ድለ

2023.11.06 ር.ሊ.ጳ. ንቤት ምኽሪ ራባይ ኤውሮጳ፥ ዘተ መፍትሕ ሰላም እዩ! 2023.11.06 ር.ሊ.ጳ. ንቤት ምኽሪ ራባይ ኤውሮጳ፥ ዘተ መፍትሕ ሰላም እዩ!  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ንቤት ምኽሪ ራባይ ኤውሮጳ፥ ዘተ መፍትሕ ሰላም እዩ!

ዕለት 6 ሕዳር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ምስ ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ናይ ኣይሁድ እምነት ራባይ ቤት ምኽሪ ልኡካን ተራኺቦም ኣብ ቅድስቲ መሬት ሰላምን ፍትሕን ኣብ ምምጻእ ዘተ ኣይሁድን ክርስቲያንን ዘለዋ ወሳኒ ግደ ኣጉሊሖም ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለም ዳግማይ ዝቀላቐል ዘሎ ጸረ ሴማውነት ድማ ከም ዝኾነኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ኣጽዋር ወይ ግብረ ሽበራን ኲናትን ዘይኮነስ ርህራሄ ፍትሕን ዘተን ንህንጸት ሰላም ዘሰንይ መጋበርያ እዩ” እንክብሉ ቅዱሰንቶም ነቶም ልኡካን ቤት ምኽሪ ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ናይ ኣይሁድ እምነት ራባይ ተቐቢሎም ዘስምዕዎ መደረ ኣበጊሶም፡ ኣብ ቅድስቲ መሬት ሰላም ንኽህሉ ብውዕዉዕ ስምዒት ዘቕረብዎ ምሕጽንታ ደጊሞም፡ ኣብቲ ዘባ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣተኲይሮም ሰላም ክወርድ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒ፥። ነቲ ብጽሑፍ ዘዳለውዎ መደረ ንኹሎም ኣብቲ ርክብ ንዝተረኽቡ ክዕደል ከም ዝገበሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ዕለት 6 ሕዳር ድሕሪ ቐትሪ ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ መገልጺ ኣመላኺቶም፡ ምኽንያቱ ድማ ንኹሎም ኣብቲ ርክብ ንዝተረኽቡ ሓደ ብሓደ ስላም ክብሉ ስለ ዝደለዩ እዩ እንክብሉ ከም ዘብርሁ ኣፍሊጡ።

ስክፍታ ዳግማይ ምልዕዓል ጸረ ሴማውነት

ቅዱስነቶም ብሰንኪ እቲ ኣብ ቅድስቲ መሬት ዝተባርዐ ወግእ ኣብ መላእ ዓለም ዝርአ ዘሎ ጸረ ሴማውነት ሰልፍታት ስክፍታኦም ገሊጾም፡ ነዚ ድማ ብትረት ከም ዝኾነኑን ኣብዚ ናይ ዓመጽን ጥፍኣትን ዘመን “ኣመንቲ ልዑል ሕውነትን ቅድሚ ኩሉን ናይ ዕርቆ መገድታት ክሃንጹ ዝተጸውዑ እያቶም” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ኣመንቲ መስካርያንን ሃነጽትን ዘተ ክኾኑ ይጽውዑ

ኣመትኒ “ናይ ዘተ መሰኻኽር” ክኾኑ ኣለዎም ቢሎም፡ ብርግጽ ሰብኣውነት ብውሽጣዊ ማሕበራዊ ባህርያቱ “ናይ ምዝታይ ብቕዓት ጥራይ ዘለዎ ዘይኮነስ ንባዕሉ ዘተ እዩ” ክምኡ እውን “ነቲ ሰግርነትን ምስቶም ዘሰንዩና ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብዝህልወና ጥራይ ኢና ክንርድኦ እንኽል፥

ንዓና ኣመንቲ ናይ ዘተ መሰኻኽር ክንከውን ክንደይ ኣገዳሲ እዩ!

ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ገዛእ ርእስና ብዝሓሸ መገዲ ንኽንርዳእ ኣይሁዳዊ እምነት

ቅዱስነቶም ነቲ ኣብ መንጎ ኣይሁድ ኣምነትን ክርስትናን ዘሎ ዘተ ብምጥቓስ፡ ምስ ኣይሁድ እምነት ዝግበር ርክብ ብፍላይ ንክርስቲያን ኣድልያ ምዃኑ ገሊጾም ከመይሲ “መበቈልና ኣይሁድ እዩ” ቢሎም፥ “ኣይሁድነት ንገዛእ ርእስና ብዝሓሸ መገዲ ንኽንርዳእ ስለ ዘኽለና የድልየና እዩ - ስለዚ እቲ ዘተ ኣይሁድን ክርስቲያንን ንማሕበራውን ባህላውን ፖለቲካውን ሕቶታት ንምግጣም ነቲ ቲዮሎጊያዊ ስፍሓቱ ህያው ምግባር ኣድላዪ እዩ” ከም ዝበሉን ኣስዒቦም ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብቲ ዕለት 13 ሚያዝያ 1986 ዓ.ም. ሮማ ኣብ ዝርከብ ምኩራብ ዝገበርዎ ታሪኻዊ ምብጻሕ ንኣይሁድ “ከም ቦኽሪ ኣሕዋት” ብዝብል መጸውዕ ዝገለጽሉ ዘስሞዎ መደረ ዘኪሮም፡ ኣይሁድ እምነትን ክርስትናን ካብ ውስጠ ሃይማኖታዊ ዘተ ንላዕሊ ምዃኑ ገሊጾም እዚ ኸኣ “ናይ ስድራ ቤት ዘተ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣይሁድን ክርስቲያንን ኣብ ቅድሚ እቲ ሓደ ኣምላኽ ነንሓድሕዶም ዝተኣሳሰሩ እያቶም

ቅዱስነቶም፥ ኣይሁድን ክርስቲያንን “ኣብ ቅድሚ እቲ ሓደ ኣምላኽ ኣብ ነንሕድሕዶም ዝተኣሳሰሩ ከም ዝኾኑን ኣብቲ ዘካይድዎ ክሌኣዊ ዘተ ንቓሉ ክምስክሩ” ብተግባራቶም ድማ ንሰላሙ ዝተጸውዑ እያቶም” ቢሎም “ጎይታ ታሪኽን ህይወትን ከምኡ ክንገብር ትብዓትን ትዕግስት ይሃበና” እንክብሉ መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

07 November 2023, 15:39