ድለ

2023.10.25 Udienza Generale 2023.10.25 Udienza Generale  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር. ሊ. ጳ.፦ ስነ-መለኮት ንወንጌል ነዛ አብዚ ዘመን እዚ ዘላ ዓለም ክትርጕመላ ይግባእ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብታ ትማሊ ሰንበት ዝአወጅዋ ሓዋርያዊ ድንጋጌ “ስነ-መለኮት ንምድንፋዕ” ዘርእስታ ሓዳስ ሓዋርያዊት መዕዳን፣ ነቲ ጳጳሳዊ ተቅዋመ ትምህርቲ ዝካየደሉ ዝነበረ ቅዋም ኣመሓይሽዎ፣ አብ መልእኽቶም ቅዱስነቶም "ትብዓት ዝመልኦ ባህላዊ ሰውራ" ክካይድን ኸምኡውን ብመንጽር መለኮታዊ ግልጸት አብ ዘተ ንኽጽመድ ጻውዒት ቕሪቦም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

እታ "ሲኖዶዊትን ንተልእኾ ወንጌል እትወጽእን ንቅድሚት እትስጉምን" ቤተ-ክርስትያን "ንቅድሚት ሕልፍ" ዝበለ ስነ-መለኮት የድልያ ኢዩ።

ኣብታ ትማሊ ሰንበት ዕለት 1 ሕዳር 2023 ዝወጸት ሓዋርያዊት ምዕዳን ብመልክዕ ሓድሽ ሓዋርያዊ ድንጋጌ ቅዋም ናይ ጳጳሳዊ ተቅዋመ ትምህርት የመሓላልፍ ፣ እዚ ድማ ር. ሊ. ጳ. ብዘለዎም ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ፍሉይ ስልጣን ዘውጽእዎ ድንጋጌ ኢዩ። እዛ “ስነ-መለኮት ንምድንፋዕ” እተሰምየት ሓዳስ ሓዋርያዊት ድንጋጌ እተመሓላልፎ ሓሳብ ከምዚ ዝስዕብ ኮይኑ፣ ነቲ ዝነበረ ቅዋም ናይ ጳጳሳዊ ተቅዋመ ትምህርት ዝሕድስ እዩ ።

እዚ ጳጳሳዊ ተቅዋመ ትምህርት እዚ ብ23 ሚያዝያ 1718 ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀለሜንጦስ መበል 11 በታ “ኢንስክሩታቢሊ” (ዘይምርመር) ዘርእስታ ሓጻር መልኽቶም ቀኖናዊ አካል ኮይኑ እንክምስረት፣ "ንሥነ-መለኮት ኣብ ኣገልግሎት ቤተ-ክርስትያንን ዓለምን ንምውዓል" ዝዓለመ ኢዩ ዝነበረ ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብፍልቀት ናብ ሓደ "ብፍሉይ ኣገዳስነት ንዘለዎም ስነ-መለኮታዊ ኣርእስትታት ዳግም ንምምርማርን ንምዕማቝን እተጸውዑ ጕጅለ ሊቃውንቲ" ማዕቢሉ ይርከብ አሎ።

አብዚ እዋን እዚ ድማ ቅዱስ አቦና ነቲ ንንጥፈታት ናይዚ ተቅዋም እዚ መምርሒ ዝኸውን ሕግታት ብምሕዳስ "ነቲ አብዚ ዘሎናዮ ዘመን ካብ ሥነ-መለኮት ዝጽበዮ ተልእኾ ከም ዝሰማማዕ" ኮይኑ ክሕደስ ከም ዘለዎ ወሲኖም።

ሥነ-መለኮታዊ አስተንትኖ ንዓለምን ንደቅሰብን ማለት "ንጸገማቶምን መጉዳእትታቶምን ብድሆታቶምን ተኽእሎታቶምን" ክፉት ብምዃን "ሥነ-ፍልጠታውን ሥነ-ሜላዊን ዳግመ-ህየሳ" ንኽግበር ቦታ ዝህብ ክኸውን አለዎ ። ስለዚ ኸኣ "ትብዓት ዝመልኦ ባህላዊ ሰውራ" ንኸካይድ ተጸዊዑ ኣሎ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ደቂ-ሰባት ኣብ እተፈላለየ መልክዓ-ምድራውን ማሕበራውን ባህላውን ከባቢታት ዕለታዊ ናብራኦም ኣብ ዘካይዱሉ ዘለዉ ዅነታት ንወንጌል ከንብቡን ክትርጕሙን ዝኽእሉ መሰረታዊ ትምህርቲ ሥነ-ስነመለኮት" ከም ዘድሊ ቅዱስነቶም የመክቱ ።

ዘተ ምስ ትውፊታትትን ክፍልታት-ትምህርትን

ቅዱስ አቦና ሥነ-መለኮት "ኣብ መንጎ እተፈላለዩ ትውፊታትን እተፈላለዩ ክፍልታት-ትምህርትን ኣብ መንጎ እተፈላለያ አብያተ ክርስትያናትን እተፈላለዩ ሃይማኖታትን ዘተ ናይ ምግባር ልምዲ ከማዕብል" ከም ዘለዎ በዛ ሓዳስ ሓዋርያዊት መልእኽቶም ይገልጹ።

ሥነ-መለኮት "ምስ ኵሎም ኣመንትን ንዘይኣመንትን ብግንልጺ" አብ ዘተ ክጽመድ አለዎ ።

ቅዱስ አቦና አብ መልእኽቶም "እዚ ሜላ ወይ አቀራርባ እዚ ስገረ-ትምህርታዊ ክእለት ኢዩ" ብምባል ይገልጽዎ ። ከምቲ ሓዋርያዊ ቅዋም “ቨሪታቲስ ጋውድዩም ” (ሓጐስ ሓቂ) ከም ዝብሎ "ንዅሉ ዓይነታት  ክፍሊ-ትምህርቲ አንጻር ድኽመትን ዕንወትን ድሑርነትን ናይቲ ካብ መለኮታዊ ግልጸት ዝምንጩ ጥበብ ዝልግሶ ብርሃንን ህይወትን ንኽዓዪ ኣተኵሮ ዝህቦን ዘነቓቕሖን ኢዩ" ዝብል ትርጕም ከም ዘለዎ ይገልጹ ።

በዚ ምኽንያት እዚ ሥነ-መለኮት "ነቲ ናይ እምነት ሓቅታት ንምስራጽን ከምኡውን ንትምህርቲ ኢየሱስ ክርስቶስ በቲ ሎሚ ዘሎ ቛንቋታት ንምምሕልላፍን ብኻልእ ዓይነት ፍልጠት ዝማዕበለ ሓድሽ ሜላ ወይ አገባብ ክጥቀም" ኣለዎ።

"ጕስነታዊ ማሕተም"

ኣብ ርእሲ እዚውን ሥነ-መለኮት "ከም ናይ ጥበብ ክፍለ-ትምህርቲ መጠን ከምኡ ውን ናይ ሓቂ ወሳኒ ክፍሊ-ትምህርቲ ብምዃኑን ኣብቲ አብዚ ዘመን እዚ ዘሎ 'ናይ ዳግመ ህየሳ' ክርክራት" ኣበርክቶ ኽገብር ይኽእል ኢዩ።

ሥነ-መለኮት "ረቂቕን ስነ-ሓሳባውን ክፍሊ ትምህርቲ ዘይኰነስ መንፈሳዊ" ክኸውን አለዎ ብምባል ቅዱስነቶም፣ ሥነ-መለኮት - "ብኣምልኾን ብጸሎትን ዝዘቕበበን ብርክኻ ዓጺፍካ ዝዕየን ዀይኑ ፣ ንድምጺ ሕዝቢ ብጽሞና ዝሰምዕን ማዕረ ማዕሪኡ ድማ መልእልተ ባህርያዊ ዝኾነ ክፍሊ-ትምህርቲ  ኢዩ"።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት “ሕዝባዊ ሥነ-መለኮት” ቢሎም ዝጽውዕዎ ዘለዉ "ነቲ ኽፉት ቍስሊ ደቅሰባትን ኩሉ ፍጥረትን ከምኡውን ነቲ ናይ መወዳእታ ምልኣተ ተስፋ እንትንበየሉ ኣብ ውሽጢ ታሪኽ ወድሰብ ዘሎ ብዙሕ አቍሳል ብምሕረት እንዝትየሉ" ኢዩ ክብሉ ይድንግጉ።

ቅዱስ አቦና ፍራንቸስኮ ከም ዘገለጽዎ ብሓፈሻ ሥነ-መለኮት አብ ተግባራውነቱ "ጕስነታዊ ማሕተም" ክህልዎ ኣለዎ፣ ስለዚ ሥነ-መለኮታዊ ኣስተንትኖ "ካብቲ ኵሎም ሕዝብታት ዝርኽቡሉ ዘልዉ እተፈላለየ  ከባቢታትን ጭቡጥ ኵነታትን" ክጅምር ኣለዎ፣ በዚ ኸምዚ ድማ "ኣብ ኣገልግሎት ስብከተ ወንጌል" ክጽመድ ኣለዎ።

አቡነ ስታሊያኖ፦ ሓድሽ ተልእኾ ሥነ-መለኮት

ናይ ጳጳሳዊ ተቕዋመ ሥነ-መለኮት አቦ-መንበር ብፁዕ አቡነ ኣንቶኒዮ ስታሊያኖ እዚ አዋጅ እዚ ሓድሽ ተልእኾ ምዃኑ ይገልጹ ።

እዚ ተልእኾ እዚ ይብሉ ብፁዕነቶም "ህይወት ኵሎም ሕዝብታት ሥነ-መለኮታዊ ህይወት ምእንቲ ክኸውን ንብምሉኦም ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ሥነ-መለኮታዊ ምርምር ንምጽማድን ንምስታፍን ኣብ ኵሉ መዳያት ፍልጠት ምትሕብባርን ዘተን ዘተባብዕ ኢዩ፣" ክብሉ መስከሩ።

02 November 2023, 15:45