ድለ

FILES-VATICAN-RELIGION-POPE-COP28 FILES-VATICAN-RELIGION-POPE-COP28  (AFP or licensors)

ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መበል 28 ዋዕላ ብዛዕባ ምዝባዕ ኩነታት አየር ንኽሳተፉ ዝነበረም መደብ

ዋና ኣሓዳሪ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ማቴዎ ብሩኒ አብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ቅዱስ አቦና ፍራንቸስኮ ነቲ ሓካይም ዝሃብዎም ጥዕናዊ ምኽሪ ብምስማዕ ኣብ መበል 28 ዋዕላ ብዛዕባ ምዝባዕ ኣከባቢያዊ ኩነታት አየር ንምስታፍ ዝነበሮም መደብን ናብ ዱበይ ክገብርዎ ዝሓሰቡ ዝኘበሩ ጉዕዞን "ብዓብዪ ጣዕሳ" ከም ዘቋረጽዎን ገሊጹ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ዋና ኣመሓዳሪ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ብሩኒ፣ ትማሊ ሰሉስ ምሸት ዕለት 27 ሕዳር አብ ዘውጽኦ መግለጺ - "ቅዱስ ኣቦና ብሰንኪ እቲ ዘሳቕዮም ዘሎ ናይ ረኽሲ ሳንቡእን ስርዓተ ምስትንፋስን ረኽሲ፣ ሓፈሻዊ ጥዕናኦም እኳ እንተ ተመሓየሸ ሓካይም ግን ቅዱስነቶም ኣብ ዝመጽእ መዓልትታት ናብ ዱባይ ከይከይዱ ንዝብል ዝሓብዎም ጠዕናዊ ምኽቲ መሰረት ብምግባር፣ ነቲ  ኣብ መበል 28 ዓውደ ጉባኤ ብዛዕባ ምዝባዕ አከባቢያዊ ኩነታት አየር ዝግበር መደባት ንምስታፍ ናብ ዱበይ ክኸዱ መዲቦሞ ዝነበሩ መጋሻ ከም ዝሰረዝዎ አመልኪቱ።

እቲ ሓዋርያዊ መገሻ ካብ 1 ክሳዕ 3 ታሕሳስ ክግበር ተመዲቡ እኳ እንተ ነበረ፣ ዝመጽእ ዘሎ ቀዳም አብቲ ዓውደ ጉባኤ መደረ ከቕርቡን ስዒቡ ዘሎ ሰንበት ድማ አብቲ ናይቲ ዓውደ ጉባኤ ፍሉይ መደብ ምርቓ ማሕበራት እምምነት ክሳተፉ ትጽቢት ይግበረሎም ነይሩ።

ብሩኒ ኣስዕብ አቢሉ ድሕዚ ውሳኔ ቅዱስነቶምን ቅድስቲ መንበርን አብቲ ዓውደ ጉባኤ አብ ዝግበር ዘተታት ክሳተፉ ዘለዎም ድላይ አብ ቦትኡ ከም ዘሎ ብምግላጽ ተሳትፎኦም ብኸመይ መገዲ ከም ዘሰላስልዎ ግን አብዚ ቀረባ መዓልታት ብምውሳን መግለጺ ከም ዘውጽኡ ሓቢሩ ።

ኣብ መደብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እተገብረ ለውጥታት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብ ሕማሞም ምእንቲ ኽሓውዩ ንገለ ኻብቲ ኣብዚ ግዜ እዚ ዘለዎም ኣገደስቲ መደባት ናብ ካልእ ግዜ ተሰጋጊሩ ከም ዘሎን፣ ገለ መዋቅራውን መንግስታውን ባህሪ ዘለዎም መደባቶም ድማ ከም ዘለውዎ ክቕጽሉ ምዃኖም አፍሊጡ ።

ይኹን እምበር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ካብ ሰኑይ ኣትሒዞም ረስኒ ወይ ፍሉይ ናይ እስትንፋስ ጸገም ስለ ዘይብሎም ጽቡቕ ምምሕያሽ ኣርእዮም አለዉ።

ዋና አመሓዳሪ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን አብ መወዳእታ - "ኵነታት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጽቡቕን ርጉእን እኳ እንተ ሃለወ፣ ሓካይም ግን እዚ መዲቦሞ ዝለዉ ጕዕዞ ውጥረት ከስዕበሎም ስለ ዝኽእል ዘየድሊ ናይ ጥዕና ጸገማት ከይፈጥረሎም እንተ ኣዕረፉ ዝሓሸ ምዃኑ ስለ ዝሓበርዎም ቅዱስነቶም “ብዓቢይ ጣዕሳ” ነዚ ውሳኔ ከም ዝወሰዱ ሓቢሮም ።

30 November 2023, 09:57