራ ዅሎም ደቅሰባት ምምሕያሽ ዘይገብር ተክኖሎጅያዊ ምዕባለታት ብኣንጻሩ ግን ዘይማዕርነትን ግጭታትን ከም ናይ ሓቂ ዕቤት ገይርካ ክውሰድ ኣይክእልን ኢዩ።"

ኣብቲ መልእኽቲ ቐጺሎም ነቲ "ሰብኣዊ ትምህርታዊ ማሕበራዊ ከምኡውን ፖለቲካዊ" ዝዀነ ኣስተውዕሎት ከስዕቦ ዝኽእል ብዙሕ ብድሆታት ይዝርዝሩ።

አብ በርገሳዊ ሕብረተሰባት ዜስዕቦ ሓደጋ

ንኣብነት ገሊኡ መሳርሒታት ንሓድሕዱ ዘይጋጮ ጽሑፋት ናይ ምድላው ክእለቱ "ዜተኣማምን ምዃኑ ውሕስነት የብሉን።" ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ እዚ "ናይ ሓሶት ዜናታት ኣብ ምዝርጋሕ መራኸቢ ብዙሓን እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ፣ ምጥርጣርን ምድንጋራትን ኣብ ዝዛየደሉ ወፈራታት፣ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ምስ እዚ ኩሉ ህልው ኩነታት ከቢድ ጸገም እዩ ዜምጽእ።"

ነዚ ተክኖሎጅያዊ መሳርሒታት እዚ ብዘይግቡእ ምጥቃም ካልእ ኣሉታዊ ሳዕቤናት እውን ክህልዎ ይኽእል ኢዩ ፣ እዚ ኸኣ "ኣድልዎ ምግባር፣ ኣብ ምርጫ ጣልቃ ምእታው፣ ምውሳኽ ናይ ዘየድሊ ተቖጽጽሪ ማሕበረሰብ፣ ካብ ኤለክትሮኒካዊ ምዕባለ ምንጻል፣ ከምኡውን ኣብ ሕብረተሰብ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ውልቃውነት " ከስዕብ ይኽእል ኢዩ፣ እዚ ዅሉ ድማ ንዓለምለኻዊ ሰላም ዘስግእ ኩነት ኢዩ ።

ድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንበርገሳዊ ሕብረተሰባት ብዛዕባ ዘለዎ ሓደጋን ከምኡውን ብዛዕባ እዚ ዓብላሊ ዝዀነ ተክኖ-ስነፍልጠታዊ ኣገላልጻን ኣንቈራ ክገብር ዝኽእል ደረት ዘይብሉ ሰብኣዊ ሓይሊ ንዘለዎ ሓደጋ ከምዚ ብምባል ኣጠንቀቑ - "ብቴክኖሎጂ ኣቢልና ንዅሉ ደረት ክንሰግሮ ብዝብል ሓሳብ፣ ንዅሉ ነገራት ክንቈጻጸሮ ብዝብል ድላይ ንገዛእ ርእስና ኽንቈጻጸረሉ አብ ዘይንኽእለሉ ደረጃ ክንበጽሕ ንኽእል ኢና።"

ኣልጐሪዝም ንሰብኣዊ መሰላት ብኸመይ ከም እንርድኦ ኺውስን የብሉን

ብዛዕባ ከም እኒ ኣድልዎ ምግባር፡ ምትላል ወይ ማሕበራዊ ጸቕጢ ዝኣመሰለ "ዝባራዕ" ዘሎ ስነ-ምግባራዊ ጕዳያት ቅዱስነቶም ከምዚ ክብሉ ይማጐቱ - "ንኣብነት ኣብቲ ብቴክኖሎጂ ባዕሉ ዘቕርበልና ንግለ ሰባት መምድቦም ዘትሕዞም ዘሎ ኣብቲ ደረት ዘይብሉ ምቁጽጻር ደቅሰባት ወይ ውን መስርሕ ማሕበራዊ ተኣማንነት ምሉእ ብምሉእ ምውካልን ምቕባልን ኣብ ማሕበራዊ መዋቕር ዓሚቝ ጽልዋ ኺህልዎ ይኽእል እዩ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነዚ ሓድሽ ቴክኖሎጂ ኣብ ስራሕ ዘለዎ ጽልዋ ብምጕላሕ "ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ንሰብኣዊ መሰላት ብኸመይ ከም እንርድኦ ንምውሳንን ነቲ ኣድላዪ ዝኾነ ሰብኣዊ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ምድንጋጽን ምሕረትን ይቕረ ምባልን ንኼወግድ ኪፍቀደሉ የብሉን" ብምባል ብትሪ ኣጠንቀቑ።

ንሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ከም አጽዋር ምጥቃም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብፍላይ ነቲ ሌታል ዝተባህለ ኣውቶማቲክ ኣጽዋር (LAWS) ብምጥቃስ፣ ኣብ ኢድ ግብረ - ሽበራውያን ዝበጽሕ ዘሎ እተራቐቐ ኣጽዋር ክህሉ ከም ዝኽእል ብምግላጽ ብዛዕባ "እቲ ብሰብ ዝሰርሖ ኣስተወዕሎት ዝተደገፈ አጽዋር " ብፍላይ ከም ዘሻቕሎም ገለጹ ።

"እቲ ኣዝዩ ምዕቡል ዝዀነ ተክኖሎጅያዊ ምዕባለ ብኸመይ ግጭታት ብዓመጽ ይባርዑ ዘይኮነስ አብቲ ግጭታት ንምፍታት ቅልቱፍ ዝኾነ መገዲ ሰላም ንምጽራግ ክውዕል ኣለዎ።"

ብኣወንታዊ ሸነኽ ከኣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ኣብ ሕርሻን ትምህርትን ባህልን ኣገዳሲ ሓድሽ ምህዞታት ማለት ንብምሉኦም ሃገራትን ህዝብታትን ዝሓሸ ደረጃ ናብራንን ከምኡውን ዕቤት ሰብኣዊ ሕውነትን ማሕበራዊ ዕርክነትን" ብምትእትታው ዘይነጻጸል ዕቤት ደቅሰብ ንምድንፋዕ ሰብ ዝሰርሖ ምስትውዓል ክጠቅም ከም ዝኽእል ገለጹ።

አብ ትምህርቲ ዘጋጥም ዘሎ ብድሆታት

እቲ መልእኽቲ ቅዱስነቶም ቐጺሉ እቲ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት አብ መኣዲ ትምህርቲ ኣብቶም "ብቴክኖሎጂ ኣብ ዝዘቕበበ ባህላዊ ሃዋህብ" ዝዓበዩ ዘለው ሓደስቲ ወለዶታት ዘምጽኦ ብድሆታት የጕልሕ ።

ኣብዚ መዳይ እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንመንእሰያት ብዛዕባ እቲ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ህጹጽ መረዳእታ ክህልዎም ምግባር ኣድላዪ ምዃኑ የዘኻኽሩ ። እዚ ትምህርቲ እዚ ድማ "ልዕሊ ዅሉ ወሳኒ ዝኾነ ኣተሓሳስባ ኣብ ምድንፋዕ ዘተኰረ ክኸውን ኣለዎ" በሉ ።

ሰብ ዝሰርሖ አስተውዕሎት ዝቆጻጸር ኣህጉራዊ ውዕል የድሊ

ስለዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንዓለምለኻዊ ማሕበረሰብን ንሃገራትን ነቲ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ብእተፈላለየ መልክዕ ንምምሕያሽን ንምጥቃምን ዝቈጻጸር ቀያዲ ኣህጉራዊ ውዕል ንምቕራብ ብሓባር ክዓዩ ተማሕጺኖም - "ዓለምለኻዊ ኣድማስ ናይቲ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ኣብ ጐድኒ እቲ ሉዓላውያን መንግስታት ንኣጠቓቕማኡ ኣብ ውሽጣዊ ጕዳያቶም ናይ ምቍጽጻር ሓላፍነት ክህልዎምን፣ ኣህጉራውያን ማሕበራት ከአ ኣብ እተፈላለየ ዓውድታት ኣብ ዝግበር ውዕላት ንብምብጻሕን ንምቁጽጻርን ወሳኒ ግደ ከም ዘለወን ዘዘኻኽር ኢዩ።"

እዚ መልእኽቲ ቅዱስነቶም "በዚ ሓሳብ እዚ ኣብ መጀመርታ ሓድሽ ዓመት ዝጸለኽዎ ጸሎት ኢዩ!" ብምባል ይድምድም - "እቲ ብቕልጡፍ እናማዕበለ ዝኸይድ ዘሎ ዓይነት ምዕባሌ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ነቲ ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ዘሎ ዘይማዕርነትን ምጕዳል ፍትሕን ዘዛይድ ዘይኮነስ የግዳስ ንውግእን ግጭታትን መወዳእታ ንኽገብረሉን ከምኡውን ንሰብኣዊ ስድራቤትና ዘሳቕዮም ዘሎ እተፈላለየ ዓይነታት ስቓይ ንኸፋዅስ ክሕግዝ አለዎ ።"

15 December 2023, 17:37