ድለ

2023.11.01 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኩናት እናገደደ ከይከይድ ኣብ ‘ሰብኣዊ ጥበብ’ ዘለዎም እምነት ይገልጹ 2023.11.01 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኩናት እናገደደ ከይከይድ ኣብ ‘ሰብኣዊ ጥበብ’ ዘለዎም እምነት ይገልጹ 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኩናት እናገደደ ከይከይድ ኣብ ‘ሰብኣዊ ጥበብ’ ዘለዎም እምነት ይገልጹ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ኢጣሊያ ራይ እተሰምየ መደብር ተለቭዥን ኣካል ምስ ዝኾነ መደብር ራይ ኡኖ ክፍሊ ሓበሬታ ዋና ኣሰናዳኢ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ብዛዕባ ዘሎ ተኽእሎ ዓለማዊ ግጭት ብምምልካት፡ ኩናት ክንለማመዶ ከም ዘይብልና ኣተሓሳሲቦም ንግድ ኣጽዋር ብትረት ይነቕፉ

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ኣብ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ዝተባርዓ ውግእ “ዓለም ለኻዊ ኪኸውን ይኽእል” እውን እንተበሉ ከምኡ ከም ዘይከውን ኣብ ‘ሰብኣዊ ጥበብ’ ዘለዎም ተስፋ ዓቢይ ምዃኑ ራይ ምስ እተሰምየ ናይ ኢጣሊያ ናይ ተለዥን መደብር ኣካል ምስ ዝኾነ መደብር ተከቭዥብ ራይ ኡኖ ዋና ኣሰናዳኢ ሓበሬታ ጃንማርኮ ኪዮቺ ኣብ ዘካየድዎ ነዊሕ ቃለ መሕትት ገሊጾም፥ ቅዱስነቶም ኣብዚ ዕለት 1 ሕዳር ኣብ ናይ ኢጣሊያ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ኣብ ዝተመሓላለፈ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥

እስራኤልን ጋዛን

ብዛዕባ ኩነታት ማእከላይ ምብራቕ ብዝምልከት ቅዱስነቶም “ኩሉ ውግእ ስዕረት እዩ። ብኲናት ዝፍታሕ ነገር የሎን። ብሰላምን ብዘተን እዩ ኩሉ ነገር ዝኽሰብ . . . ኣብ ኪቡትዚም ኣትዮም ጅሆ ሒዞም ሰብ ቀቲሎምን ነዚ ስዕቡ ድማ ብወገን እስራኤል ነቶም ጅሆ ዝኾኑ ንምድሓን ዝተወስደ ግብረ መልሲ . . . ዓመጽ ንኻልእ ዓመጽ እዩ ዘለዓዕል። እናበለ ድማ ይቕጽል . . . ኩናት ስዕረት እዩ። ከም ሓደ ተወሳኺ ስዕረት ኮይኑ እዩ ዝስምዕኒ። ብሓባር ክነብሩ ዘለዎም ክልተ ህዝብታት። በቲ ብሱልን መስተውዓሊ ፍታሕ፡ ክልተ ህዝቢ ክልተ ሃገራት ዝብል ስምምዕ ኦስሎ ዝገልጾ። ክልተ ዶባተን ብኑጽር ዝተሓንጸጸ ሃገራትን ምስ ፍልዩ ዂኔታ ኢየሩሳሌም ዝብል ውሳኔ።

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምንቲ ሰላም ዝተገብረ ጸሎት ብምዝካር፥ ዓለምና “እዚዩ ጸልማት ዝኾነ ግዜ” ተሕልፍ ኣላ፡ . . . ኣብ ከምዚ ዓይነት ጸልማት ኩነት ድማ ብንጹር ከተስተንትን ከቢድ ይኸውን . . . ኣብ ልዕሊ ጸልማት ጸልማት እናኾነ ስለ ዝኽየድ እዚ ብሓቂ ስዕረት እዩ! ካብ ዝሓለፈ ኲናት ዓለም ኣትሒዙ ካብ 1945 ዓ.ም. ኣብ ከምዚ ኩነት ኢና ዘሎና . . . ምኽንያቱ ውግእ ኩሉ ደው ስለ ዘይበለ። እቲ ዝገደደ ዓቢይ ጸገም ድማ ‘ኣጽዋር ውግእ ዘምርታ ትካላት’ እያተን . . . እቲ ዝዓበየ ሃብቲ ገንዘብ ዝፈሰሉ እናሰፈሐን እናዓበየን ዝኸይድ ዘሎ ኵናት ዘበራርዕ “ኣጽዋር ዘምርታ ኢንዳስትሪታት” እዩ።

. . . ምስቶም ኣብ ጋዛ ዝርከቡ ምስ ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወት መዓልታዊ ብስልኪ ከም ዝራኸቡን ምስ ግብጻዊ ተሓጋጋዚ ቆሞስ ኣባ ዮሱፍ መዓልታዊ ከም ዝራኸቡን ‘ኣብታ ሰበኻ 563 ኣባላት ኣለዉ፡ መዓልታዊ ቀረባኦም ኮይነ ከሰንዮም እፍትን ኣምላኽ ይመስገን ሓይልታት እስራኤል ነተን ሰበኻታት ስለ ዘኽብሩ . . .

ውግእን ጸረ ስሜማውነትን

ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣገልግሎተይ ዝጀመርኩሉ እዋን ኣብ ሶሪያ ከቢድ ኲናት ዝተባራዓሉ ህሞት እዩ ነይሩ፡ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ጸሎት ክግበር ጻውዒት ኣቕሪብ ኣብ ዝተፈላለየ ኣደባባያት ዓለም ሰዓብቲ ሃይማኖት ክርስትናን ምስልምናን ዘሳተፈ ጸሎት ምእንቲ ሰላም ተኻይዱ እዩ። . . . እቲ ዘሕዝን ክኸውን ዘይብሉ ድማ ውግእ ምልምማድ እዩ። ውግእ ከም ልሙድ ገርካ ምሕሳብ ኣዚዩ የፍርሓኒ . . .

ብዛዕባ ከመጽእ ዝኽል መላእ ዓለም ክትንክፍ ዝኽእል ውግእ . . . ሰብኣዊ ጥበብ ነዚ ነገራት እዚ ደው ከብሎ ድማ ተስፋ እገብር። እቲ ኩነት ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎን እቲ ውግእ ዓለማዊ ንምግባር ተኽእሎ ዘለዎ ይመስለኒ . . . እዚ ኣብ ቀረባና ዘሎ እቲ ካልእ ብዙሕ ዘይጸልው ዝመስል ግን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ዞባ ኪቩ ኣብ የመን ሚያንማር ሰማእታት ሮሂንጋውያን ዘጋጥሞም ዘሎ ኣሳዶ . . . ነዚ ኩሉ ርኢኻ ብሓቂ ዓለም ኣብ ውግእ እያ ዘላ . . . ድሕሪ እዚ ኩሉ ውግእ ከኣ ናይ ኣጽዋር ኢንዳትሪታት ኣለዋ።

ብዛዕባ ጸረ - ሴማውነት ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ። ንሱ ድማ “ንኣብነት ብመንሰያትን ኣብዝን ኣብትን ጸረ ሴማውያን ተግባራት ክፍጽም ትርእይ . . . ሓቂ እዩ ብዙሕ ግዜን ብተደጋጋምን ጸረ ሴማውያን ዝኾኑ ተግባራት ክትርእይ ከቢድ እዩ። ኣብ ካልኣይ ውግው ዓለም ብናዚ ዝተፈጸመ . . . ሽዱሽተ ሚሊዮን ኣይሁዳውያን ተቐቲሎምን ጊልያዎት ኮይኖምን ገና በሰላታቱ ዘይሓለፈ ሎሚ ተምሳል ዝኾነ ተግባራት ክትርእይ የሕዝንን የሕፍርን ከመይ ገይረ ከም ዝገልጾ ኣይፈልጥን መብርሂ እውን የብለይን . . . ዝራእክዎም ዘሰንብደንን ሓቂ እዩ።

ኣብ ዩክሬይን ዘሎ ኵናት

ኣብ ዩክረይን ዘሎ ኲናት ንምውጋድን ሰላማዊ ፍታሕ ንኽረክብን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ሰላም ተበግሶታት ዝምልከት ንዝቐርበሎም ሕቶ እንክምልሱ፥ ህዝቢ ዩክረይን ስዉእ ህዝቢ እዩ . . . ኣብ ግዜ ስታሊን ንከቢድ ስደትን መከራን ዝተቓልዐ . . . ብዛዕባ እቲ ዝሓለፈን ዘሎን ዛዕባ ሰማእትነት እቲ ህዝቢ ታሪኽ ዘዘንቱ መጽሓፋት ኣንቢበ . . . ብሓቂ ድማ ዘስካሕክሕ እዩ። ነቲ ዝሓለፈ ታሪኽ ንኽነብሩ ዝገብሮም ኩነታት . . . ንርእሰ ብሔር ዘለንስኪ ተቐቢለ ኣዘራሪበዮ እየ . . . ሰላም የድሊ። ደው ቢልኩም ስምምዕ ሰላም ድለዩ። ስምምዕ እዩ እቲ ሓቀይና መፍትሒ . . . ከም ዝበልዎ ድማ ይዝክሩ።

እቲ ውግእ ኣብ ዝተባርዓሉ ካልኣይ መዓልቲ ኣብ ቅድስቲ መንበር ምስ ናይ ሩሲያ ልኡከ መንግስቲ እውን ተራኺበ እየ። ዘድሊ ዝጠቅምን እንተኾይኑ ድማ ናብ ርእሰ ብሔር ፑቲን ክኸይድ ፍቓደይና እውን ምዃነይ ሓቢረዮ እየ . . . ካብታ ህሞት እቲኣ ኣትሒዘ እውን ምስ ልኡከ መግንስቲ ሩሲያ ኣብ ቅድስቲ መንበር ቀጻሊ ርክባት ኣሎኒ እሱራት ናጻ ክልቀቑ ዘቕረብክዎ ሕቶ መሰረት ነዚ ዘረጋግጽ ተግባራት ተፈጺሙ እዩ ብኣቮዝ ተታሒዞም እውን ዝነበሩ ናጻ ተለቒቖም እዮም. . . ስለዚ እቲ ልኡከ መግንስቲ ነቶም ሓራ ክወጹ ዝኽእሉ ሰባት ሓራ ንምውጻእ ሰናይ ተግባራት ፈጺሙ እዩ . . .

ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤተ ክርስቲያን

ኣብዚ ኣብ ቫቲካን ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ስራሕ ቦታታት ደቂ ኣንስትዮ ኣለዋ። ንኣብነት ምኽትል ኣመሓዳሪ ሃገረ ቫቲካን ጓለ ኣንስተይቲ እያ። መነኮስ እያ። እቲ ኣመሓዳሪ ድማ ዝያዳ ሓፈሻዊ ተራ ኣለዎ። እንተ ኾነ ግን ንሳ እያ ሓላፊት። ኣብ ቤት ምኽሪ ቁጠባ ሽዱሽተ ካርዲናላትን ሽዱሽተ ዓለማውያን ሰባትን ኣለዉ፡ ካብቶም ሽዱሽተ ዓለማውያን ምእመናን እተን ሓምሽተ ደቂ ኣንስትዮ እያተን ብየኔታ ኣብ ዝሽፈን ሓላፍነት ሎሚ ደቂ ኣንስትዮ ኣለዋ። ናይ መናንያንን ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ማሕበራት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊት ኣለዋ። ኣብ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣብቲ ጳጳሳት ኣብ ዝሓርይ ሽማግለ ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ ኣለዋ . . . ምኽንያቱ ደቂ ኣንስትዮ እቲ ክንርድኦ ዘይንኽል ዘረድኣና እያተን ብዛዕባ ኩነታት ፍሉይ ባህረትን ድሌትን ኣለወን ስለዚ ኣብ ንቡር ዕዮ ቤተ ክርስቲያን ክዋስኣ ኣለወን ዝብል እምነት ኣሎኒ . . .

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ቅብኣተ ክህነት ንደቂ ኣንስትዮ ብዝምልከት ንዝቐረበሎም ሕቶ፥ “ኣብዚ ጉዳይ እዚ ቲዮሎጊያዊ ጸገም እምበር ምምሕዳራዊ ጸገም የሎን . . . ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝኾነ ነገር ክገብራ ይኽላ እየን፡ ኣመሓዳሪት እውን ክህልወካ ዝከኣል እዩ። ጸገም የሎን፡ ብናይ ስነ ቲዮሎጊያዊ ኣገልግሎታዊ ኣረኣእያ ግን ክልተ ዝተፈላለዩ ነገራታ እያቶም። ጴጥሮሳዊ መትከል ናይ ስልጣን ስርዓት እዩ። ማርያማዊ መትከል ኣሎ። እዚ ድማ እቲ ዝያዳ ኣገዳሲ ዝኾነ ቤተ ክርስቲያን ጓለ ኣንስተይቲ መርዓት ስለ ዝኾነት እዩ። ቤተ ክርስቲያን ተባእት ኣይኮነትን ኣንስት እያ። ነዚ ንምርዳእ ቲዮሎጊያዊ ምዃን ኣየድልን ቲዮሎጊያ ኣየድልን። ሓይልን ብቕዓት ኣገልግሎት ጓለ ኣንስተይቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን . . . ካብ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ኣገልገልቲ ዝሓየለን ኣገዳስን እዩ . . . ማርያም ካብ ጴጥሮስ ንላዕሊ ኣገዳሲት እያ ምኽንያቱ ቤተ ክርስቲያን ጓለ ኣንስተይቲ እያ። ነዚ ናብ ዕማምነት ወይ ተግባራውነት ከነውርዶ እንተደሊና ግን ንኸስር።

ሲኖዶስን ንጽሕናን

ኣብቲ ዛዕባ ሲኖዳውነት ዝመኸረ ሲኖዶስ ብዛዕባ ኩሉ ነገር ብፍጹም ናጽነት ዘቲና ኢና፡ እዚ ብሓቂ ሰናይ ነገር እዩ። ከምኡ እውን ናይ ፍጻሜ ሰነድ ምስንዳው ተኻኢሉ እዩ። እዚ ድማ ኣብቲ ካልኣይ ክፋል ንዝቕጽል ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2024 ዓ.ም. ክጽናዕ እዩ። . . . ልክዕ ኣብቲ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ መወዳእታ ጉባኤ ዝደለይዎ ናይ ሲኖዶስ ምልምማድ በጺሕና ኣለና ዝብል እምነት ኣሎኒ፡ ምኽንያቱ ምዕራባዊት ቤተ ክርስቲያን ብኣንጻሩ እታ ምብራቓዊት ቤተ ክርስቲያን ዓቂባቶ ዘላ ሲኖዳውነት ሸነኽ ከም ዝሰኣነት ስለ ዝተረድእዎ።

ብዛዕባ ኣርእስቲ ሓደኣዊ ጾታ መጻምድቲ ብዝምልከት ቅዱሰንቶም እንክምልሱ፥ “ኩሉ ሰብ - ኩሉ ክብል እንኮለኹ ህዝቢ ማለተይ እዩ። ቤተ ክርስቲያን ንሰባት ንኹሉ ሰብ ትቕበል፡ ከመይ ምዃንካ እይትሓትትን እያ። ሽዑ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ኩሉ ሰብ ይዓብን ይበስልን . . . ሓቂ እዩ ሎሚ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ምዝራብ ቅዲ ኮይኑ ኣሎ . . . ቤተ ክርስቲያን ንኹሉ ትቕበል ናብኣ ክኣትዋ ዝደልያ ትካላት ክህልዋ እንከለዋ ካልእ ነገር እዩ። እቲ መትከል እምበኣር፥ ቤተ ክርስቲያን ንኹሎም ክጥመቑ ዝኽሉ ትቕበል። ትካላት ከጠምቓ ዝኽእላ ኣይኮናን . . .

ዓመጽ/ግህሰት ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያንን ወጻእን

ፍራንቸስኮ ኣብቲ ቃለ መሕትት ናይ በነዲክቶስ መበል 16 ስራሕ ይቕጽሉ ከም ዘለዉ ኣብሪሆም፥ “ብዙሕ ምጽራይ ተገይሩ እዩ፡ ንኹሉ ናይ ግህሰት ጉዳያት ዝምልከቶም ገለ ገለ እውን ኣብ ኩርያ ሮማና . . . ር.ሊ.ጳ. ራትዚንገር ኣብዚ ብሓቂ ተባዕ እዮም። ነቲ ጸገም ኣብ ኢዶም ሒዞም ብዙሕ ስጉምትታት ወሲዶም እዮም ብፍቓዶም ይኣኽለኒ ቢሎም ካብ ናይ ተኽታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣኖም ምስ ለቐቑ እቲ ናይ ምጽራይ ጉዳይ ክቕጽል ብሕድሪ ኣረኪቦም እዮም። ግህሰት ብሕልና ይኹን ብጾታዊ ዓመጽ ይኹን ካልእ ኩሉ ዓይነት ግህሰት ክጽወር የብሉን። ምስ ወንጌል ዝጻረር እዩ፡ ወንጌል ግህሰት ዘይኮነስ ኣገልግሎት እዩ፡ ብዙሃት ኤጲስቆጶሳት ንጾታዊ ዓመጽ ንምጽናዕ ጽቡቕ ስራሕ ዝሰርሑ ግን ከኣ ነቲ ካልእ [ዓይነታት ግህሰት] እውን ንርኢ። ቤተ ክርስቲያን ኣብ  ቃልሲ ኣንጻር ጾታዊ ዓመጽ ኣብ ትሕቲ ዕድመ ዝምልከትን ብዙሕ እኳ እተሰረሐት “ገና ብዙሕ ክግበር ከም ዘለዎ” ትኣምን።

ኣዚዩ ኣጸጋሚ ህሞት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ኩሉ ዝኸብዶም እንታይ እዩ ዝብል ንዝቐረበሎም ሕቶ፥ “ንውግእ ሶርያ ክጻረሮ ከለኹ ኣጸጋምን ተሪርን ነይሩ ይኸውን . . . እንታይ ክገብር ከም ዝነበረኒ ኣይፈልጥን እየ ነይረ . . . እዚዩ ኣጸጋሚ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገር ፍጹም ለሚደዮ ዝሓልፎ ነገር ድማ ኣይኮነን . . . ኣብ ዝብሎ ከይጋገይን ከይጎድንን ኣፈርህ ነይረ፡ ኣጸጋሚ እዩ ነይሩ። ብዙሕ ካልኦት ጽቡቕን ኣጸጋምን ህሞት ኣሕሊፈ እየ። ጎይታ ግን ንኽፈትሖን ወይ ውን ክዕገስ ወትሩ ሓጊዙኒ እዩ” ይብሉ።

ዘፍርሖም እንታይ እዩ? እቲ ኣብዚ እዋን ኣብ ቅድስቲ መሬት ተባሪዑ ዘሎ ግጭት። እቲ ናይቲ ከባቢ ኩነታት ብኸመይ እዩ መዕለቢ ዝርከብ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ግን ክፍታሕ ዝከኣል እዩ። እዚ ማለት ድማ እቲ ፍርሒ ይጠፍእ ማለት ኣይኮነን ግን ከም ሰብኣዊ መጠን ፍርሒ ክህልወካ ንቡር እዩ።

ኣብ ዱባይ ኣብ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ዛዕባ ለውጢ ከባቢ ኣየር ኣብ ዝዝትይ ዓውደ ኣኼባ

እወ ናብ ዱባይ ክካየድ እየ፡ ኣብቲ ካብ ዕለት 1 – 3 ታሕሳስ ኣብ ዝካየድ ዛዕባ ለውጢ ከባቢ ኣየር ኣብ ዝመክር ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ኣኼባ ንኽርከብ ይዝከረኒ ናብ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ህዝባዊ ባይቶ ንኽበጽሕ ናብ ስትራስበርግ ኣብ ዝኸድክሉ እዋን ኣብቲ እዋን ርእሰ ብሔር ሆላንድ ናይ መንግስቶም ናይ ስነ ምህዳርን ጉዳያት ሚኒስተር ክትቕበለኒ ከም ዝለኻን ንሳ ድማ ኣብቲ ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝካየድ ዛዕባ ከባቢ ኣየር ክሳተፉ ዲኹም’ ቢላ ክትሓትተኒ እዝክር ቅድሚ ናይ ፓሪስ ጉባኤ እተሰናድውዎ ዛዕባ ምህዳር ዝምልከት ምዕዳን ክተቕርብዎ ኣለኩም ቢላ እውን ክትሓትተኒ እዝክር። ኣነ እውን ድሕሪኡ ንገሊኦም ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ጸዊዐ ቀልጢፎን ክዓዩ ድማ ሃደራ በልክዎም፥ ቅድሚ ናይ ፓሪስ ዓውደ ኣኼባ ድማ ‘ስቡሕ ኣንተ’ ዓዋዲት መልክቲ ኣሕቲመ። ድሕሪ ጉባኤ ፓሪስ ኩሉ ሰብ ንድሕሪት ዘብል ዘሎ እዩ ዝመስል። ንቕድሚት ንምስጓም ትብዓት ይሓትት።

እምነት

ቅዱስ ኣቦና እምነትኩም ተቐንጢጡ ይፈልጥ ዶ ዝንብል ሕቶ? እምነት ምጥፋእ ዝብል ትርጉም ዘለዎ ሕቶ እንተድኣ ኮይኑ ብፍጹም እዩ መልሰይ። ኣብ ጸልማት መገድታት ምጉዓዝ ዝብል ትርጉም ማለት ጉይታ ኣበይ ኣሎ ዝብል ሕቶ እተቕርበሉ ተመክሮ ዝምልከት እንተድኣ ኮይኑ ጎይታ ዝተሓብአ ኮይኑ ዝስመዓኒ እዋን ወይ ድማ ካብኡ ርሒቕካ ክነስኻ ጎይታ ኣበይ ኣሎኻ ትብል። በትሪ ስሕበት የብለይን ግን እግዚኣብሔር ሕሹኽ ከም ዝብለካ ይስምዓካ።

ካብ ማራዶናን መሲን፡ ንፐለ እመርጽ

ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ከም ተወላዲ ኣርጀንቲና መጠን ብዛዕባ እግሪ ኵዕሶ ዝምልከት ካብ ማራዶናን መሲን መን ትብሉ ዝንብል ሕቶ ምስ ቀረበሎም፡ ኣነ ሳልሳይ ኣሎኒ ፐለ እመርጽ ኣንክብሉ ብዝሃብዎ መልሲ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ኢጣሊያ ራይ እተሰምየ መደብር ተለቭዥን ኣካል ምስ ዝኾነ መደብር ራይ ኡኖ ክፍሊ ሓበሬታ ዋና ኣሰናዳኢ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ብዛዕባ ዘሎ ተኽእሎ ዓለማዊ ግጭት ብምምልካት፡ ኩናት ክንለማመዶ ከም ዘይብልና ኣተሓሳሲቦም ንግድ ኣጽዋር ብትረት ይነቕፉ።

ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ከም ተወላዲ ኣርጀንቲና መጠን ብዛዕባ እግሪ ኵዕሶ ዝምልከት ካብ ማራዶናን መሲን መን ትብሉ ዝንብል ሕቶ ምስ ቀረበሎም፡ ኣነ ሳልሳይ ኣሎኒ ፐለ እመርጽ ኣንክብሉ ብዝሃብዎ መልሲ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

02 November 2023, 16:26