ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ኢራን ርእሰ ብሔር ብስልኪ ተራኺቦም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ኢራን ርእሰ ብሔር ብስልኪ ተራኺቦም 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ኢራን ርእሰ ብሔር ብስልኪ ተራኺቦም

ዕለት 5 ሕዳር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብስልኪ ምስ ናይ ኢራን ርእሰ ብሔር ኢብራሂም ራይሲ ከም እተራኸቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣመልኪቱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰንበት ዕለት 5 ሕዳር ድሕሪ ቀትሪ ምስ ናይ ኢራን ርእሰ ብሔር ኢብራሂም ራይስ ብስልኪ ከም እተራኸቡ ዝሓበሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ፥ እቲ ዝተኻየደ ናይ ስልኪ ርክብ ብሕቶ ናይ ኢራን ርእሰ ብሔር ራይሲ ዝቐረበ ከም ዝነበረ እውን ገሊጾም፡ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቃዛ ቶኽሲ ደው ክብል ብተኸታታሊ ንዘቕርብዎ ዘለዉ ጻውዒት ርእሰ ብሔር ራይሲ ከም ዘድነቑ ኣፍሊጦም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፥ ቅዱስነቶም ዕለት 5 ሕዳር ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ምስ ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ሓቢሮም ድሕሪ ዘዕረገዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር{

“እቲ ኣብ ፍልስጥኤምን ኣብ እስራኤልን ዘሎ ከቢድ ኲነታት ብዙሓት ሰባት ንሞት ዝዳርግ ዘሎ፡ ኣዚዩ የሻቕለኒ፡ ስለ እግዚኣብሔር እቲ ግጭት ደው ከተብሉ እልምነኩም። ኣጽዋር ውግእ ምጥቃም ኣቋርጹ። እቲ ግጭት ዘግድድ ኩሉ ደው ይበል። ውጉኣት ዝድሕኑሉን ናብታ ሰብኣዊ ኩነታት ኣዚዩ ጽንኩር ናብ ዝኾነላ ቃዛ ሓገዝ ንምብጻሕ ዘኽእል መገዲ ንኽርከብ ተስፋ እገብር። እቶም ጅሆ ዝተተሓዙ ናጻ ክልቀቑ እሓትት። ኣብ መንጎኦም ብዙሓት ህጻናት እውን ኣለዉ - ናብ ስድራኦም ይመለሱ! በዚ ኲናት እዚ ኣዚዮም ዝህሰዩ ዘለዉ ሕጻናት እያቶም፡ ከምኡ እውን ኣብ ዩክረይን ኣብ ካልእ ክፋል ዓለም ዘሎ ግጭት ንሕሰብ፡ መጻኢ ናይዞም ህጻናት ይቕተል ኣሎ። ይኣክል ምባል መታን ክብርትዕ ንጸሊ!

ከም ዝበሉ፥ ዕለት 2 ሕዳር ቅዱሰነቶም ምስ ናይ ፍልጥኤም ርእሰ ብሔር ማሕሙድ ኣባስ፡ ዕለት 26 ሕዳር ምስ ናይ ቱርኪ ርእሰ ብሔር ረሲፕ ጣይብ ኤርዶጋን ከምኡ እውን ዕለት 22 ጥቅምቲ ምስ ናይ ሕብራት መንግስታት ኣመሪካ ርእሰ ብሔር ጆ ባይደን ብስልኪ ከም እተራኸቡን ኣብቲ ዘካየድዎ ናይ ስልኪ ርክባት፥ መራሕቲ ዓለም ናብ ሰላም ዝወስድ መገዲ ምርካብ ከም ዘድልን ከምኡ እውን ኢየሩሳሌም ህልዊ ዅኔታ ኣፍልጦ ዝህብ ክልተ ጎረባብቲ ሃገራትን መንግስታትን ህዝብታትን ዝብል ፍታሕ ናይቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጥኤም ዘሎ ካብ ርሑቕ ዝነቐለ ግጭት ዘውግድ ዝብል ናይ ቅድስቲ መንበር እምነትን ኣመለኻኽታን ከም ዘቃልሑ የዘኻኽር።

06 November 2023, 15:24