ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ፍልስጥኤማውያንን እስራኤላውያንን ብሰላም ክነብሩ መሰል ዘለዎም ክልተ ኣሕዋት ህዝብታት

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዓለም ሓቆፍ ንናይ ር.ሊ.ጳ. ጸሎት መርበባዊ ማሕበር ኣቢሎም ዕለት 22 ሕዳር ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥ ንዩክረይንን ብፍላይ ድማ ንቅድስቲ መሬት ጸሎት ክግበር ይሓትቱ፥ “ምስሕሓብ ብኽልቲኡ ወገን ብኩምራ ሬሳታት ዘይኮነስ ብዘተን ሽምግልናን እዩ ክፍታሕ ዘለዎ” ይብሉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ኩሉ ኲናት ስዕረት እዩ! ብኲናት ዝፍታሕ ዝኾነ ነገር የሎን። ኩሉ ብሰላምን ብዘተን ኢና እንረኽቦ” ዝብል ደጋጊሞም ዝገልጽዎ ሓሳብ ቅዱስነቶም ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ብምዝኽኻር ንኹሉ ኣብ ዓለም ዘሎ ግጭታት ኣብዚ ቀረባ እዋን ብፍላይ ነቲ ኣብ ዩክረይንን ኣብ ቅድስቲ መሬትን ዘሎ ጽንኩር ኩነት ምልስ ቢሎም ብምዝካር፡ ነቲ መዓልታዊ ዘቕርብዎ ናይ ሰላም ጻውዒት ብናይ ር.ሊ.ጳ. ጸሎት ዓለም ሓቆፍ መረብታዊ ማሕበር ኣብ ዝተመሓላለፈ ናይ ምስማዐ ርእየት መልኽቲ፡ ኣብ መላእ ዓለምን ኣብ ቅድስቲ መሬትን ሰላም ንኽህሉ ፍሉዩ ናይ ጸሎት ወፍሪ ክውደብ ይሓትቱ፥

ኲላትና ቃንዛ ውግእ ይስምዓና፡ ካልኣይ ውግ ዓለም ካብ ዝዛዘም ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለም ውግእ ይካየድ ምህላዉ ትፈልጡ ኢኹም። ካብቲ ውግእ ዝካየደሉ ክፋላት ዓለም ርሒቕና ንነብር ብምዃና ምናልባት እቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ሓያል ኮይኑ ኣይስምዓናን ይኸውን። ስለዚ ብህጹጽ ምላሽ ክህንህብ ዝገብረና ኵነታት ዩክሬይንን ቅድስቲ መሬትን ይጽውዓና!

ክልተ ኣሕዋት ህዝብታት

ኣብ ቅድስቲ መሬት ኣዚዩ ዕቱብ ፍጻሜ እዩ ዘሎ፥

ህዝቢ ፍልስጥኤምን እስራኤልን መሰል ሰላም ኣለዎም፡ ብሰላም ናይ ምንባር መሰል ኣለዎም። ክልተ ኣሕዋት ህዝብታት!

ዘተን ምሽምጋልን ንሰላም

እቲ ሕቶ ሕጂ እውን ናብቲ ከባቢ ሰላም ክምለስ ምጽላይን ምምህላልን እዩ፥

ዘይምርድዳእ ብዘተን ብምሽምጋልን ክፍታሕ እምበር ብኽልቲኡ ወገን ብዝፍጠር ኩምራ ሞት ዘይኮነስ ስለዚ ኩምራ ሞት ብኽልቲኡ ወገን ከይህሉ ንጸሊ። በጃኹም ኣብ ቅድስቲ መሬት ሰላም ክህሉ ንጸሊ!

እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልኽቲ ዛዚሞም።

23 November 2023, 15:40