ድለ

ር. ሊ. ጳ. ምስ ድኻታት አብ መኣዲ ተቐሚጦም ዘይርሳዕ ናይ ምሕዝነት ግዜ አሕሊፎም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ አብ ሃገረ ቫቲካን ዝርከብ ጳውሎስ 6ይ ዝተሰምየ ናይ ጉባኤ አዳራሽ ብምኽንያት መዓልቲ ድኻታት ምስ 1,200 ዝኾኑ ኣጋይሽ መደብ ምሳት ተሳቲፎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ሰንበት ድሕሪ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ምስቶም አብቲ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ እተረኽቡ  ኣጋይሽ፣ ድኻታትን አለይቶምን  ናይ ምሳሕ መደብ ተሳቲፎም ።  ነቲ ድሮ ልምዲ ኾይኑ ዘሎ ዓመት ዓመት ብምኽንያት መዓልቲ ድኻታት ቅዱስነቶም ዘወፈይዎ ናይ ምሳሕ እንግዶት እትገብረ መደብ ዝተሳተፉ ልዕሊ 1,200 ዝዀኑ ኣጋይስ አብቲ ኣዳራሽ ምስ ተረኽቡ፣ ነቲ ኣዳራሽ ናብ ሓደ ዓቢይ ፍሉይን ቤት መግቢ ቀይርዎ ምዒሉ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንጐይታ ስለቲ " ናይ ምሕዝነትን ዕርክነትን እዋንን" ስለቲ መኣዲ ከምኡውን ስለቶም አሰናደውቲ እቲ መደብን ድሕሪ ምምስጋን ብናይ መዓዲ ቡራኬ ነቲ መደብ ጀመርዎ ። እቲ ብጻዕዳን ብጫን ዕምባባታት እተሰለመ ሰደቓታት ንዅሎም እቶም ግዳም ሓደራትን ድኻታትን መሰኪንን ናይ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩምን ፍቕርን ሓልዮት መንፈስ ዜርኢ ዘይርሳዕ ህሞት ኢዩ ዝነበረ ።

እዚ መደብ እዚ በቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ጉዳይት ግብረ - ሰናይ ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት እተወደበን ብሆቴላት ሂልተን እተሰናደወን ከምኡ ውን ካልኦት ሰብ ጽቡቕ ድላይ እተሳተፉሉን መደብ ኢዩ ዝነበረ ። አብ መወዳእታ ናይቲ መደብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅድሚ ምፍናዎም ንዅሎም እቶም አብቲ መደብ ምሳሕ ዝተሳተፉን ባህ ዜብል ሃዋህው ስለ ዝፈጠሩ ኣመስገንዎም ።

20 November 2023, 17:52