ድለ

ናይ ስልኪ ርክብ ኣብ መንጎ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ፍልስጥኤም ርእሰ ብሔር ማሕሙድ ኣባስን ናይ ስልኪ ርክብ ኣብ መንጎ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ፍልስጥኤም ርእሰ ብሔር ማሕሙድ ኣባስን  (AFP or licensors)

ናይ ስልኪ ርክብ ኣብ መንጎ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ፍልስጥኤም ርእሰ ብሔር ማሕሙድ ኣባስን

ዕለት 3 ሕዳር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብስልኪ ምስ ናይ ፍልስጥኤም ርእሰ ብሔር ማሕሙድ ኣባስ ከም እተራኸቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ከፍልጥ እንከሎ ዋፋ እተሰምየ ናይ ፍልስጥኤም ኣገልግሎት ዜና እቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ደው ክብል ሃገረ ቫቲካን እተካይዶ ዘላ ጻዕሪ ኣገዳስን ክቕጽልን ዘለዎ ምዃኑ ኣባስ ንቕዱስነቶም ከም ዝገለጹሎም ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ካብ ጋዜጠይናታት ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ርእሰ ምምሕዳር ፍልስጥኤም ርእሰ ብሔር ማሕሙድ ኣባስ ዕለት 3 ሕዳር ድሕሪ ቐትሪ ብስልኪ ከም እተራኸቡ ከም ዘረጋገጹን ዋፋ እተሰምየ ናይ ፍልስጥኤም ኣገልግሎት ዜና፥ ኣብቲ ዝተኻየደ ናይ ስልኪ ርክብ ፍርንቸስኮ ኣብቲ ዞባን ኣብ ዓለምን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ደው ንምባል ንዝካየድ ጻዕርትታት ሰላም ኣብ ምድጋፍ ዘለዎም ተራን ዘካይድዎ ጻዕርን ርእሰ ብሔር ኣባስ ኣድናቖቶም፡ ከምኡ እውን ቅልጡፍ ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ውሳኔ ክረጋገጽ ሃገረ ቫቲክን እተካይዶ ዘላ ጻዕሪ ክትቕጽለሉ ኣገዳሲ ምዃኑ ከም ዘስመሩሉን ንበርገሳዊ ሕብረተሰብ ካብ ዘስካሕክሕ ኲናት ምድሓን ከም ዘድልን ገሊጾም ዝበለ እቲ ናይ ፍልስጥኤም ኣገልግሎት ዜና ኣስዒቡ፥ ማሕሙድ ኣባስ - ንመብጽሒ ቀረብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን መግብን ከምኡ እውን ቀረብ ማይን ንሓይሊ መብራህትን ቀወምቲ ሰብኣዊ መሰጋገሪ መገዲ ምፍጣር ህጹጽ እዩ ከም ዝበሉ የመላኽት።

ሻቕሎት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

እቲ ውግእ ዕለት 7 ጥቅምቲ ካብ ዚጅምር ኣትሒዙ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ውግእ ደው ንምባል ነቶም ኣብ ኢድ ሓማስ ዘለዉ ጅሆታት ሓራ ክወጹን ንህዝቢ ቓዛ እዋናዊ ናይ ሰብኣዊ ረድኤት ኪቐርብ ከም ዘለዎን ሰላም ንኺህሉ ደጋጊሚም ጻውዒት የቕርቡ ምህላዎምን ኣብ ቓዛ ምስ ዝርከባ ቁምስናታት ቅድስቲ ስድራ ቤት ብቐጻሊ ብናይታ ቤተ ክርስቲያን ምኽትል ቆሞስ ኣባ ዩሰፍ ኣሳድን እናቴ ናቢል ሳለህ ኣብ ኢየሩሳሌም ማሕበር ደናግል ቅዱስ ሮዛሪየም ኣቢሎም ከም ዝራኸቡን በቶም ድሕሪ እቲ ውግእ ምብራዕ ኣብ ኢየሩሳሌም ተዓጊቶም ምስ ዝተረፉ ናይታ ቤተ ክርስቲያን ቆሞስ ኣባ ጋብሬለ ሮማነሊ እውን ብቐጻሊ ይራኸቡ ምህላዎም ዜና ቫቲካን ኣዘኻኺሩ፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ዕለት 22 ከምኡ እውን ዕለት 26 ጥቅምቲ ቅዱሰንቶም ምስ ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ባይደንን ምስ ናይ ቱርኪ ርእሰ ብሔር ኤርዶጋን ብስልኪ ከም እተራኸቡን ኣብቲ ዘካየድዎ ናይ ስልኪ ርክባት ናብ ሰላም ዝመርሕ መገድታት ምርካብን ናይ ኢየሩሳሌም ፍሉይ ዅኔታ ዘረጋግጽ ክልተ ህዝብን ክልተ ጎረባብቲ ሃገርትን መንግስታትን ዝብል ፍታሕ ውሕስነት ዘላቒ ሰላም ምዃኑን እዚ ክፍጸም ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም ከም ዝነበሩ የዘኻኽር።

04 November 2023, 16:50