ድለ

POPE-POOR/ POPE-POOR/ 

ዓለምለኸ መዓልቲ ድኻታት፦ 'ገጽካ አይትከውለሎም'

ቤተ-ክርስትያን ብዕለት 19 ሕዳር መዓልቲ ድኻታት ንምኽባር አብ እትሸባሸበሉ ዘላ እዋን፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንዅሎም ድካታትን ሓላዪ ዘይብሎም መሳኪንን ብናጻ ሕክምናዊ አገልግሎትን መድሓኒታትን መርመራታትን ክታበትን ከምኡውን ክፍሊት ሕሳብ አገልግሎቶምን አብ ምሕላይ ኩሉ ሰብ ክሳተፍ ጻውዒት አቕሪቦም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ብ2017 ዓለምለኸ መዓልቲ ድኻታት ክኸብር አዊጆም ።

ቤተ-ክርስትያን ካብ ገዛእ መዳድቓ ተሳጊራ ብምሕላፍ "ነቲ ኣብዛ ሎሚ እንነብረላ ዘሎና ዓለም ተገሊጹ ዘሎ ብዙሕ ዝዓይነቱ ድኽነት" ክትገጥሞ ከም ዘለዋ የተባብዑ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ብ19 ሕዳር ኣብ ባዚልካ ቅዱስ ጴጥሮስ ሻውዓይ ዓመት ዓለምለኸ መዓልቲ ድኻታት ንምኽባር ዝዓርግ መሥዋዕተ ቅዱሴ ክመርሑ ኢዮም።

'ካብ ድኻታት ገጽኩም አይትምለሱ'

መሪሕ ቴማ ናይ 2023 ዓለምለኸ መዓልቲ ድኻታት "ንድኻ ገጽካ አይትኽልኣዮ!" (ቶቢት 4,7)  ዝብል ክኸውን ኢዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ዓብዪ ርባ ድኽነት ብኸተማታትና ይሓልፍን ይውሕዝን ኣሎ ፣ መሊኡ ውን ከዕቕልቐና ዝደሊ ዘሎ ኢዩ ዝመስል፣ ናይቶም ሓገዝናን ደገፍናን ሓልዮትናን ደልዮም ዝጭርሑ ዘለዉ መሳኪን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ስእነቶም ብጣዕሚ እና ገዓበየ ይኸይድ አሎ።" ኢሎም።

ኣስዕብ ኣቢሎም ውን ቅዱስነቶም "ንድኻታት ምንም ድንጋጼ አብ ዘይብሉ እዋን ኢና እንነብር ዘሎና። ምሉእ ትሩፍ ዘሎካ ኮይንካ ሃብታም ንኽትከውን ዘሎ ጸቕጢ እናወሰኸ ኪኸይድ አብ ዝሃለወሉ እዋን፣ አውያት ናይቶም ኣብ ድኽነት ዚነብሩ ግና ኣይስማዕን እዩ ዘሎ።"

መርሓ-ግንር ናይዚ ዕለት፦ ምሳሕን ሕክምናዊ አገልግሎትን

እዚ ሎም ዓመት 2023 ዝኸብር ዓለምለኸ መዓልቲ ድኻታት በቲ ብዛእባ ኣገልግሎት ግብረ - ሰናይ ዝሓሊ ላዕለዋይ ብትጽሕፈት ቅድስቲ መነብር ክካየድ ኢዩ ።

ኣብ ኢጣልያ  ዝርከቡ ሆቴላት ሂልተን ንድኻታት ናይ ምሳሕ እንግዶት ከቕርብ ኢዩ፣ ከምኡ ውን ድሕሪ መሥዋዕተ ቅዱሴ ኣብቲ አብ ሃገረ ቫቲካን ዝርከብ ጳውሎስ ዝተሰምየ 6ይ ናይ ጉባኤ አዳራሽ ናይ ምሳሕ እንግዶት ንድኻታት ክካየድ ኢዩ።

ናይ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ግብረ - ሰናይ ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት አብቲ ዕለት እቲ ንድኻታትን መሳኪንን ብመንገዲ እቲ አደ ምሕረት እተሰምየ ናይ ዓውዲ ሕክምና አብ ቅርዓት ቅድስ ጴጥሮስ ዘርከብ ናጻ ሕክምናዊ አገልግሎት ከወፍየሎም ኢዩ።

አብዚ ሕክምናዊ አገልግሎት ድማ ሓካይምን ኣለይቲ ሕሙማትን ዚርከብዎም 50 ሰብ ሞያ ጥዕና ክሳተፉ ኢዮም።

መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ

ናይ ስብከተ ወንጌል ጉዳያት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መበር፣ ንመልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከምዚ ዝስዕብ እንክብል ዳግም የጋውሖ ።

"እታ ፈራዪት ምሳሌ ምሕረት ኣቦ ዝዀነት መዓልቲ ድኻታት፣ ንጕዕዞ ማሕበረሰብና ንምድጋፍ ንሻውዓይ ግዜ ትኸብር አላ። ቤተ-ክርስትያን ከአ ነቲ ቐንዲ ትሕዝቶ ወንጌል ብዝያዳ ምእንቲ ከተስተማቕሮ በብቝሩብ ኣብ መጓሰኣ ሱር ትሰድድ ከም ዘላ ዝሕብር ቆራጽ ተበግሶ ኢዩ ። ንመዓልታዊ ንድኻታት ንምኽባር ፍቓደኛታት እኳ እንተ ተኾና እዚ ግን እኹል ኣይኰነን ። ርባ ድኽነት ብኸተማታትና ይሓልፍን ይውሕዝን አሎ መሊኡ ድማ ከዕለቅልቐና ይደሊ ዘሎ ይመስል፣ እዚ ርባ እዚ ኣዝዩ ስለ ዝዓብለለና እቶም ሓገዝን ደገፍን ሓድነትን ዝደልዩን ዝሓቱን ኣሕዋትን ኣሓትን አውያቶም እናወሰኸ ይኸይድ አሎ ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኣብታ ቅድሚ በዓለ ኢየሱስ ንጉሥ አድማስ ዘላ ሰንበት ንድኽነት ክነብራን ንድኻታት ንምግልጋልን ካብ ኢየሱስ ጸጋን ተጸምዶን ንምቕባል ኣብ ኣዳራሹ ንጋባእ አሎና።" ከም ዝበሉ አገልግሎት ዜና ቫቲካን የመላኽት።

10 November 2023, 17:10