ድለ

2023.11.03 Celebrazione eucaristica in suffragio di Benedetto XVI e di Cardinali e Vescovi defunti nel corso dell'anno 2023.11.03 Celebrazione eucaristica in suffragio di Benedetto XVI e di Cardinali e Vescovi defunti nel corso dell'anno  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር. ሊ. ጳ. ምእንቲ ነፍሲ በነዲክት መበል 16ን ዝሓለፈ ዓመት ምእንቲ ዝሞቱ ጳጳስትን ጸልዮም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሎሚ ዓርቢ ዕለት 03 ሕዳር ምእንቲ ር.ሊ.ጳ. በነዲክት መበል 16ን ከምኡውን ነቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝሓለፉ ካርዲናላትን ጳጳሳትን መሥዋእተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ዕለተ ዝኽሪ ዅሎም ነፍሳተ ሙታን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምእንቲ ነፍሲ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16ን ከምኡውን ነቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝሞቱ ልዕሊ 150 ዝኮኑ ካርዲናላትን ሊቀ-ጳጳሳትን ጳጳሳትን ኣብ ብዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ።

ቅዱስነቶም ኣብቲ ቅዳሴ አብ ዘስምዕዎ ስብከት ቃል አምላኽ ነቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ር.ሊ.ጳ. ብምዝካር "እምነት ብቐዳምነት ክትርድኦ ጥራይ ዘሎካ ሓሳብ ወይ ክትስዕቦ ዘሎካ ስነ-ምግባራዊ ስርዓት ጥራይ ዘይኰነትስ ሓደ ክትራኸቦ ዘሎካ አካል ኢዩ" ዝብል ትምህርቲ አመሓላለፉ ። እዚ አካል እዚ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ፣ ትርግታ ልቡ ፍቕራና ዝኾነ ፣ ኣዒንቱ ድማ ንመከራናን ስቓይናን ብድንጋጼ ዝጥምታ አካል ኢዩ ።"

ርሕራሔ ኢየሱስ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነታ ሓደ ወዳ ዝሞታ መበለት በዓልቲ ናይን አብ መንገዲ ምስ ተጓነፋ ዘርኣያ ርሕራሔ ወንጌላውያን ገሊጾምልና ንረኽቦም ። ጐይታ ነታ ብሞት ሓደ ወዳ ሓዚና ዝነበረት ኣደ፣ ንወዳ ናብ ህይወት ብምምላስ ርሕራሐኡ ገለጸላ - "ነቲ መንእሰይ ካብ ሞተ ምትንሳእን እቲ ንሞት ዜሰንፍ ውህበት ህይወትን ምንጩ ካብ ርሕራሔ ናይ ጐይታ፣ ማለት በቲ ምኽንያት ስቓይና ዝኾነ ሞት ዝሓዝን ጐይታ ምዃኑ ኢዩ።"

ቅዱስ አቦና አብ አስተንትኖኦም ርሕራሐ ኢየሱስ ጭቡጥ ሓቂ ምዃኑ እንክገልጹ፣ እዚ ድማ ልክዕ ከምቲ ኣብ ወንጌል ተጻሒፉ ዘሎ በታ መበለት አቢሉ ንኹሎም እቶም ዝሳቐዩን ዝሓዝኑን ከም ዝበጽሖም አመልከቱ ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ንንብዓትናን ሓዘንናን ካባና ምእንቲ ኼርሕቖ ኢሉ ናቱ ገብሮ" እንክብሉ መስከሩ።

ትሕትና እታ ናብ ሰማይ እትመርሕ መገዲ

አስዒቦም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ዘኽታማትን መበለትን ብገዛእ ርእሶም ዘይኰነስ ብጐይታ ብምትእምማኖም ሓቀኛታት 'ትሑታት'” ምዃኖም ብምግላጽ ብዛዕባ ትሕትና አስተንተኑ ። እቶም ትሑታት ሰባት "ነታ ንጐይታ ኣዝያ እተሐጕሶ ናብ ሰማይ እትወስድ መገዲ ትሕትና ንኹልና ይገልጸልና" በሉ።

ቅዱስ አቦና ስለዚ ይብሉ "ኣምላኽ ትሕትና ይፈቱ እዩ፣ ከመይሲ ንሱ ንባዕሉ ትሑት እዩ እሞ፣ ትሕትና ድማ ምሳና ርክብ ንኽህልዎ እትገብር መንገዲ ኢያ" በሉ።

ትሑታት ኣገልገልቲ ኪዀኑ እተጸውዑ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዕብ ኣቢሎም ኸምዚ በሉ - "ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ ድሕሪ ምርጫኦም 'ኣብ ግራት ኣታኽልቲ ወይኒ ጐይታ ትሑት አገልጋሊ' እንክብሉ ገዛእ ርእሶም ዝጸውዕሉ ናይ መጀመርታ ቓላቶም ክዝክር እደሊ።" "ክርስትያን ምእመናን ብፍላይ ከኣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ካርዲናላትን ከምኡውን ጳጳሳት ትሑታት አገልገልቲ ክዀኑ ኢዮም ዝተጸውዑ ።”

ቅዱስነቶም አብ መደምደምታ ንኣምላኽ "ርሕሩሕ ቈላሕታን ትሑት ልብን ክህበና ...” ክንልምኖ ብምትብባዕ፣ ቀጺሎም  ከመይሲ ይብሉ ቅዱስ አቦና “ጐይታ ኣብ መገዲ ርሕራሐን ትሕትናን ኢዩ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሞት ዝተዓወተ ህይወቱ ዝህበና" በሉ።

አብ መወዳእታ ንምእመናን "ምእንቲ እቶም ፍቑራት ኣሕዋትና ጸልዩ" ክብሉ ዓደምዎም፣ ኣስዕብ ኣቢሎም ውን "ኣብ አምላኽ ዘለኣለማዊ ሰላም ይርከቡ!” ክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ ።

03 November 2023, 16:56