ድለ

ር. ሊ. ጳ.፦ ክርስትያን ተባዓት መሳርሒ ፍቕሪ ኪዀኑ ኣለዎም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ደረት ወይ ድሩትነት ብዘየገድስ ምስ ኢየሱስ ምርኻብን ወንጌል ምክፋልን ናይ ኩሉ ሰብ ጻውዒት ምዃኑ ኣጕልሑ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሎሚ ረቡዕ ዕለት 22 ሕዳር ነቶም አብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ንዝተረኽቡ ምእመናን፣ ናይቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዘቕረብዎ ትምህርተ ክርስቶስ አርእስቲ ፍረ ነገር ክርስትያናዊ ኣዋጅ "ሓጐስ" ምዃኑ ከም ዝነበረ ብምዝካር አስተምህሮኦም ጀመሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም መቐጸልታ ናይዚ ድማ እቲ ኻልኣይ መዳይ ክርስትያናዊ ስብከተ ወንጌል፣ እቲ ሎሚ እንተኩረሉ "ንዅሉ ሰብ ከም ምዃኑ" ዝብል አርእስቲ ከም ዘስተምህሩ ብምግላጽ አስተምህሮኦም ቀጸሉ ።

ካብዚ ብምቕጻል ምሉእ ትሕዝቶ አስተምህሮ ቅድስነቶም ነቕርበልኩም፦

ፍቑራት ኣሕዋትን ኣሓትን ከመይ ሓዲርኩም!

 

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ክርስትያናዊ ኣዋጅ ሓጐስ ምዃኑ ድሕሪ ምርአይና ሎሚ ድማ በቲ ካልአይ መደዩ ማለት ንኹሉ ሰብ ከም ምዃኑ ከነስተንትን ኢና ። ምስ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብሓቂ ኣብ እንራኸበሉ እዋን፣ እዚ ዘደንቕ ምርኻብ እዚ ኣብ ህይወትና ምልኣት ስለ ዝህቦ፣ ካብ ገዛእ ርእስና ወጺእና ናብ ካልኦት ከነብጽሖ ውን ይሓትተና ኢዩ ። እዚ ድማ ፍቓድ ጐይታና ኢዩ፣ ወንጌሉ ድማ ንዅሉ ሰብ ዝኸውን ኢዩ ። ብሓቂ ክርስቶስ አብ ክንዲ ኩሉ ስለ እተወልደን ስለ ዝሞተን ከምኡ ውን ከም ብሓድሽ ስለ ዝተንስአን ኣብኡ "ሰብአውነት ዘልብሰና ሓይሊ" ኣሎ።

ኣብታ ሓጐስ ወንጌል እተሰምየት ሓዋርያዊት ምዕዳን ከም እንረኽቦ ኵሉ ሰብ "ንወንጌል ናይ ምቕባል መሰል ኣለዎ " ዝብል ሓቂ ጽሒፈ አሎኹ ። ክርስትያን ከኣ ንዋላ ሓደዃ ከየጓነዩ ንኹሉ ወንጌል ናይ ምስባኽ ግዴታ ኣለዎም ። ንሰባት ሓድስቲ ግዴታታት ኣብ ክንዲ ምጽዓኖም፣ ንሓጐሶም ዘካፍሉ ሰባት ኮይኖም ክርከቡ ኢዩ ዝግባእ፣ ከምኡ ውን ናብ ናይ ጽባቐ አድማስ ዜመልክቱን ንኻልኦት ናብቲ ሠናይ ዝኾነ መአዲ ዚዕድሙን ክኾኑ ኣለዎም። ቤተ-ክርስትያን ብምስዳዕ ዝኮነትስ 'ብስሕበት ወይ ተመስጦ' እያ እትዓቢ"(ቍ.14)። ኣሕዋትን ኣሓትን አገልግልቲ ናይቲ ኣድማሳዊ ዕላማ ናይ ወንጌል ከም ዝኾና ዀይኑ ይሰምዓና ፣ ካብ ገዛእ ርእስና ኽንወጽእን ንዅሉ ደረት ክንሰግሮን ከም እንኽእል ድማ ንፍለጥ ። ክርስትያን ካብ ኣብ ሳክርስቲ ንላዕሊ ኣብ ቅርዓት ቤተክርስቲያን ይራኸቡ ከምኡ ድማ "ናብ ጐደናታትን መገድታትን ናይ ኸተማ" ይኸዱ (Lk14፡21) ክፉታትን ዘስፋሕፍሑን ክኾኑ ኣለዎም ፣ ነዚ ባህርያት ከኣ ካብቲ ንህላዌኡ አብ መላእ ዓለም ቀጻሊ ጉዕዞ ዝገብሮን፣ ንዅሉ ሰብ ንምርካብ ቢሉ ዝፈጸሞን ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ካብ ገሊኡ ርክባቱ ንኽምሃሩ ዝዓለመ ቀጻሊ ጕዕዞ ዝገብር ኢየሱስ ዝመጸ ኢዩ ።

በዚ መዳይ እዚ ቅዱስ ወንጌል ነቲ ኢየሱስ ምስ ሓንቲ ጓላ ዝሓመመታ ኼሕውየላ ዝለመነቶ ከነኣናዊት ጓና ሰበይቲ ብዜገርም መገዲ ዝከበሮ ምርኻብ ይገልጸልና (ማቴ.15፡ 21-28)። ኢየሱስ "ናብተን ዝጠፍኣ ኣባጊዕ ቤተ እስራኤል" ጥራይ ከም እተላእከ "እንጌራ ቘልዑ ወሲድካ ነኽላባት ምሃብ ግቡእ ኣይኰነን" ብምባል ኣበያ (vv. 24, 26)። እታ ሰበይቲ ግን "ኣኽላባት እውን ከይተረፉ ነቲ ኻብ መኣዲ ጐይታኦም ዝወደቐ ርፍራፍ ይበልዑ እዮም" ኢላ መለሰትሉ (v.27)። ኢየሱስ በዚ ተተንከፉ "ኣቲ ሰበይቲ እምነትኪ ዓባይ እያ! ከም ዝደለኻዮ ይኹነልኪ" በላ (v. 28)። እዚ ርክብ እዚ ብሓቂ ፍሉይ ዝኾነ ርክብ እዩ ዝነበረ ። ሓደ ሰብ ንኢየሱስ ሓሳቡ ኸም ዚቕይር ጥራይ ዘይኰነስ፣ እኳ ደአ ሓንቲ ጓናን አረማዊትን ሰበይቲ፣ ልዕሊ ኹሉ ድማ በዚ ስብከቱ ናብቶም ናቱ ዝኾኑ ህዝቢ ጥራይ ዘይኰነስ ንኹሉ ኽፉት ኪኸውን ከም ዘለዎ እውን አረጋጊጹ እዩ።

ኣምላኽ ንሓደ ሰብ ጸዊዑ ምስኡ ኪዳን ክተአታቶ እንከሎ፣ እቲ መለክዒ ንገለ ሰባት ዝመርጾም ብኣኣቶም አቢሉ ንኻልኦት ንክበጽሖም  ከም ምዃኑ  ቅዱስ መጽሓፍ ይሕብረና ኢዩ ። ኵሎም እቶም ኣዕሩኽ ጐይታ ዝነበሩ ነቲ ጽባቐ “ሕርየቶም” ተመኪሮምዎ ኢዮም፣ እንተዀነ ግን ሓላፍነትን ጾርን ናይቲ ጸዋዕታኦም ውን ጢዒሞሞ ኢዮም ። ብናይ ገዛእ ርእሶም ድኽመት ወይ ምጥርጣራት ብዙሕ ግዜ ተስፋ ቘሪጾም ኢዮም። እቲ ዝዓበየ ፈተና ግን ነቲ እተቐበልዎ ጻውዒት ከም ፍሉይ መሰል ገይርካ ምርኣዩ ኢዩ፣ ከምኡ ውን እዚ ማለት ካብ ካልኦት ፍሉይ ዝኾንካ ኮይኑ ክስምዓካ እንከሎን “ኣምላኽ ምሳና ኢዩ፣ ኣምላኽ ናትና ኢዩ” እናበልካ ነዚ ንናይ ገዛዕ ርእስኻ መኽሰባት ምጥቃሙ ኢዩ ዝነበረ ። ኣብ ክንዳኡስ ቅዱስ መጽሓፍ ብኣንጻሩ እዩ ዚምህረና፣ ኣምላኽ ሓደ ሰብ ኪመርጽ ከሎ ንዅሉ ሰብ ንምፍቃር እዩ ። ኣምላኽ ነታ ዓባይን ንኹሉ ዝኾነት ፍቕሩ ዝምስክርን ዘንጸባርቕ  ናጻን ተባዕን መሳርሒ ኺገብረና ደኣ እምበር ትርጋጽ ክንከውን ኣይኰነን ዚጽውዓና። ቤተ-ክርስትያን ናይቶም ፍጹማትን ፍሉያትን ሰባት ቦታ ዘይኮነትስ የግዳስ ነቲ ብጸጋ ዝፈልጥዎ ኢየሱስ ዝምስክሩን ነቲ ምእንቲ ኵሎም ዘማልድን ዝጽልን ዘፍቅርን ከምኡ ውን ገዛዕ ርእሱ ምእንቲ ዓለም አሕሊፉ ዝህብን ኢየሱስ መሰኻኻር ዝኾኑ ማሕበር ደቀ መዛሙርቲ ኢያ ።

ኣምላኽ ንሓደ ሰብ ኪመርጽ ከሎ ንዅሉ ሰብ ንምፍቃር ከም ምዃኑ ኣይንረስዕ ። ነዚ ኣድማሳዊ ድፍኢት እዚ ተበላሓትን ትብዓትን ክንከውን የድልየና እዩ ። ንክርስትና ምስ ባህልን ምስ ዓሌትን ስርዓታትን ከነተሓሕዞ ዝመጸና ፈተና እውን አሎ ። በዚ ኸምዚ ግን ነቲ ሓቀኛ ካቶሊካዊ ባህሪኡ ወይ ውን ነቲ ፍሉይ ዝኾነ አድማሳዊ ባህርያቱ አጥፊኡ ኣብ መወዳእታኡ ንናይ ዓለም መደባት ኢዱ ብምሃብ ምስቲ ወንጌል ዘስተምህሮ ሓቂ ብምጽራር አብ ሓደጋ ምክፍፋልን ጽልኢን ተቓውሞን ይወድቕ ማለት ኢዩ ። ነዚ አይንረስዕ ኣምላኽ ንገለ ሰባት ዝመርጽ ንዅሉ ምእንቲ ከፍቅር ኢዩ ። እዚ ንነፍሲ ወከፍና ዝምልከት መልእኽቲ ኢዩ - ጸሎትናን ንህይወትና ናብ ጐይታ ምውፋይናን ምእንቲ ካልኦት ኢዩ ። ስብከትናን ኣገልግሎትናን ንዅሉ ሰብ ኢዩ፣ እንተ ዘይኰይኑ ግን ገለ ነገር ጎዲልዎ አሎ ማለት ኢዩ። ነቶም ኣብ አብ ጥቓና ዘለዉ ዘይኣመንቲ ጐረባብትና ክንርእዮም ከለና ኸኣ፣ ከም ተቐበልቲ ናይቲ ንህይወትና ዝቐየረ ጽባቐን ሓጐስን ናይ ወንጌል ጌርና ንርኣዮም። ንሳቶም እውን ተቐበልቲ ናይዚ ተመሳሳሊ ሓጐስ እዮም ! ኢየሱስ አጓነይቲ ክንከውን አይደልየናን ኢዩ፣ እኳ ደአ ንኹሉ ተቐበልትን ኣሳተፍትን ክንከውን ኢዩ ዝደልየና፣ ከመይ ወንጌል ንዓይ ጥራይ እትብሎ ዘይኰነስ ንዅሉ ኢዩ ።

22 November 2023, 16:05