ድለ

ኩነታት ጥዕና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኩነታት ጥዕና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ  (Vatican Media)

ኩነታት ጥዕና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

ሎሚ ዕለት 30 ሕዳር ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ብዛዕባ ኩነታት ጥዕና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥ ዝከታተልዎ ዘለዉ ፍወሳን ምምሕያሽ የርእዩ ከምዘለዉ ኣፍሊጦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ኩነታት ጥዕና ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝተረጋግአ እዩ” ነዚ ዝበሉ ዕለት 29 ሕዳር ምሸት መግለጺ ዝሃቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ማቴዎ ብሩኒ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ "ረስኒ ዘይብሎም እኳ እንተኾነ፡ ምስ ጸገም ምስትንፋስ ዝተኣሳሰር ነድሪ ሳንቡእ ግን ገና ከም ዘይሓደጎም" ሓቢሮም “ፍወሳ ጸረ-ነፍሳት ይቕጽሉ ኣለዉ” ኢሎም።

ዝሓለፈ ቀዳም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብጥዕና ምኽንያት ንኸካይድዎ ብመደብ ተታሒዙ ዝነበረ ዓበይቲ መርሓ ፍጻሜታት ከም እተሰረዘ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብ ድሮ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ሮማ ኣብ ዝርከብ ዓቢይ ቤት ሕክምና ጀሜሊ ክፍሊ ዝኾነ ኣብ ሮማ ቲቤሪና ደሴት ኣብ ዝርከብ ቤት ሕክምና ናይ ሳምቡእ መርመራ ከም ዝገበሩን ሕማም ሳምቡእ ዘይብሎም እኳን እንተኾነ ምስ ጸገም ምስትንፋስ ዝተኣሳሰር ነድሪ ሳንቡእ ግና ከም ዘይሓደጎምን ካብዚ ጸገም እዚ ንኽላቐቑ ፍወሳ ጸረ-ነፍሳት ይቕጽሉ ኣለዉ ምስ በሉ፡ ንቁሪ ንኸይቃልዑ ድማ ዝሓለፈ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ዝርከቡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ምስ ዝመጹ መፍነሳውያን ነጋዶ ዝልግስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔርን ብሓባር ዝደገምዎ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ዘይኮነ ካብ መዕረፊኦም ቅድስቲ ማርታ ህንጻ ከም ዝነበረ ማተዮ ብሩኒ ኣዘኻኺሮም፡ ምእመናን ብጸሎቶም ስለ ንዝገልጽሎም ዘለዉ ቅርበቶም እውን ከም ዘመስገኑን ዕለት 28 ሕዳር ነቲ ሓካይም ዕረፍቲ ክገብሩን ንቑሪ ከይቃልዑን ዝብል ምኽሮም ብምስዓብ ነቲ ካብ ዕለት 1 – 3 ሕዳር ኣብ ዱባይ ኣብ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ መበል 28 ዋዕላ ዛዕባ ከባቢ ኣየር ክሳተፉን መደረ ከስምዑን ዝነበሮም መደብ ጉዕዞ ክስርዙ ከም እተገዱ ቅዱስነቶም ባዕሎም ድሕሪ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ከም ዘፍለጡ ብሩኒ የዘኻኽሩ።

30 November 2023, 16:22