ድለ

ናይ ወርሒ ሕዳር ሓሳብ ጸሎት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፦ ምእንቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳስት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኵሎም ምእመናን ምእንቲ ቅዱስነቶም ጐይታ ንክባርኾም ክጽልዩሎም ብምሕታት ናይ ወርሒ ሕዳር ሓሳብ ጸሎት አመሓላሊፎም ።

ዜና ቫቲካን

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝመጽእ ወርሒ ሕዳር ክካየድ ዘለዎ ሓሳብ ጸሎት በቲ "ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቪድዮ" ዘርእስቱ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ኵሎም ምእመናን ምእንቲ ቅዱስነቶም  "ጐይታ ምእንቲ ክባርኾም ክጽልዩሎም" ምሕጽንታ አቕሪቦም፣ ከምዚ ድማ በሉ - "ጸሎትኩም ሓይሊ ይህበኒ ኢዩ፣ ከምኡ ውን አብ መሪሕነት ቤተ-ክርስትያን ብምስትዋአል ንነገራት ንኽመምን ንመንፈስ ቅዱስ ጽን ብምባል ንኸሰንየኩም ድማ ይሕግዘኒ ኢዩ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ሰብ ጽቡቕ ፍቓድ ንዝኾኑ ኵሎም ሰብኡትን ኣንስትን ብዛዕባ ሓደ ጕዳይ ምስ ቅዱስነቶም ብምዃን ንኽጽልዩ ብምዕዳም ፍሉይ ናይ ጸሎት ሓሳብ የቕርቡ ኢዮም ። ኣብ ዝሓለፉ ቀረባ እዋናት ዝነበሩ ሓሳባት ጸሎት ምእንቲ ሲኖዶስን፣ ምእንቲ እቶም ዝተገለሉ ሰባትን፣ ከምኡውን ምእንቲ ዓለም ለኻዊ ቅነ መንእሰያት ዘጠቓልል ምንባሩ ዝዝከር ኢዩ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብዛ ናይ ሕጂ ወርሒ ሕዳር አብ ዘመሓላልፍዎ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ከምዚ ብምባል ምሕጽንታኦም አቕረቡ - "ሓደ ሰብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብምዃኑ ነቲ ሰብአውነቱ የጥፍእ ማለት ኣይኰነን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ሰብኣውነተይ በብመዓልቱ ምስቶም ቅዱሳትን ምእመናን ህዝቢ ኣምላኽን ይዓቢ ኣሎ።"

ወሲኾም ድማ "ጳጳስ ምዃን ብዓንዲ ርእሱ መስርሕ እዩ ። ንሱ ጓሳ ምዃኑ እንታይ ማለት ከም ምዃኑ እና ተረድአ ኢዩ ዝኸይድ። ኣብዚ መስርሕ እዚ ኸኣ ብኸመይ ዝያዳ ለጋስን ዝያዳ ይቕረ በሃልን ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ከምቲ ኣዝዩ ዕጉስ ዝዀነ  ኣምላኽ ኣቦና ዝያዳ ዕጉስ ክኸውን ከም ዘለዎ ይመሃር።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ምዃኖም 'ብብርቱዕ ከም ዚፍረዱን' ኣምላኽ ብዛዕባ ሂብዎም ዘሎ ኣገልግሎት "ብኸቢድ ከም ዝሕተቱሉን" ብምርዳእ፣ ንምእማናን ሰማዕቶም "ብርሕራሔ ክፍረዱን " ኸምኡውን "ከም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መጠን - አነ ዝኾንኩ ሰብ ይኹን ሕጂ ተራይ ክንዲ ዝኾነ - ረድኤት መንፈስ ቅዱስ ምእንትን ክቕበል ጽልዩለይ " ክብሉ ተማሕጺኖም ።

ቅዱስነቶም ብፍላይ ከኣ "ተልእኾኦም ክፍጽሙ ምእንቲ ክኽእሉን ነተን ብኢየሱስ ሕድሪ እተዋህቦም መጓሰ ወትሩ ብሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ብእምነት ምእንቲ ከሰንይዎምን " ምእንቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምእመና አብዚ ወርሒ እዚ ከም ሓሳብ ጸሎት ሒዞም ክጽልዩሎም ሓቲቶም አለዉ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዓሰርተ ዓመት ይገብር ነታ ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ እተመርጸላ ምሸት ምእንቲ ቅዱስነቶም "ብስቕታ" ከም ዝተጸለየሎም ብምዝካር፣ አብ መደምደምታ "ምእንታይ ከም ፍታውኩም ጸልዩለይ!" ክብሉ ምፍጽንታኦም አቕረቡ።

01 November 2023, 15:39