ድለ

ር. ሊ. ጳ.፦ ሃብቲ ግብረ-ሰናይ ንለግስ፣ እንጌራና ነካፍል፣ ፍቕርና ነኻዕብት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ሰንብት ዕለት 19 ሕዳር ኣብቲ ንዝኽሪ መዓልቲ ድኻታት ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ መሪሖም ። ብዛዕባ’ቲ ምእንቲ ኼሀብትመና ቢሉ ዝደኸየ' ኢየሱስ ዝገበሮ ጕዕዞን፣ ብዛዕባ’ቲ ሃብቲ ግብረ-ሰናይ ክንልግስን እንጌራና ኸነካፍልን ንፍቕርና ድማ ከነኻዕብትን እተጸዋዕናሉ ጕዕዞ ህይወትና አስተምሂሮም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ አብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ንመዓልቲ ድኻታት ብምዝካር ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ አብ ዘስምዕዎ ስብከት ቃል አምላኽ፣ አብቲ ብዛዕባ ምስላ ምክሊት ዝዛረብ ክፍሊ ቅዱስ ወንጌል፣ ናይ ዕለቱ ንባብ ተመርኲሶም አብ ክልተ መዳያት ልግስን ግብረ ሰናይን ዘተኰረ ስብከት ቃል አምላኽ አካፊሎም። በዚ ኸምዚ ድማ ጕዕዞ ኢየሱስ ጕዕዞ ሕይወትና ምዃኑ አስተንቲኖም።

ከከም ክእለት ነፍሲ ወከፍ ዝተዋህበ ምክሊት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ነቲ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብሥጋዌኡን፡ ትንሣኤኡን ከምኡውን በቲ ናብ ሰማይ ብምዕራጉ ንዝገበሮ ጕዕዞ እንከስተንትኑ ቅዱስነቶም፣ ኢየሱስ “ሃብቲ ጸጋኡ” ገዲፉልና ኢዩ ኸይዱ ድሕሪ ቢሎም፣ ነቲ ንሱ ዝገደፈልና ሠናይ ምክሊት እንክዝክሩ ቅዱስ አቦና ምስጢረ ሥጋኡን ደሙን፣ ነቲ ህይወት ዝህብ ቃሉን፡ ነታ አዴና ክትከውን ዝሃበና አዲኡን ከምኡ ውን ውህበት መንፈስ ቅዱስን ገዲፉልና ከም ዝኸደ ዘከሩ። አስዒቦም ድማ ቅዱስ አቦና፣ ኢየሱስ ነቲ አብ ምድሪ ዝነበሮ ተልእኾ ክንቅጽል “በቲ አብ መዓልታዊ ህይወትናን አብ ሕብረተሰብናን ከምኡ ውን አብ ቤተክርስቲያን ክንፍጽሞ ሕድሪ ዝሃበና ግላዊ ተልእኾና” ምእንቲ ክንቅጽል ነዚ ህያባት እዚ ወይ “ምክሊት” ብኸመይ ከም ናጻ ህያብ ከም ዘቕረበልና ገለጹ።

"ከም ብሓድሽ ናብቲ ኻብ ኢድ ኣቦ ንኹሉ እተቐበለ እሞ፣ ነዚ ክቡር መዝገብ እዚ ድማ ንርእሱ ጥራይ ዘይዓቀቦ ናብ ኢየሱስ ደጊምና ንጠምት ።. . . ኢየሱስ ምእንታና እዩ ዚነብር ነይሩ ። ቅድሚ ናብ አቦ ምምላሱ ዕላማ ናይቲ አብዚ ምድሪ እዚ ዝገብሮ ጕዕዞ ድማ እዚ ኢዪ ነይሩ ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እቲ ኢየሱስ ዝገብሮ ጕዕዞ ክሳብ አብ መወዳእታ ብኽብሪ ዝምለስ ማለት  "ንጸብጻባት ናይ ታሪኽ ንምድምዳምን፣ ናብ ሓጐስ ዘለኣለማዊ ህይወት ክወስደና ክሳብ ዝመጽእ" ዝቕጽል ምዃኑ ኣዘኻኸሩ ። ስለዚ ኸኣ "ጐይታ ምስ ተመልሰ በየናይ ኵነታት እዩ ኺረኽበና?" ኢልና ንርእስና ኽንሓትት አገዳሲ ኢዩ ።

ንህይወትና ከም መስዋእቲ ፍቕሪ ምውፋይ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንጕዕዞ ህይወትና ኽንርእዮ ኸለና በየናይ መገዲ ኸም እንጐዓዝ ዘለና ምለት በታ ናይ ኢየሱስ ጐዳና ዝነበረት "ህይወትካ ናይ ምውፋይ መንገዲ” ዶ ወይስ ብመገዲ ስስዐ ከይከውን ገዛእ ርእስና ኽንሓትት ከም ዘሎና አመልከቱ ። መገዲ ኢየሱስ ነቲ እተቐበልናዮ "ምክሊት" ማለት ነቲ ክርስቶስ ናብ ኣቦ ኽንምለስ ከሎ ዝሓደገልና ውህበት ጐይታ ምጥቃም ዝሓትት ኢዩ ።

"ምስዞም ውህበታት እዚኣቶም ከአ ነቲ ደቂ ኣምላኽ ዝዀንናሉ መንፈሱ ሂቡና እዩ፣ ሳላእዚ መንፈስ እዚ ኸኣ ንህይወትና ንወንጌል ኣብ ምምስካርን ንምስፋሕ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምዕያይን ከነወፍዮ አኽኢሉና ኢዩ ። እታ ክንእቅባ እተዋህበትና ዓባይ "ኸተማ" ፍቕሪ ጐይታ ኢያ፣ መሰረት ህይወትናን ምንጪ ብርታዐናን ከአ ኢያ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አብ ስብከቶም ወላ እኳ ብዛዕባ ገዛዕ ርስና እና ሓሰብና ዘይግደሳትን ተጸምዶ ዘይብሎምን እንተ ኾንና፣ ንሕና ተጸዊዕና ዘሎና “ነቲ ዝተዋህበና ሃብቲ ክንረብሓሉን ከነኻዕብቶን፣ ከምኡ ውን ንህይወትና ምእንቲ መጥቕሚ ካልኦት ከም ናይ ፍቕሪ መሥዋዕቲ ከነወፍያ” ኢና ክብሉ አስተምሃሩ።

"ንሕና ካብ ጐይታ ውህበት ፍቕሩ ተቐቢልና ኢና፣ አብ ርእሲ እዚ ንሕና ውን ብወገንና ንኻልኦት ውህበት ክንከውን ተጸዊዕና ኣለና። እታ ኢየሱስ ንዓና ዝሓልየላ ዝነበረ ፍቕሪ፡ ፈውሲ ምሕረቱ እታ ንቝስልና ዝዘነነላ ርሕራሔኡ፡ እቲ ንልብና ብሓጐስን ብተስፋን ዝመልአሉ ሃልሃልታ መንፈስ ኢዩ ዝነበረ ። እዚ ዅሉ ንርእስና ጥራይ ክንዕቅቦ ዘይንኽእል መዝገብ እዩ" በሉ ቅዱስነቶም አስተምሃሩ ።

እንጌራ ኣካፍልን ፍቕርኻ አኻዕብትን

ቅዱስ አቦና ፍራንቸስኮስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ብዙሕ ስቓይን፣ ነቲ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ድኽነት ዘስዓቦ ብልሽውናን ብምዝካር "እቲ ተረሲዑ ዘሎ ናይ ስቓይ አውያት ድኻታት በቶም ዘይግድሶምን ብኹነታት ዝናወጹ ዘለው ሕብረተስብ   አይስማዕን ኢዩ ዘሎ" ቢሎም ብምዝካር ቅዱስነቶም እዚ ናይ ሎሚ ወንጌል ብኸመይ ብሓያል ድምጺ ብንጹር ከም ዝዛረበና ዘሎ እንከስተንትኑ፣ "ሃብቲ ግብረ-ሰናይ ከነወፊ፣ እንጌራና ኸነካፍል ከምኡውን ፍቕርና ከነኻዕብት" ከም ዘሎና ገለጹ ። ንዅሎም እቶም እተጨቈኑ ዝደኸሙ ወይ እተገለሉ ግዳያት ውግእ ስደተኛታት ጥሙያት ሽቕለት- አልባ ዝኾኑ ከምኡ ውን ተስፋ ዝቝረጹ ኩሎም ክንዝክሮምን ክንሕግዞምን ጻውዒት አቕሪቦም ።

"ብዛዕባ እቶም ኣብ ማእከልና ዘለዉ ኣዝዮም ብዙሓት ዝኾኑ ድኻታት ክንሓስብ ከለና መልእኽቲ ናይዛ ሎሚ ዘንበብናያ ወንጌል ንጹር ኢዩ - ሃብቲ ጐይታ ኣይንቕበር! ሃብቲ ግብረ-ሰነባይ ነወፊ፡ እንጌራና ነካፍል፡ ፍቕርና ድማ ነኻዕብት!" ኢዩ ዝብለና ዘሎ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጺሎም አብ አስተንትንትኖኦም ጐይታ ምስ ተመልሰ "ክጸባጸበና ኢዩ" ከምኡውን ነቲ እተዋህበና ህያባት ንኻልኦት ኣብ ምክፍላን ኣብ ምግልጋልን ብኸመይ ከም እንጥቀመሉ ክሓተና ኢዩ ክብሉ አዘኻኸሩ ።

"ነፍሲ ወከፍና ከምቲ እተቐበልናዮ ውህበትን ከምቲ እተዋህበና ተልእኾን "ብልግሲ ምእንቲ ከነፍሪ" ናብ ድኻታት ቀሪብና ምእንትን ክንክእል ንጸሊ። ከምኡ ውን ኣብ መወዳእታ ጕዕዞና ንክርስቶስ ኣብቶም አምልሳሉ ዝኾኑ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ሓንጐፋይ ኢልና ብምቕባልና "ኣታ ሕያዋይ  እሙን ባርያ ... ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ" ክብለና ንጸሊ፣”  ብምባል ስብከቶም ዛዚሞም።

መዓልቲ ድኻታት 2023
20 November 2023, 17:40