ድለ

ር. ሊ. ጳ.፦ “ኣብ ህይወት ቅዱሳን ኣብነት ንረክብ ኢና፣ ኣብ ጸሎቶም ከአ ሓገዝ ንረክብ”

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሎሚ ረቡዕ አብ ጸሎት መልአከ እግዚአብሔር፣ ንክብረ-በዓል ኩሎም ቅዱሳን አመኪቶም አብ ዘስምዕዎ አስተንትኖ ቃል አምላኽ፤ ብዛዕባ ክልተ ገጸ ባህርያት ቅድስና ከም ውህበትን ጕዕዞን ምዃኑ አስተንቲኖም። ኩሎም ቅዱሳን ድማ አብዚ ጉዕዞ ዘሰንዩና ዓበይቲ አሕዋትናን አሓትናን ምዃኖም ገሊጾም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሎሚ ሮቡዕ ዕለት 01 ሕዳር ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ፣ ነቶም ንጸሎት መልአከ እግዚአብሔር አብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተአኪቦም ዝነበሩ ምእመናን ናይ ዕለቱ ክብረ በዓል ኩሎም ቅዱሳን አመኪቶም አስተንትኖ ቃል አምላኽ አስሚዖም።

አብቲ ዝለገስዎ አስተንትኖ ቃል አምላኽ ቅዱስ አቦና፣ ቅዱሳን ካባና ዝተፈልዩ ልዑላት ጀጋኑ ዘይኮኑስ ልክዕ ከማና ነቲ ውህበት ቅድስና ተቐቢሎም አብ ግብሪ ዘውዓሉ ንዓና ዝመስሉ አሕዋትና አሓትናን ምኹኖም ገሊጾም።

ክቡራትን ክቡራንን ሰማዕትና ምሉእ ትሕዝቶ ስብከት ቅዱስነቶም ካብዚ ብምቕጻል ነቕርበልኩም፦

 

ፍቑራት ኣሕዋትን ኣሓትን ከመይ ሓዲርኩም!

ሎሚ ክብረ-በዓል ኵሎም ቅዱሳን ነኽብር አሎና። ብምኽንያት እዚ በዓል እዚ እምበአር ንሒደት ደቓይቕ ብዛዕባ ቅድስና ከነስተንትን፣ ብፍላይ ከኣ ኣብተን ክልተ ገጸ-ባህርያት ቅድስና ከነተኵር ኢና፦ ቅድስና ህያብ ምዃኑን ልክዕ ከማኡ ድማ መንገዲ ምኹኑን ክርኢ ኢና ።

ቅድሚ ኩሉ ቅድስና ውህበት እዩ ። ቅድስና ኻብ ኣምላኽ እተቐበልናዮ ውህበት እዩ ፣ ነዚ ውህበት እዚ ክነዕብዮ እንተ ደአ ክኢልና፣ ንህይወትና ብሓጐስ ናይ ወንጌል ብምብራህ ምሉእ ብምሉእ ኪቕይሮ ይኽእል እዩ (cf. ሓዋርያዊ ምዕዳን - ተፈስሑ ወተሃሰዩ፡ 15)። ስለዚ ቅዱሳን አብ ደረጅኦም ክንበጽሖም ዘይንኽል ወይ ውን ካባና ዝረሓቑ ጀጋኑ ዘይኮኑ፣ የግዳስ ንዓና ዝመስሉ ከም ናትና ዓይነት መበገሲ ህይወት ዘለዎም ኣዕሩኽና ኢዮም ። ብሓቂ ድማ በዚ ኸምዚ እንተ ደአ ሓሲብናዮ፣ ምስ ገለ ካብቶም ቅዱሳን ተራኺና ኢና፣ እኳ ደአ ገለ ካብ ቅዱሳን "ጐረባብትና" ኢዮም፣ እዚኣቶም እቶም ሕያዎት ሰባት ብሓገዝ ኣምላኽ ምስቲ እተዋህቦም ጸጋ ተሰማሚዖም ብምንባር ንመዓልቲ ህይውቶም ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ክቕየሩ ዝፈቕዱ ለጋሳት ሰባት ኢዮም። ስለዚ ቅድስና ንዅሎም ሰባት ሕጉስ ህይወት ንኺረኽቡ እተዋህቦም ውህበት እዩ ። ከመይሲ ህያብ ምስ ተቐበልና ፈለማ እንታይ ኢና እንገብር ? ሓደ ሰብ ስለ ዜፍቅረና ንሕጐስ ኢና፣ ስለዚ ብፁዓን ኢና፣ ከምቲ ኢየሱስ አብ ናይ ሎሚ ወንጌል “ብዓንቀጽ ብፁዓን” (ማቴ. 5፡1-12) አቢሉ ደጋጊሙ "ብፁዓን" ከም ዝብለና ኢዩ።

ይኹን እምበር ኵሉ ውህበት ተቐባልነት ኪረክብ ኣለዎ ፣ ምላሽ ናይ ምሃብ ሓላፍነትን ምእንቲ እቲ ዝተቐበልካዮ ውህበት ኸይባኽን ከኣ ገዛእ ርእስኻ ንተጸምዶ ዝሓትት ዕድመን ኣለዎ ። ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኵሎም ዝተጠምቁ ዘበሉ "ነቲ እተቐበልዎ ቕድስና ኣጽኒዖም ኪሕዝዎን ኣብ ህይወቶም ፍጻሜ ክረክብን" ተመሳሳሊ ጻውዒት ከም እተቐበሉ የዘኻኽረና። ስለዚ ኸኣ ኢና ቕድስና ምስቶም ቅዱሳን ዝዀኑ ዕዉታት ብጾትና ቅዱስን ብምሕባር እንገብሮ ጕዕዞ ዝዀነ ።

ቅዱሳን ወትሩ ክንዝክሮም እንኽእል ሽማግለታትን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኢዮም - አብአቶም ክንወከል ንኽእል ኢና፣ ንሳቶም ይድግፉናን ከምኡ ውን ኣብ ጕዕዞና ግጉይ ኣንፈት ክንሕዝ እንከሎና ብጽሞና ዝመልኦ ህልውናኦም ካብ ምእራምናን ምምላስናን አይደኽሙን ኢዮም ፣ ክንኣምኖም እንኽእል ቅኑዓት ኣዕሩኽና ኢዮም፣ ከመይ ንሳቶም ጽቡቅና ዝምነዩ ኢዮም፣ ኣጻብዖም ናባና አየወጣውጡን ኢዮም፣ ከቶ እውን ኣይከድዑናን ኢዮም ። ኣብ ህይወቶም ኣብነት ዝኾነና ንረክብ ኢና፣ ብጸሎቶም ከአ ሓገዝ ንረክብ፣ ከምኡ ከአ ምስአታቶም ሕብረት ምስ ዝህልወና ከኣ ከምቲ መጽሓፈ ቅዳሴና ዝበሎ ምስአቶም ኣብ ማእሰር ሕውነታዊ ፍቕሪ ኢና እንኣቱ (ሮማን ሚሳል፡ መቅድም ናይ ቅዱሳን 1)። ምሳታቶም ኴንና ብዅሉ ቛንቋታትን ካብ ኩሉ መበቈልን ብዝኾኑ ሰብኡትን ኣንስትን ዝቘመት ዓባይ ስድራ ቤት ንምስርት ፣ ንሳ ድማ ቤተክርስትያን ኢያ፣  እዛ ስድራ እዚአ ካብ ሓደ መበቈል ዝኾነትን ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓድነት ዘለዋን ኢያ ፣ ንሳቶም ምስ አምላኽ ምሉእ ብምሉእ ብምርኻብ አብ ገነት ይርከቡ አለዉ፣ ድሮ ውን አባኡ በጺሖም ይርከቡ ፣ ንሕና ድማ ኣብ መገዲ ኢና ዘለና ።

ቅድስና ውህበትን ጕዕዞን እዩ ። ስለዚ ንርእስና ኸምዚ ኢልና ኽንሓትት ንኽእል ኢና - እቲ ንኽንቕድስ ኢሉ ዝጽውዓንን ኣብኡ ንኽበጽሕ ዝሕግዘናን ውህበት መንፈስ ቅዱስ ክንቅበል ፍቓደኛትት ዲና ? ስለዚ ውህበት እዚ ኸ ነመስግን ዲና ? ቅዱሳን ኩሎም ቀረባና ምዃኖም ይስምዓና ድዩ ? ታሪኽ ናይ ገለ ቅዱሳን እፈልጥ ድየ ? ህይወት ቅዱሳን ክንፈልጥን ብኣብነቶም ክንድረኽን ሰናይ እዩ ። ናብኦም ምጽላየይ እውን ብዙሕ እዩ ዚጠቕመና ።

እታ ንግስቲ ዅሎም ቅዱሳን ዝዀነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም በቲ እተቐበልናዮ ህያብ ምእንቲ ክንሕጐስ ትሓግዘና ከምኡ ውን ነቲ ናይ ዘለኣለም ቦታና ዘሎና ባህጊ ተዕብየልና ።  እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።

01 November 2023, 15:44