ድለ

VATICAN-RELIGION-POPE-ANGELUS VATICAN-RELIGION-POPE-ANGELUS 

ር. ሊ. ጳ. አብቲ ውግእ ተኸሰቱሉ ዘሎ ከባቢታት ኩሉ ሰላም ኪሰፍን ጸሎትን ምህለላን ክካየድ ጸውዑ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኩሎም ምእመናን መዓልታዊ ምእንቲ ሰላም ክጽልዩን፣ ከምኡውን ነተን ዅለን ኣብ ውግእ ጸበባን ዝርከባ ዘለዋ ሃገራት ክዝክረወን ጻውዒት ኣቕሪቦም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ከምቲ ልሙድ ኣብ መወዳእታ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ አስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶም ዝገብርዎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሎሚ ውን አብ ዘስምዕዎ ቃል ናብተን ብውግእ ዘሕዝን ኩነታት ዘሕለፋ ዘለዋ ብዙሓት ሃገራት ብምትኳር፣ "ዕለት ዕለት" አብተን ሃገራት ሰላም ክሰፍን ጸሎትን ምህለላን ክቕጽል ተማሕጺኖም ።

እትሳቐ ዘላ ዩክረይን

ብፍሉይ ሎሚ ረቡዕ 15 ሕዳር ቅዱስ አቦና አብ ዘቕረብዎ ቃል ምሕጽንታ "ነታ ብዙሕ ትሳቐ ዘላ ዩክረይን" ጸሎት ክግበረላ ተማሕጺኖም ። አብ መንጐ ሩስያን ዩክረይንን ካብ ለካቲት 2022 ኲናት ካብ ዝባራዕ አትሒዙ አብ ዩክረይን ልዕሊ 9,600 ሰባት ሞይቶም ልዕሊ 17,500 ድማ ብኸቢድ ቈሲሎም ይርከቡ አለዉ።

ሰላም ኣብታ ቅድስቲ መሬት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ አስዒቦም እውን፣ ምእንቲ እቲ ሰላም ቅድስቲ መሬት፣ ምእንቲ " ፍልስጥኤምን እስራኤልን" ምእመና ብፍሉይ ክጽልዩ ጻውዒት አቕሪቦም ። ብ7 ጥቅምቲ 1,200 ዝኾኑ እስራኤላውያን በቲ ጉጅለ ሓማስ ዝፈነውዎ መጥቃዕቲ እንክቕተሉ፣ ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ኣብ ገማግም ቃዛ ሕነ ንምፍዳይ ኣብ እተገብረ መጥቃዕቲ ብደብዳብ ነፈርቲ ልዕሊ 11,000 ሰባት ሞይቶም 2,500 ዝዀኑ ድማ ኣብ ትሕቲ ዝዓነወ ህንጻታት ጠፊኦም ሃለዋቶም አይተረኽበን ዘሎ ።

ንሱዳን ፈጺምኩም አይትረስዕዋ

ኣብ መወዳእታ ቅዱስ ኣቦና አተኵሮኦም ናብ ሃገረ ሱዳን ገበሩ። ኣብ ሱዳን ከአ ብገምጋም 9,000 ሰባት ተቐቲሎም 5.6 ሚልዮን ዝዀኑ ድማ ብሰንኪ እቲ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ናይዚ ዓመት እዚ ኣብ መንጎ ኽልተ ተቐናቐንቲ ወተሃደራዊ ሓይልታ እተላዕለ ኣዕናዊ ውግእ፣ ካብ ሃገሮም ክሰደዱ ተገዲዶም አለዉ ። እዚ ኲናት ሓድሕድ እዚ ዓሌታዊ ምጽናት ዝመስል ምልክታት ዘርኢ ዘሎ "ሰብኣዊ ዕንወት" ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንዅሎም እቶም አብ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፍሻዊ አስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ እተረኽቡ ምእመናን "ብዙሕ ውግኣት ተኸሲቱ አሎ!" ቢሎም ብምዝኽኻር "ውግእ ኣብ ዝሃለዎ ዘበለ ንዘክር!"  ክብሉ ምሕጽንታኦም ብምቕራብ፣ "ምእንቲ ሰላም ክሰፍን ንጸሊ፦ ዕለት ዕለት እተወሰነ ግዜ ወሲድና በጃኹም ምእንቲ ሰላም ንጸሊ።” ብምባል፣ አብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት “ሰላም የድልየና አሎና" ክብሉ ምሕጽንታኦም ዛዘሙ።

15 November 2023, 19:29