ድለ

ፍራንቸስኮ ኣብ መባእታ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ዱባይ ኣብ ዝካየድ ዋዕላ ዛዕባ ለውጢ ኣየር ክሳተፉ እዮም ፍራንቸስኮ ኣብ መባእታ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ዱባይ ኣብ ዝካየድ ዋዕላ ዛዕባ ለውጢ ኣየር ክሳተፉ እዮም 

ፍራንቸስኮ ኣብ መባእታ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ዱባይ ኣብ ዝካየድ ዋዕላ ዛዕባ ለውጢ ኣየር ክሳተፉ እዮም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዛዕባ ቅልውላው ከባቢ ኣየር ዝምልከት “ሰብሕዎ ለእግዚብሔር” ዘርስቱ ሓዋርያዊ ምዕዳን ድሕሪ ምልጋሶም ክልተ ወርሒ፡ ኣብ ጉባኤ ዛዕባ ከባቢ ኣየር ኣብ ዱባይ ኣብ ዝዝትይ መበል 28 ኣህጉራዊ ዋዕላ ንለውጢ ከባቢ ኣየር ንኽሳተፉ ካብ ዕለት 1 ታሕሳስ ናብ ከተማ ዱባይ ሕቡራት ኢሚራት ዓረብ ክገሹ ምዃኖም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዛዕባ ለውጢ ከባቢ ኣየር ኣብ ዝመክር  ኣህጉርዊ ዋዕላ ንኽሳተፉ ናብ ዱባይ ምብጻሕ ከካይዱ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ሓቢሮም።

ብሩኒ ዕለት 3 ሕዳር ኣብ ቅድስቲ መንበር ንናይ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ልኡካን ጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥ “ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንዕድመ ልዑልነቶም ሸይኽ ሞሓመድ ቢን ዛየድ ኣል ናህያ ርእሰ ብሄር ሕቡራት ሃገራት ዓረብ ተቐቢሎም ካብ ዕለት 1 – 3 ታሕሳስ ኣብ ዱባይ ክርከቡን ኣብቲ ዋዕላ ክሳተፉን መደረ እውን ከስምዑ እዮም፡” ባዕሎም እውን ቅዱስነቶም ምስ ናይ ኢጣሊያ ራዲዮን ተለቪዥንን መደብር ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትቲ ከም ዘረጋገጹን እዚ ናቶም ኣብቲ ዋዕላ ምስፍታፍ ሓደ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ናይ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ዛዕባ ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ክስተፉ ንፈለማ ግዜ ክኸውን እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ካልኣይ ዑደት ናብ ኢሚራት ዓረብ

ኣብ መጀመርታ ወርሒ ታሕሳስ ዝካየድ ዑደት ር.ሊ.ጳ. ኣብ ወርሒ ለካቲት 2019 ዓ.ም. ናብቲ ብዙሃን ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ዝነብሩላ ሃገር ኣቡ ዳቢ ንፈለማ ግዜ ንሓዋርያዊ ጉዕዞ ናብ ሕቡራት ኢሚራት ዓረብ ከም ዝኸዱን ናብታ ሃገር ካብ ዕለት 1 – 3 ታሕሳስ ንኻልኣይ ግዜ ክገሹ እዮም።

ቅዱስነቶም ንፈለማ ግዜ ናብ ሓውሲ ደሴተ ዓረብ ዝበጽሑ ር.ሊ.ጳ. ክኾኑ እንከለዉ ነቶም ብቐንዱ ወጻእተይናታት ስራሕተይናታት ዝቖመ ኣዚዩ ንእሽቶ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ እታ ሃገር ወሽመጥ ዓረብ መስዋዕተ ቅዳሴ ዘዕረጉ ናይ መጀመርታ ር.ሊ.ጳጳስ እዮም።

ኣብቲ ዑደት ቅዱሰነቶም ምስ ናይ ምስሪ ናይ ኣል - ዓዝሃር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ዶክተር ኣሕመድ ኣል ጣይብ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሓባር ሃይማኖታዊ ጉባኤ ንሰላም ዓለም ብሓባር ምንባርን ዝምልከት “ሰብኣዊ ሕውነት” ዘርእስቱ ሰነድ ከቲሞም ወግዓዊ ከም ዝገበሩን እዚ ድማ ነቲ ስዒቡ ር.ሊ.ጳ. ፍንራቸስኮ ብዛዕባ ሰብኣዊ ሕውነት ዝገልጽ “ኩላትና ኣሕዋት” ዘርስቱ ንዝለገስዎ ዓዋዲ መልኽቲ መሰረታት ዘነቓቕሐ እዩ።

ፍጥረት ንምዕቃብ ዚግበር ምሕጽንታ

ስም ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ናይ ር.ሊ.ጳጳስና መጸውዕ ስሞም ዝገበሩ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓባርዊ ቤትና ምዕቃብ ኣድላዪ ምዃኑ የጉልሑ። እዚ ወፈያ እዚ ኣብ 2015 ዓ.ም. ብዛዕባ ምሕዳር ዝገልጽ “ስቡሕ ኣንተ” ዘርእስቱ ታሪኻዊ ዓዋዲ መልእኽቲ ከምኡ እውን ኣብ ቀረባ እዋን ማለት ዕለት 4 ጥቅምቲ 2023 ዓ.ም. ኣብ መዓልቲ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ “ሰብሕዎ ለእግዚኣብሔር” ዘእስቱ ሓዋርያዊ ምዕዳን ንኽጽሕፉ ደረኾም።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ብዛዕባ ቅልውላው ከባቢ ኣየር ንዅሎም ሰናይ ፍቓድ ዘለዎም ሰብ ጽቡቕ ድላይ “ኣብ ዜሮ ሰዓት ኢና ዘሎና - ግዜ ከይኣኸለ ንመጻኢ ውለዶታት ንምዕቃብ ስጉምቲ ክንወስድ ኣሎና” ኣክብልቡ ከም ዘጠንቀቑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

04 November 2023, 16:56