ድለ

2023.11.26 Angelus 2023.11.26 Angelus  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮ ብሰንኪ ዘጋጥመሞ ናይ ጥዕና ጸገም ዘስግእ ኩነታት የብሎምን

ዋና አመሓዳሪ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን አብ ዘውጽኦ መግለጺ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ቅዱስ አቦና አብ ዝገበርዎ ሕክምናዊ መርመራ ኒሞንያ ከም ዝለዎም እኳ እንተ ተፈልጠ አብ ጽቡቕ ኩነታት ከም ዘለውን ሕክምናዊ ክንክን ይግበረሎም ከም ዘሎን አፍሊጡ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

"ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ጽቡቕን ርጉእን ኵነታት ኢዮም ዘልዉ፣ ረስኒ የብሎምን ኵነታት ምስትንፋሶም ድማ ይመሓየሽ ከም ዘሎ ንጹር ኢዩ።" ክብል ማቴዮ ብሩኒ ዋና አመሓዳሪ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤትጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዘውጽኦ መግለጺ የመላኽት።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከምቲ ባዕሎም ቅድሚ ጸሎት መልአከ እግዚአብሔር ዝሓበርዎ ብሰንኪ ረኽሲ ሰናቡእ ናይ ምስትንፋስ ጸገም ከም ዘለዎም ተፈሊጡ አሎ ።

ብሩኒ ከም ዝሓብሮ ቅዱስ አቦና ዝሓለፈ ቀዳም ድሕሪ ቐትሪ ኣብቲ ኣብ ደሴት ታይበርያ ሮማ ዝርከብ ሆስፒታል ጀመሊ ዝገብርዎ ሕክምናዊ መርመራ "ካብ ዝነበሮም ኔሞና እዃ እንተ ሓወዩ፣ ነድሪ ሳምቡእ ስለዝስዓበሎም ናይ ምስትንፋስ ጸገም ይስምዖም አሎ" ክብል የመላኽት ።

ብሩኒ አብ መግለጺኡ ሕክምናዊ ክንክን ይረኽቡ ከም ዘለዉን ዘድልዮም መድሓኒታት ይወስዱ ምህላዎምን ውን አመልኪቱ ።

ዝቕጽል ንጥፈታት ቅዱስነቶም

 ብሩኒ ኣስዕብ ኣቢሉ "ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብቕልጡፍ ንኽሓውዩን፣ ነቲ ዘድሊ ግዜን ጕልበትን ምእንቲ ኽውፍየሎም ኣብ ዝቕጽል ሒደት መዓልትታት ተመዲቡ ዝነበረ ገለ ኣገዳሲ መደባት ናብ ካልእ ግዜ ተመሓላሊፉ አሎ" ክብል ሓቢሩ ።

ይኹን እምበር ካልኦት መደባት ነዚ ሕጂ ዘለዎ ጥዕናዊ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ከም መንግስታዊ ባህርይ ወይ ንኽትቅይሮም ዝጸግሙ ምስ ዝኾኑ ከም ዘለዉዎ ከም ዝቕጽሉ የመላኽት ።

27 November 2023, 16:18