ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽ ካብ ሱሩ ክውገድ ጻውዒት የቕርቡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽ ካብ ሱሩ ክውገድ ጻውዒት የቕርቡ 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽ ካብ ሱሩ ክውገድ ጻውዒት የቕርቡ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንሃገራዊ ወፍሪ ኣንጻር ኩሉ ዓይነት ዓመጽ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “ደረጃ ሰብኣውነትና ንደቂ ኣንስትዮ ብኹሉ ሸነኻተን ብኸመይ ከም እንከናኸን እዩ ዝግለጽ” ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ሕብረተሰብና ዘሳቕይን ካብ ሱር ክውገድ ዘለዎ መርዛም ክርዳድ” እንክብሉ ቅዱሰንቶም ነቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽ ዝገለጽሉ ኣብ ኢጣሊያ ናይ ራይይ ሓደ መደብር ራዲዮን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽ ክውገድ ዝዓዪ ናይ ደቂ ኣንስትዮ መረብታዊ ማሕበርን፥ ብደቂ ተባዕትዮ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ማዕበል ዓመጽ ብዝብል መርሕ ቃል ናብ ዝተዳለወ መደብ ኣሰናዳእትን ኣነቓቓሕትን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልኽቲ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ብቑልጡፍ ስጊምቲ ምውሳድ

እቲ ጻውዒት “ኣብ ዘይምግዳስ ከይንጸንሕ ብቑልጡፍ ኣብ ኩሉ ደረጃታት ብቆራጽነት ህጹጽነትን ትብዓትን ክንዋሳእን ድምጺ ዘይብለን ኣሓትና ድምጺ ምሃብ” ዝበሉ ቅዱሰንቶም ኣብ መልኽቶም ኣስዒቦም፥ “ደረጃ ሰብኣውነትና ንጓል ኣንስተይቲ ብኸመይ ከም እንሕዝን እንከናኸንን እዩ ዝግለጽ . . . ብዙሓት ደቂ ኣስንትዮ ዝተደፍራን ዝተበደላን ጊላዎት ዝኾናን ናይቶም ኣካለንን ህየወተንን ከም ድላይና ክንብገሮ ንኽእል ናይ ዝብል ትምክሕቲ ግዳያት ንስስዐ ደቂ ተባዕትዮ ዝዳረጋን ንምድሓን ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽ ካብ ሱሩ ከነወግዶ ግድን እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ደቂ ኣንስትዮ ከም ንብረት ዝሓስብ ጎዳኢ ባህሊ

“ኣብ ብዙሕ ቦታታትን ኣብ ብዙሕ ኩነታትን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ድሕሪት ኮፍ ክብላን ድሕሪት ክኾናን ከም ዝተሓታ ገርካ ምሕሳብ ከም ንብረት ከም ዝሕሰባን ሓደ ሰብ ከም ንብረት ምሕሳብ ዝብል ክብሪ ዝቕንጥጥ ከተንብሮን ክትኣልዮን ከም ድላይካ ክሳብ ዝብል ዓይነት ኣመለኻኽታን ተግባርን ምውጋድ” ናይ ኩላትና ሓላፍነት እዩ።

ዕበለላ ኣብ ዘለሉ ግህሰት ኣሎ

ፍራንቸስኮ ነቲ ብሓደ ንዕቤት ደቂ ኣንስትዮ ዝድግፍ። በቲ ካልእ ወገን ግን “ኣብ ትፍግዕተይናነት (ሄዶንነት) ሃልኪ ዝተመርኮዘ ኣመለኻኽታን ቅድን ንሰብኣዊ ፍጥረት ከም ንመዐቀኒ ዓወትን ርእሰ ምርግጋጽን ዝቐርብ መልእኽቲ ኣብ ምሕላፍ መራኸቢ ብዙሓን ዝጻወቶ ተራ ኣጉሊሖም፥ እዚ ናይ ውደራን ናይ ምሕሳብን ናይ ምዕብላልን ሓይሊ” ምዃኑ እውን ብኣጽንዖት ኣብሪሆም፥ ዕብለላ ኣብ ዘለሉ ግህሰት ኣሎ፥ ጐይታ ናጻን በዓል ምሉእ ክብሪ ክንከውን እዩ ዝደልየና” ከም ዝበሉን፥

ምክብባር ምምሃር

ስለዚ ይብሉ ቅዱሰንቶም፥ “ክብሪ ሰብ ኣብ ማእከል ዘቐምጥ ኣብ ሓድሕዳዊ ምክርብባርን ኣፍልጦን ዝተመርኮሰ ፍታሓውን ሚዛናውን ዝምድናታት ካብ ስድራ ቤት ብምብጋስ ኣብ ትምህርቲ ምስፋሕ ኣድልያነት ዘለዎ ህጹጽ ትምህርቲ” እዩ እንክብሉ መልእኽቶም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

09 November 2023, 16:17