ድለ

2023.11.23 ር.ሊ.ጳ.፥ ክርስቲያን ኣብ ጸልማት ዓመጽን ውግእን ብርሃን 2023.11.23 ር.ሊ.ጳ.፥ ክርስቲያን ኣብ ጸልማት ዓመጽን ውግእን ብርሃን   (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ.፥ ክርስቲያን ኣብ ጸልማት ዓመጽን ውግእን ብርሃን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍንራቸስኮ ዕለት 23 ሕዳር ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ንማሕበረሰብ ሕውነት ሩመናውያን ኣብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተቐቢሎም፥ “ክርስቲያን፥ ኣብ ጸልማት ናይታ ብግርጭታት እትልለይ ዓለም ኩሉ ዝጠፍአ ኣብ ዝመስለሉ ቦታን እዋንን ክበርህ ዝተጸውዐ እዩ - እዚ ብኣስተንፍሶ ወንጌል ዝነቓቓሕ ተግባር እዩ” ዝብል ሓሳብ ዘስመሩሉ ቃለ ምዕዳን ለጊሶም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብ ኢጣሊያ ዞባ ኣረዞ ንዝርከቡ  500 ኣባላት ማሕበር ሕውነት ሩመናውያን ተቐቢሎም፥ ሎሚ ብዓመጽን ግጭትን ንእትልለይ ዓለም፡ ሕውነትን ሰላምን ማሕበራዊ ምሕዝነትን የድልያ። ምቕባል ኣጋይሽ እንግዶትን፡ ሓልዮትን ሕውነትን፡ ብርሃን ወንጌል ንጸልማት ሕይወት ክጽረግን ኣብ ሓደጋ ንኸይውደቕ ዘኽእሉ ሰለስተ ተመክሮታት ምዃኖም ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ነጻ ፍቕሪ - ሞሳ

ብመንፈስ ወንጌል . . .  "ዝኾነ ሰብ ኣብ ገዝኡ ከም ዘሎ ኮይኑ እዩ ዝስምዖ"፦ ናይ እግዚኣብሄር ነጻ ፍቕሪ"፡ ዘረጋግጽ ስለ ዝኾነ፡ እዚ ፍቕሪ እዚ “ቅድመ ኩነታት ኣየቐምጥን ኣብ መንኵብና ጾር ኣየንብርን እዩ፡ እንታይ ደኣ ሓንጎፋይ ቢሉ ዝቕበልን ብናጽነት ድማ ዘፍቅረናን እዩ። ነዚ መንፈስ እዚ ፈጺምኩም ኣይተረስዕዎ፣ ብሓቂ፣ ኩሉ ግዜ ነዚ ቅዲ እንገዳን ምቕባልን ንምንቕቓሕ ዝግበር ዕዮ ከይተቋርጹ፣ ምንጪ ናጽነት እዩ፣ እዚ ድማ ነቲ ኣምላኽ ንነፍሲ ​​ወከፍ ፍጡር ዘለዎ ደረት ኣልቦን ነጻን ፍቕሪ ዝገልጽ እዩ።

ብሓባር ከመይ ጌርካ ከም እትበኪ ምፍላጥ

ርህራሄ ኢየሱስ፣ ምስቶም ዝነብዑ ዝነብዕን ቁስሊ ዝፍውስን ኣብዚ ዘሳትፍን ነቲ ብሕውነታዊ ማሕበር ዝወሃብ ኣገልግሎት የነቓቕሕ፣ እዚ ድማ ነቶም መዓት ምጥፋእ ደቃቶም ዝሳቐዩ ወለዲ ኣብ መንገዲ ዝቕበልን ዝስዕብን እዩ። : "ዘይተኣደነ ቃንዛ፡ ዘይጸናናዕ መሪር ሓዘን፡ ብባዶ ቃላትን ላዕለዋይ መልስታትን ፈጺሙ ኣንኢስካ ክርአ የብሉን"። “ብሓባር ክንበኪ ምፍላጥ ወሳኒ እዩ ብጭቡጥ ኣብ ሓባራዊ ኩነታት ምንባር . . . ብሓቂ እዚ ሕውነታዊ ማሕበር እዚ ኣብ እዋን ጥሜትን ቅልውላውን እዩ ቆይሙ፡ ኣብ ጸልማት ናይቲ ታሪኻዊ ህሞት ንእሽቶ ብርሃን ክኸውን መታን።” ክርስትያን ምዃን ማለት ነቶም ዝተጎድኡን ነቶም ዝሳቐዩን ምሕብሓብ: ኣብቲ ኩሉ ጸልማት ኣብ ዝመስለሉ እዋንን ቦታታን ብርሃን ምውላዕ ማለት እዩ።

ሕልሚ ሕውነታዊ ዓለም

ሕመረት ኣነባብራ ሩመናውያን ሕውነት እዩ፡ "ብሓባር ምዃን ብጽቡቕ ትኹስኩሰሉን ኣብ ገጽ ነፍሲ ​​ወከፍ ሰብ ከተፍቅሮ ሓው ክትረኽበሉን እትኽእለሉ ቦታ" እዩ። እዚ ነቢያዊ መልክዕ ማሕበርኩም እዚ . . . ሕልሚ ሕውነታውን ደጋፊትን ዓለም ንቕድሚት ዘሰጉም፤ ዘራእቲ ሰላምን ማሕበራዊ ዕርክነትን ክትኮኑ ይድርኸኩም። ሕጂ እውን ብዓመጽን ግጭትን ኣብ እትልለ ናይ ሎሚ ዓለም ኣዝዩ ዘድልያ ክቡር ዋጋ እዩ።

ሕሜታ ተላባዒ ሕማም እዩ

ማሕበራዊ ዕርክነት ግን በቲ ተላባዒ ሕማም ብዝኾነ ግብረ ሕሜታ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ከምዘሎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ኣጠንቂቖም። ማሕበራዊ ሕውነትን ንሕሜታ ፍቱን መድሃኒት እዩ . . . ጽቡቕ ውጽኢት ክህልዎ መታን ድማ ክትሓሚ ምስ እትደሊ  መልሓስካ ምንካስ። ምኽንያቱ ሓደ ሰብ ክሓሚ ድሌት ምስ ዝስምዖ መልሓሱ ይነክስ መልሓሱ ይሓብጥ ድሕሪኡ ኣይክሓምን እውን እዩ

ኣቀባብላ ኣጋይሽ ተለማመድ

ፍራንቸስኮ ነቲ ሕውነታዊ ማሕበር "እቲ ዝነብርዎ ሕውነታዊ ኣቀባብላ መንፈስ ክቕጽልሉ፡ ሰባት ርእሶም ዘዕርፉሉን ኩሉ ሰብ ብእግዚኣብሔር ከም ዝፍቶን ኣካል ናይ ሓደ ኵላዊ ሕውነትን ምዃኑ ዝስምዖም ቦታ ከቕርብ፡ እቲ ኣቦ ብኢየሱስ ኣቢሉ ዝጸንበሎን ምስ ኢየሱስ ኮይና ብመንፈስ ቅዱስን ሓቢርና ክንሃንጾ ይሓትተና”።

ሕውነት ማሕበረሰብ ሩመናዊ፡ ኣብቲ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ናቱ፡ "ንገለ መዓልታት ብሓባር ክነብሩ ዝሓትቱ ውልቀሰባት ወይ መጻምድቲ ብተራን ፈጠራን ስራሕን፡ ጸሎት፡ ህሞታት ስቕታ ንኽነብሩ ዝብል ኣገልግሎት ብሓጎስ ንምቕራብ ዝቕበል እዩ” ዝብል ጠቒሶም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

23 November 2023, 15:45