ድለ

2023.08.06 Viaggio Apostolico in Portogallo in occasione della XXXVII Giornata Mondiale della Gioventu' - Incontro con i volontari della GMG 2023.08.06 Viaggio Apostolico in Portogallo in occasione della XXXVII Giornata Mondiale della Gioventu' - Incontro con i volontari della GMG  (Vatican Media)

መልእኽቲ ር. ሊ. ጳ. ናብ ሰበኻዊ ቅነ መንእሰያት፦ ኣብ ግዜ ጸልማት ተስፋ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ቅድሚ መበል 38 ዓለምለኸ ቅነ መንእሰያት አብ ሰበኻታት ዝግበር መልእኽቲ አመሓላሊፎም፣ ንመንእሰያት ከም እዋን "ተስፋን ሕልምታትን" ገይሮም ድማ ገለጽዎም። እዚ ኣወንታዊ ኣረኣእያ እዚ ኣብዛ ቅልውላው እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዓለም ብኸመይ እዚ አወንታዊ አታሓሳስባ እዚ ክቕጽል ከም ዝኽእል ሓተታ አቕረቡሎም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ሰሉስ ቅድሚ እቲ ብዕለት 26 ሕዳር 2023 ንዝካየድ መበል 38 መዓልቲ መንእሰያት አብ ሰበኻታት መልእኽቲ አመሓላሊፎም ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብታ "ብተስፋ ምሕጓስ " ዘርእሳታ መልእኽቶም፣ ክርስትያናዊ ተስፋ "ተራ አወንታዊ አተሓሳስባ" ዘይኰነስ ብዛዕባ እቲ አምላኽ አብ መንጎና ምሕላው ርግጸኛ ፍልጠት ከም ዘሎናን፣ ነዚ ኣወንታዊ መረደታ እድማ አብዚ ናይ ጸልማት እዋን ብኸመይ ክንዕቅቦን ክንካፈሎን ከም ዘሎና ሓደ ሜላ አበይጅዮምልና ይርከቡ ።

ተስፋ ምቝራጽ

ኣርእስቲ ናይታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝጸሓፍዋ መልእኽቲ ዓለምለኸ መዓልቲ መንእሰያት ካብ መልእኽቲ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮማ እተወስደ ኮይኑ "ብተስፋ ተሓጐሱ" ዝብል ኢዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አብዘን ቃላት ቅዱስ ጳውሎስ እንከስተንትኑ "ዘመን ጉብዝና በቲ ንህይወትና ዜበልጽግን ሓያሎ ባህ ዜብልን ነገራት ማለት በቲ ዜደንቕ ፍጥረት ኣምላኽ ምስ ፈተውትናን እነፍቅሮም ሰባትን ዘሎና ርክብ እተለዓዓለ ተስፋን ሕልምን ዝመልኦ እዋን እዩ ። ብዙሕ ካልእ ሠናይ ነገራት እውን ኣለዎ።" ይብሉ ቅዱስነቶም።

ይኹን እምበር ውግእ ኣብ ዝበዝሓሉ እዋን ንነብር ከም ዘሎና መጠን "ብዙሓት ሰባት እንተላይ መንእሰያት ተስፋኦም ዝማህመነ ኮይኑ ይስምዖም" ከም ዘሎ  ገለጹ ። አብዚ እዋን እዚ ብዙሓት ሰባት "ብርሃን ጸሓይ ክአትዎ አብ ዘይክል አብ ጸልማት ዝኾነ ቤት ማእሰርቲ ዘለዉ ዀይኑ እዩ ዚስምዖም ዘሎ" ክብሉ ቅዱስነቶም ይምስክሩ።

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ከምዚ ክብሉ ይሓቱ - "ነቲ ቕዱስ ጳውሎስ ዝብሎ ዘሎ ሓጐስን ተስፋን ብኸመይ ኢና ክንምኮሮ ንኽእል? ብዛዕባ ዜሕዝን ፍጻመታት ደቅሰብ ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ ስቓይ እቶም ንጹሃት እናሓሰብና ንገሊኡ መዛሙራት ዳዊት እናደገምና ንጐይታና 'ስለምንታይ?' ኢልና ኽንሓቶ ንኽእል ኢና።"

ናብ ተስፋ ዚመርሕ መገዲ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መልእኽቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ጽንኩር እዋን፣ ንክርስትያናዊ ተስፋ ኽትዕቅበሉ እትኽእለሉ ኽልተ መገድታት አለዉ ክብሉ ሓሳቦም የካፍሉ ።

እቲ ቐዳማይ ተስፋ "ፍረ ሰብኣዊ ጻዕርታትና መደባትና ወይ ክእለትና" ከም ዘይኰነ ምግንዛብ ኢዩ። የግዳስ "ምስ ክርስቶስ ብምርኻብ ዝወለድ " እዩ ። ክርስትያናዊ ተስፋ ካብ ኣምላኽ ኢዩ ዝመጽእ እዚ ድማ ካብቲ ንዓና ዘላቶ ፍቕሪ ኢዩ ዝመጽእ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ "ክርስትያናዊ ተስፋ" ኣወንታዊ ኣረኣእያ ምህላው ጥራይ ኣይኰነን ፣ ኣብ ፍቕርን እምነትን እተመስረተ ኣምላኽ ፈጺሙ ኸም ሓድገናን ነቲ 'ግብ ብዝበለ ጸልማት ብዘለዎ ርባ እኳ እንተ ኸድኩ፣ ንስኻ ምሳይ ኢኻ እሞ ኽፉእ አይፈርህን እየ! ' ዚብል ቃል-ኪዳኑ እሙን ከም ምዃኑ ርግጸኛታት ክንከውን እንከለና ኢዩ ዝርከብ። "

ኣብ ማእከል መከራ ተስፋና ንምጽናዕ እንጥቀመሉ ኻልኣይ ሜላ ኸኣ "ንሕና ባዕልና ክፍሊ ናይቲ ኣምላኽ ንጸገማትና ዝህበና መልሲ ክንከውን ከም እንኽእል" ብምግንዛብ ከም ምዃኑ ገለጹ።

"ብመልክዑን ብምስሉን ስለ እተፈጠርና ምልክት ፍቕሩ ኽንከውን ንኽእል ኢና፣ እዚ ድማ ተስፋ ኣብ ዘይብሉ ዝመስል ኵነታት እውን ከይተረፈ ሓጐስን ተስፋን የምጽእ እዩ" በሉ ቅዱስነቶም ።

ተስፋ አብም ምክፋል ኢዩ ዝዓቢ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነዚ ሓጐስን ተስፋን እዚ ስለ እተቐበልናዮ ጥራይ ንገዛእ ርእስና ኽንሕልዎ ኸም ዘይንኽእል ይገልጹ አብ መልእኽቶም ።

"ነቲ ኣባኹም ዘሎ ብልጭታ ዝመስል ብርሃን ኣዕብይዎ፣ ከምኡ ውን ንኻሎት ኣካፍልዎ። በዚ ኸምዚ ድማ ምስ ካልኦት ምስ እትካፈልዎ ብኸመይ እናዓበየ ከም ዝኸይድ ክትግንዘቡ ኢኹም!"

ቅዱስነቶም አብ መልእኽቶም ከምዚ ክብሉ ቃለ ማዕዳን የቕርቡ፣ ብፍላይ ከኣ  - "ነቶም ብግዳሞም ፍሽኽ ዝብሉ ግን ከኣ ተስፋ ብምስኣን ብውሽጦም ዝተከዙ የዕሩኽትኹም አይትግደፎም ጠቢቕኩም ሓዝዎም ። በቲ ዘይምግዳስን ውልቃዊ አተሓሳስባን ተበኪልኩም አይትፈላለዩ"።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ አብ መደምደምታ ንክርስቲያናዊ ተስፋና "ከም ምዉቕ ስምዒት" ንገዛእ ርእስና ጥራይ ክንዕቅቦ ንኽእል ኢና ። ይኹን እምበር ንሱ "ንዅሉ ተባሂሉ እዩ ተዋሂቡና ዘሎ።" ክብሉ መልእኽቶም አመሓላለፉ።

15 November 2023, 19:32