ድለ

2023.11.27 ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ፓራጉዋይ ርእሰ ብሔር 2023.11.27 ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ፓራጉዋይ ርእሰ ብሔር  (Vatican Media)

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ፓራጉዋይ ርእሰ ብሔር

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 27 ሕዳር ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ንናይ ረፓብሊካዊት ፓራጉዋይ ርእሰ ብሔር ሳንቲያጎ ፐይና ፓላሲዮስ ተቐቢሎም ከም ዘዘራረብን እቲ ክሌኣዊ ርክብ 25 ደቓይቕ ከም ዝወሰደን፡ ርእሰ ብሔር ፐኛ ፓላሲዮስ ካብ ቅዱስነቶም ምስ ተሰናበቱ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዘካየድዎ ክሌኣዊ ርክብ ዛዕባ ምድልዳል ሓባራዊ ርክባት፡ ድኽነት ንምቅላስ ዝብል መርሓ ግብር ናይቲ ሓድሽ መንግስቲ ፓራጉዋይ ስጉምትታት ዑቕባ ከባብን ሰላምን ኣብ ዝምልከቱ ኣርእስታት ተመያይጦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንናይ ፓራጉዋይ ርእሰ ብሔር ሳንትያጎ ፐይና ፓላሲዮስ ዕለት 27 ሕዳር ንጎሆ በቆጻጽራ ሮማ ሰዓት 08.55 ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን እቲ ርክብ እውን ኣብ ሓዋርያዊ መንበር ዘይኮነስ ብምኽንያት ጥዕና ቅዱሰንቶም ኣብ ቅድስቲ ማርታ ህንጻ ኣብ ዝርከብ መንበሪኦም ዝተኻየደ ምንባሩ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ ርእሰ ብሔር ፐይና ፓላሲዮስ ነቲ ምብጻሕ ብበዓልቲ ቤቶምን ብናይ መንግስቶም ላዕለዎት ሰበ - ስልጣናት ተሰንዮም ከም ዘካየዱን ኣፍሊጡ።

ርክብ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር

ርእሰ ብሔር ሳንቲያጎ ፐይና ፓላሲዮስ ሰዓት 09.20 ካብ ቅዱስነቶም ተሰናቢቶም ብናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ርክባት ጉዳያት ወጻእን ኣህጉራውያን ትካላትን ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፕየትሮ ፓሮሊን ከም እተራኸቡን ኣብቲ ርክብ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ረፓብሊካዊት ፓራጉዋይን ዘሎ ሰናይ ዝምድና ንምሕያል ዘሎ ድሌትን ከምኡ እውን ሓድሽ መንግስቲ ፓራጉዋይ “ኣብታ ሃገር ዘሎ ድኽነት ንምምካት” ዝብል ቀዳምነት ዝህበሉ መደብን ናይ ሓባር ረብሓ ዝምልከቱ ኣርስታት ከም ምክልኻል ከባብን ኩነታት ሃገራት እቲ ዞባን ተወፋይነት ንምርግጋጽ ሰላም ኣብ መንጎ ኣህዛብን ኣብ ዝምልከቱ እርስታት ከም እተመያየጡን እቲ ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ ኣብ መንጎ ቅዱስ ኣቦናን ርእሰ ብሔር ፐይናን ብዝተፈጸመ ገጸ በረኸት ናይ ምልውዋጥ ስነ ስርዓት ከም እተዛዘመ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ኣመልኪቶም።

Photogallery

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ፓራጉዋይ ርእሰ ብሔር
28 November 2023, 15:59