ድለ

2ብፍራንቸስኮ ዝተደርሰ መቕድም ኣብታ ብናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ዚዚዮላስ ዝተጻሕፈትን ድሕረ ዕረፍቶም 2ብፍራንቸስኮ ዝተደርሰ መቕድም ኣብታ ብናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ዚዚዮላስ ዝተጻሕፈትን ድሕረ ዕረፍቶም 

ብፍራንቸስኮ ዝተደርሰ መቕድም ኣብታ ብናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ዚዚዮላስ ዝተጻሕፈትን ድሕረ ዕረፍቶም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “መጻኢ ምዝካር ናብ ስነ - ፍጻሜን ስነ - ህላወን” ብዝብል ኣርእስቲ ብናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳስ ናይ ፐርጋሞን ሜትሮጶሊጣ ሶን ዚዚዮላስ ቅድሚ ዕለት 2 ለካቲት 2023 ዓ.ም. ካብዚ ዓለም ብሞት ምፍላዮም ንሕትመት ዘረከብዎ መጽሓፍ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝደረስዎ መቕድም ዘለዋ ዕለት 28 ሕዳር ንንባብ ከም ዝበቐዔት ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብቲ ዝደረስዎ መቕድም፥ ነዛ ናይ ጆን ዚዚዮውላስ ሜጥሮጶሊታ ዘፐርጋሞ መጽሓፍ፥ ኣብ ኢደይ ክሕዛ ንዓይ ሕጂ እውን ኣብቲ ንሓድሕድና ዘተኣሳስረና ኣእዳወ ብምጭብባጥ ዝግለጽ ዕርክነት ክስምዓኒ ዝገብር እዩ። ድሕሪ ካብዛ ዓለም ብሞት ምፍላዮም ዝተሓትመት መጽሓፎም ዘለዋ ኣርስቲ ዝሕብሮ፡ ካብቲ ብኣምላኽ ሓራ ዝወጸ ሕሉፍ ታሪኽ መጻኢ ዝፍልፍል ምዃኑ የመላኽት።

ንፈለማ ግዜ ምስ ሜጥሮፖሊታ ጆን ዚዚዮላስ ዝተላለኹሉ ዓመት 2013 ዓ.ም. ነቲ ንበዓል ቅዱሳን ጴጥሮስ ወጳውሎስ ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ወኪሎም ናብ ሃገረ ቫቲካን ምስ መጹ ከም ዝኾነን ንዓይ እቲ ምስኦምን ምስቶም ብኣኦም ተመሪሖም ዝመጹ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ልኡካንን ከምኡ እውን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኦርቶዶክሳውያን ብዛዕባ መንበረ ጵጵስና ጉባእያውነትን ትዊፍት ሲኖዳውነትን ክሳብ ክንደይ ክንመሃር ከም ዘሎና ዘረጋገጸለይ ርክብ እዩ ነይሩ።

ኣብ ካልኦት ተኸታታሊ ርክባትና ኣብ ዘካየድናዮ ዝርርብ መብዛሕቲኡ ግዜ ብዛዕባ ስነ ፍጻሜ ዝምልከት ዝብልዎ ዝነበረን ዘጽንዕዎን ኣብ ሓደ እዋን ናብ መጽሓፍ ክቕይርዎ ሓሳብ ከም ዝነበሮም ይነግሩኒ ነይሮም። ብዛዕባ ሓድነት ክርስቲያን ክንጽልን ከነስተንትንን እንኮለና ብዛዕባ ዝነበሮም ክውንነት የካፍሉኒ ነይሮም፡ እዚ ምሉእ ሓድነት እዚ ኣብ መወዳእታ ዘመን ጥራይ እዩ ዝረጋገጽ፡ ይኹን እምበር ኣብቲ ተስፋ ዘይብሉ ተስፋ ናይ ምግባር ግዴታ ከም ዘሎናን ነዚ ሓድነት እዚ ብሓባር ኣብ ምድላዩ ክንቅጽል ኩሉ ዝከኣል ክንብገር መታን። ኣብ መወዳእታ ጥራይ ከም ዝረጋገጽ ንዕግበት ከደልድል ወይ ካብ ንሓድነት ዝግበር ጻዕሪ ብኹራት መታን ከይንኸውን መጻኢ ድሮ ኣብ ስርሒት ከም ዘሎ ክንኣምን . . . መጻኢ ናብ ታሪኽ ገጹ ዝመጽእ እምበር ካብ ታሪኽ ዝምንጨው ኣይኮነን . . . ስለዚ ሓድነት ናይ ጉዕዞ መወዳእታ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብሕብርታት ትንሳኤን እቲ ሓደስቲ ነገራት ዘዘኻኽር ድምጺ መንፈስ ቅዱስን ኣብ ህይወትና ዘሰንየና እዩ። እዚ ንናይ ሕሉፍ ጌጋታትን ፍሽለትን ምቑሓት ካብ ዝገብረና ኣሉታዊ ጉዳያት ሓራ የውጽኣና። ኩላትና ንድሕሪት ብዝጥምት  ኣሉታውነት ንሳቐ ኢና። በዚ ንድሕሪ ናይ ምጥማት ኣሉታውነት ድማ ኣዚዩ ዝህሰይ ሓድነት ኩሉ ክርስቲያን፡ ብልቢ ንምድላይ ዝግበር ጻዕርን ድላይን እዩ። ስለዚህ ናይ ትውፊታትና ክቡር ዋጋታት መገዲ ንምኽፋት እዩ ዝመርሑና፡ ከምዚ እንተድኣ ዘይኮነ፡ ንድሕሪት ክንጥምት ዝድርኹና እንተድኣ ኮይኖም፡ ምቑሓት ፍርሕን ኣብቲ ነቶም ክብርታት ኣንህቦ ኣተረጓጉማ ንጋገን ኣብቲ ውሕስነት ዝህበና ዝመስል ስምዒት ተጣብቕና እምነት ናብ ስነ ሓሳብ ምቕያርን ነቲ ኣብ ክርስቶስ ህይወትን መገድን (ዮሓ. 14, 6) መገዲ ሰላምን እንጌራ ውህደትን ምንጪ ሓድነት ካብ ምዃኑ ንዘሎ ሓቂ ናብ ግኑዝ ኣካል ንቕይሮም።

ፍጻሜ ኣፍደገ መዓልታዊ ህይወትና ይኹሕኩሕ፡ ምትሕብባርና ይደሊ፡ ናይ መቑሕ ሰንሰለት የዝንቕ ነቲ ናብ ጽቡቕ ህይወት ዝግበር ምስግጋር ሓራ የውጽእ። ከምኡ እውን ብናይ ሜጥሮፖሊጣ ዚዚዮላስ ኣገላልጻ ሕመረት ቆኖናዊ ስርዓት ቅዱስ ቅርባን እዩ ንቤተ ክርስቲያን “መጻኢ ክትዝክር ዝገብራ” . . . ነዚ ድማ ነቲ ዝመጻእ ብምውዳስ ነዚ ቲዮሎጊያዊ ሓሳብ እዚ ንምግላጽ ድማ ብርኩ ዓጺፉ - ድሕሪ ጸሎት ኣብ ትጽቢት ጸኒዑ እዩ ዝጸሓፎ። ዚዚዮላስ ነዚ እዩ ዝገበረ።”

“መጋሕታ ክነቅሕ (መዝ. 108,2) ዝብል ጥቕሲ መዝሙረ ዳዊት ኩሎም መሳለጥያታትን ድምጽታትን ደቂ ሰባት፡ መጻኢ ኣምላኽ ከም ዘድልየና ዝጭድሩ ክኾኑ ይጽውዕ። ወጋሕታ ኣብ ውሽጥና ነበራብር ተስፋ ነበራብር። ብርግጽ “ እምነት ግና ነቲ ተስፋ ዚግበሮ ነገር ርግጽ ምግባር፡ ናይቲ ዘይርአ ነገር ምርዳእ እያ (ዕብ. 11,1) እቲ ክርስትና ዘቕውም ምልክት ዝጭበጥን መዓልታዊ ናይቲ “ዘሎን ዝነበረን . . . ዚመጽን (ራእ. 1,8)    ምልክት ትሕትና ኣልቦ ኣጽዋርን እዩ።

ከተማ ቫቲካን ጥቅምቲ 2023 ዓ.ም.

ሃገረ ቫቲካን

ፍራንቸስኮ

29 November 2023, 15:48