ድለ

2023.11.18 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣብ ምክልኻል ህጻናት ምስማዕን ንቑሕ ምስትዓውልን ኣገዳሲ እዩ 2023.11.18 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣብ ምክልኻል ህጻናት ምስማዕን ንቑሕ ምስትዓውልን ኣገዳሲ እዩ  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣብ ምክልኻል ህጻናት ምስማዕን ንቑሕ ምስትዓውልን ኣገዳሲ እዩ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 18 ሕዳር ኣብ ኢጣልያ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ህጻናትን መንሰያትን ተነቀፍትን ዝዓዪ ሽማግለ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ኣባላት ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥

ህጻናትን መንሰያትን ተነቀፍትን ካብ ማህሰይቲ ጾታዊ ዓመጽ ንምክልኻል ኣብ ዝግበር ጻዕሪ መላእ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ክሳተፍን ዝተጸውዐ ምዃኖም ኣዘኻኺሮም፥ “ምክልኻል ሕጻናት ናይ ውዕላት ጉዳይ ኣይኮነን፥ ንመንእሰያትን ህጻናትን ተነቐፍትን ምክልኻል ዝብል ኣገልግሎት ካብ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ናይ ኣካልን ኣእሮኣውን ስልጣንን ዓመጽ ንምክልኻል ዝግበር ጻዕሪ ዘጠቓልል ምዃኑ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ቅዱስነቶም ነቶም፥“ኣነ ኸጥዕየኪ ንቚስልኺውን ከሕውዮ እየ” (ኤር. 30፡17) ብዝብል ካብ ነቢይ ኤርሚያስ ብዝተወስደ ቃል ኣማልኽ ተመሪሑ ንኽካየድ ብናይ ኢጣሊያ ጳጳስት ቤት ምኽሪ እተሰናደወ ንመላእ ኣብ ኢጣሊያ ኣብ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ህጻናትን መንሰያትን ተነቀፍትን ናይ ዘገልግል ሽማግለ ኣባላት ዘሳተፈ ዓውደ ኣኼባ ተጋባእያን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥

ምክልኻል

ምክልኻል ዝብል ግሲ ናይቶም ዝተጎድኡ ቃንዛ ተኻፋሊ ምዃንን ናትካ ምግባርን ብንጥፈት ንምክልኻሎም ምውሳእን ኣብዚ ዕዮ እዚ መላእ ሕብረተሰብ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ንምክልኻል ክተግህን ሓላፍነት ክወስድን ዝዕድም ምዃኑ ኣብሪሆም፡ እዚ  መገዲ ምክልኻል እዚ “ብፍትሕን ሓቅን ውሽጣውን ማሕበረሰብውን ምሕዳስ” ዝሓትት ምዃኑ ኣስተብሂሎም፡ “እቶም ኣብ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ህጻናትን ተነቀፍትን ዝዓዩ፥ “ዝተፈጸመ ዓመጽ ምሕባእን ስቕ ኢልካ ምሕላፍን ብፍጹም ክህሉ ከም ዘይብሉ ዝፈልጡ እያቶም፡ ስለዚ ዝኾነ ይኹን ዝተፈላለየ ዓመጽ ክይህሉ ዘገልግል እዩ፡ ጾታዊ ዓመጽን ካልእ ዓይነት ዓመጽ እውን ኪኖ ቤተ ርክስቲያን ንሓፋሽ ሕብረተሰብ ዘተሓሳስብ ክኸውን ይግባእ። ብመሰረት ናይ መንግስታት ጸብጻብ ካብ 42 – 63 ሚእታዊ ዝበጽሕ ዓመጽ ወይ ግህሰት ኣብ ውሽጢ ኣባይቲ ስድራ ዝፍጸም ምዃኑ ብምዝኽኻር ካልኦት ብዙሕ ዝተፈላለየ ዓመጽ እውን ኣብ ጉጅለታት ስፖርትን ኣቢያተ ትምህርትን” ዝፍጸም ምዃኑ ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ምስማዕ

ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ካልእ ዝገለጽዎ ግሲ ‘ምስማዕ’ ዝብል ኮይኑ፡ ነቶም ግዳያት ምስማዕ ናይ ምክልኻል ባህሊ ንምስፋሕ ግቡእ ስጉምቲ ምውሳድ ንዝብል ሓሳብ ዘጠቓልል እዩ። . . . እዚ ድማ ምትእምማን ዝሃንጽ ንቕሓትን ግልጽነትን ክረጋገጽ ዝገብር እዩ፥

ነቶም ብግህሰት ዝተጎድኡ ቅርበት ከነስፍሕን ክንምስክርን ንግብረ ገባዊ ግብረ መልሲ ዝተጸዋዕና ኢና!

ምግዳስ

ነቶም ግዳያት ምስማዕ ማለት ምክልኻል ማለት እውን እዩ። ሰለዚ ምሕዋዮም ዝከኣል ብመገዲ ሓልዮትን ምስማዕን እዩ . . . ነቶም ግዳያት ምግዳስ ማለት ፍትሒ ምግባር ማለት እውን እዩ። ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስትያን ነዚ ገበን ዝፈጸሙ ሰባት ምኽሳስ ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጾም፥ ነቶም ግዳያት ኣብ ምድጋፍን ምስማዕን ምግዳስን ምክልኻልን ዘማእከለ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝፍጽምዎ ጻዕርን ከምኡ እውን ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ንጸያፍ ኣሳእል ምጥቃምን ነዚ ጸያፍ ኣሳእል ብመርበብ ዝግበር ዝርጋሐ ኩሉ ንኽውገድ ዝገብርዎ ጻዕሪ እውን ኣተባቢዖም።

ልዑልን ክቡርን ኣገልግሎት

ነቶም ኣብ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን መንእሰያትን ተነቀፍትን ኣብ ምክልኻል ኣብ ዝተዋፈረ ሽማግለ ዝዓዩ ኩሎም፥“እቲ እተካይድዎ ኣገልግሎት ንግዳያት ይኹን ንመላእ ማሕበረሰብ ቤተ ክርስቲያን ክቡር እዩ” ከምኡ እውን “መላእ ህዝቢ ኢጣልያ ነዚ ከምዚ ዓይነት መዓት ዝያዳ ቆላሕታ ክህብ ዘተባብዕ እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ኣብ መወዳእታ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ኣሚቱ ኣብ ዝካየድ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝተዋፈሩ ኩሎም ምስ ጳጳሳዊ ጉዳይ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ንዝገብርዎ ምትሕብባርን ንኻልኦት ኤጲስ ቆጶሳት ጉባኤታት ብፍላይ ድማ ኣብ ድኻታትን ኣብ ጎደና ምዕባለ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ንዘለዉ ኤጲስ ቆጶሳት ጉባኤታት ኣብ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ንዘሳልጥዎ ዕማምን ዝተሓንጸጹ መምርሕታትን ብዘለዎ ዋሕዲ መሳለጢ ከይተዓናቐፍ ንዘቕርብዎ ኩለ መዳያዊ ሓገዝ ከም ዘመስገኑ ኣፍሊጡ።

20 November 2023, 15:27