ድለ

ር. ሊ. ጳ.፦ ክርስትያን ነቲ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ዘለዎ ሕብረተሰብና ብሓጐስ ወንጌል ክልውጥዎ ኣለዎም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ሰሙናዊ ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ንዝገብርዎ ዝለው ተኸታታሊ ትምህርትታት ብዛዕባ ሓዋርያዊ ቅንኣት ብምቕጻል፣ ወንጌል ነዚ ሎሚ ዘሎ ዓለም ህያው ከም ምዃኑ አስተምሃሩ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ አብቲ ዘካየድዎ ናይ ዕልተ ረቡዕ አስተምህሮ ትምህተ ክርስቶስ ብዛዕባ’ቲ አብ “ናይ ወንጌል ሓሴት!” ዘርእስቱ ሓውርያዊ ምዕዳኖም ዝጠቐስዎ ሳልሳይ መዳይ ስብከተ ወንጌል ብምዝካር “ወንጌል ሎሚ ውን ህያው!” ኢዩ እንክብሉ አስተምሃሩ።

ክቡር የኔታ ኣባ ፊሊፕ ካምፓኔሊ በዓል መዚ ቅድስቲ መነብር፣ ቅዱስ አቦና ጌና ጥዕናኦም ስለዘይተመሓየሸ አብ ክንዲ ቅዱስነቶም ብምዃን፣ ነቲ ቅዱስነቶም ዘዳልውዎ አስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ አንበቡ ።

ቅዱስ አቦና አብ አስተምህሮኦም ብዛዕባ’ቲ ናይዚ ዘመን ክርስትያን ክነቕሑሉ ዝለዎም ኣብ መልእኽቲ ክርስቶስ ዚርከብ ሓጐስ ኣተኲሮም አስተንትኖ አቕሪቦም ።

ካብዚ ብምቕጻል ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ቅዱስነቶም ዝለገስዎ አስተምህሮ ነቕርበልኩምል፦

 

28. ወንጌል ሎሚ ውን ህያው ኢዩ!

ፍቁራት አሕዋትን አሓትን ከመይ አሓዲርኩም!

 

ኣብዘን ዝሓለፋ ሰሙናት ክርስትያናዊ ስብከተ ወንጌል ሓጐስ ከም ዝዀነን ንዅሉ ሰብ ከም ዝኾነን ርኢና ኔርና፣ ሎሚ ድማ ነቲ ሳልሳይ መዳይ ክንርኢ ኢና ፣ እዚ ኸኣ ስብከተ ወንጌ ሎሚ ውን ህያው ከም ዝኾነ ኢዩ ።

ዳርጋ ዅሉ ሳዕ ብዛዕባ እዚ ግዜና ሕማቕ ዝኾነ ዕላላት ክዝረብ ኢና እንሰምዕ ። ውግእን ወረ ውግእን፡ ምዝባዕ ዅነታት ኣየር፡ ዓለምለኻዊ ምጕዳል ፍትሕን ስደትን፡ ናይ ስድራቤትን ተስፋን ቅልውላዋት ኮታትስ ዘይንሻቐለሉ ጉዳይ ወላሓንቲ የብልናን ። ብሓፈሻ ክርአ ከሎ ሎሚ ንውልቀ-ሰብ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ቐዳምነት ኣብ ምሃብን ንቴክኖሎጂ ከአ በቲ አብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ንዘለዉ ብዙሕ ጸገማት አብ ምፍታሕ ብዝረኸቦ ዓቢይ ዓቕሚ ማእከል ናይ ኩሉ አብ ምግባር ዘተኰረ ባህሊ ዘሎ ኢዩ ዝመስል ። እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ግን እዚ ተግባረእዳውን ውልቀ-ሰባውን ዝኾነ ባህሊ አብ ምዕብልናኡ ደረት ኪገብረሉ ዘይደልን፣ ብዛዕባ እቶም ዚወድቁ ዘይግድሶ ናጽነት ከም ዚህሉ ዝገብር ኢዩ ። ስለዚ ኸኣ ነቲ ደቅሰባት ዘለዎም ዓበቲ ትምኒታት መብዛሕትኡ ግዜ ምስቲ ሰፊሕ ዝኾነ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ቝጠባ ስለ ዘየተሓሕዞ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ነቶም ዘየፍርዩን ክንዮ እቲ ዘይረኸብዎ ብምጥማት ንዝቃለሱ ሰባት ዘወግኖም ናይ ህይወት ድሩትነት ኢዩ። ኣብ መላእ ዓለም ብዘይ ህላወ ኣምላኽ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ንምውዳብ ጻዕሪ አብ ዝግበረሉ ዘሎ፣ ኣብ ታሪኽ ንመጀመርታ ግዜ አምላኽ ዘይብሉ ስልጣነ ዝምዕብለሉ ዘሎ ዘመን ኢና ዘሎና ኽንብል ንኽእል ። ንሰባት አብ ዓበይቲ ከተማታት ብምምሕዳር ወላኳ ሰማይ ጠቀስ ህንጻታት እንተ ሃነጹ ናብ ሰማይ ክጥምቱ ዘይከአሉሉ ዘመን፣ ከምኡ ውን አብ ገዛእሶምን አብ ነንሕድሕዶምን ጥራይ ተዓጽዮም ዝተረፉሉ ዘመን ኢዩ።

እዚ ክንብል ከሎና እቲ ብዛዕባ ከተማ ባቢሎንን ግምብታቱን ዚገልጽ ቅዱስ መጽሓፋዊ ዛንታ ኢዩ ኣብ ኣእምሮና ዝመጸና (ዘፍ.  11፡ 1-9) ። ንዅሎም ውልቀ-ሰባት ብውጽኢታዊ መገዲ መስዋእቲ ብምግባር ሓደ ማሕበራዊ ውጥን ንምስላጥ ዝተገብረ ጉዕዞ ኢዩ ዘዘንትወልና ። አብቲ እዋን እቲ ደቅሰብ ሓደ ቛንቋ ጥራይ ኢዮም ዝዛረቡ ዝነበሩ - "ሓደ ዓይነት ኣተሓሳስባ " ነይርዎም ውን ኽንብል ንኽእል ኢና ። ድሕሪ’ዚ ኣምላኽ ነቲ ቛንቋኦም አደበላለቖ፣ ማለት ፍልልያት አብ መንጐኦም ከም ዝህሉ ገበረ፣  ፍሉይ ንምዃን ዜኽእል ኵነታት ንመጀምርያ ግዜ ይፈጥር፣ ከምኡ ውን ነቲ ንውልቀሰብ ጸቕጢ ክፈጥረሉ ዝኽል ብዝሓውነት የለዓዕል ። ኣምላኽ ድማ ነቶም ናብ ሰማይ ኪበጽሑን ገዛእ ርእሶም ኣብ ቦታ ኣምላኽ ከቐምጡን ዚደልዩ ዝነበሩ ባቢሎናውንያን ኣብቲ (v. 4) "ስምና ነጸውዕ" እናበሉ ብትዕቢት ኩሉ ከም ዝኽእሉ ገዛእ ርእሶም ዝግምቱሉ ዝነበሩ ኩነት አደበላለቖም ። እንተዀነ ግን እዚ ሓደገኛን ፈታንን ኣዕናዊ ህርፋን ክንዲ ዝነበረ አምላክ ከአ ነቲ ትጽቢታቶም ብምድንጋር ንደቅሰብባት ብምዕቋብ ካብቲ ኣንጠልጢሉ ዝነበረ ጥፍኣት ኣድሓኖም ። እዚ ታሪኽ እዚ እዋናዊ ናይ እዚ ሕጂ ዘሎናዮ ዝመን ምሳሌ ኢዩ ዝመስል - ሎሚ እውን ከይተረፈ ሓድነት ኣብ ክንዲ ብሕውነትን ሰላምን ዝኸውን፣ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ህርፋን ሃገራውነትን ምውሕሓጥን ከምኡውን ኣብ ተግባረእዳዊ-ቝጠባን መዋቕርን እተመርኰሰ ኮይኑ ኢዩ ዘሎ፣ እዚ ኸኣ ኣምላኽ ከም ሓደ ዘየገድን ዘይጠቅምን ኢዩ ዝብል እምነት ዘስርጽ ኢዩ። እዚ ኸኣ ሰብ ዝያዳ ፍልጠት ሃሰስ ይብል ስለዘሎ ዘይኰነስ ልዕሊ ዅሉ ንምዃንን ዝያዳ ሓይሊ ንምድላብ ኢሉ ዝገብሮ ዘሎ ኢዩ። ስለዚ ኣብዚ ሎሚ ዘሎ ባህሊ ዓብዪ ብድሆታት ዘስፋሕፍሓሉ ዘሎ ናይ ፈተና እዋን ኢዩ ።

ኣብታ ናይ ወንጌል ሓሴት ዘርእስታ ሓዋርያዊት ምዕዳን ካልኦት ነገራት ኢየ (cf. nos. 52-75) ክገልጽ ዝፈተንኩ፣ ልዕሊ ዅሉ ግን "ብዛዕባ እቲ ምስ ኣምላኽን ምስ ካልኦት አሕዋትናን አሓትን ከምኡ ውን ምስ ኣከባቢያዊ ዓለምናን እንገብሮ ዝምድና አብ ዝተተሓሓዘ ሓድሽ መገድታት፣ ከምኡውን ዘነቓቕሕ ኣድላዪ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታትን ከብራህርህ ንዝኽእል ስብከተ ወንጌል" ንኽካየድ ኢየ ጻውዒት ዘቕረብኩ። ኣብቲ ሓድሽ ዛንታታትን ምሳሌታትን ዝምስረተሉ ዘሎ ቦታ [ወንጌል] ክበጽሕ አለዎ፣ እዚ ከአ ቃል ኢየሱስ ናብ ውሽጥን ውሻጠን ኸተማታትና ኸም ዚበጽሕ ኢዩ ዝገብሮ" (ቍ. 74)። ብኻልእ ኣበሃህላ ኢየሱስ ክስበኽ ዚኽእል ነቲ አብዚ ግዜ እዚ ዘሎ ባህሊ ደቅሰባት ብምንባር ጥራይ እዩ፣ ነቲ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ህሉው ኵነታት ንእተዛረቦ ቃል ምስ እነስተውዕለሉ ኢዩ "እታ ምሽእቲ ሰዓት ሕጂ ኢያ፣ እንሆ እታ መዓልቲ ምድሓን ሕጂ ኢያ" (2 ቈሮ 6፡2)። ስለዚ ነዚ ሎሚ ዘሎ ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ዝነበረ ኣማራጺታትን ራእያትን ኪነጻጸር ኣየድልን እዩ ። ወላ እኳ ሓቂ እንተኾነ ንሓደ ዝተቐበልካዮ ሃይማኖታዊ መረደእታ ጥራይ ምስሳይ አኻሊ አይኮነን፣ ግዜ እናሓለፈ ብዝኸደ መጠን ዘይጭበጥ ስነ ሓሳብ ስለ ዝኸውን ። ሓደ ሰብ ድምጹ አልዒሉ ስለ ዝተዛረቦ ሓደ ሓቂ እሙን ይኸውን ማለት አይኮነን፣ አብ ህይወቱ ብምንባር እንተ መስከሮ ጥራይ ኢዩ ተቐባልነት ክረክብ ዝኽእል።

ሓዋርያዊ ቅንአት ነቲ ዘጥረኻዮ ኣገባባት ምድግጋም ዘይኰነስ ወንጌል ሕጂውን እንተኾነ ንዓና ህያው ምዃኑ ዘረጋግጽ ምስክርነት ምሃብ ኢዩ። ስለዚ ነዚ ተረዲእና ናብ ዘመናን ባህልናን ብምጥማት ከም ውህበት ጌርና ንቀበሎ አሎና ። ከመይ ንሳቶም ናትና ኢዮም፣ ንኣዓቶም ወንጌል ምስባኽ ማለት ከኣ አብ ርሑቕ ኮይንካ ምፍራዶም ማለት አይኮናን፣ ወይ ውን አብ ሰገነት ደው ኢልካ ስም ኢየሱስ ምጭዳር ውን አይኮነን፣ የግዳስ ናብ ጐደናታት ብምውጻእ ናብቲ ደቂ-ሰባት ዝነብሩሉን ዝሳቐዩሉን፣ ዝሰርሑሉን ዘጽንዑሉን ዝመራመሩሉን ቦታታት ምርካብ፣ ኣብቲ ደቅ-ሰባት ንህይወቶም ትርጕም ንዝረኽቡሉ ነገራት ዝካፈሉሉ ዘለዉ መስቀላዊ መገዲ ምርካብ ማለት ኢዩ። ከም ቤተ-ክርስትያን መጠን "አብቲ ዘተታቶምን ርክባቶምን ሓድነቶምን" ከም መባዅዕቲ ኮይንካ ምርካብ ማለት ኢዩ። ደሓር ከአ ኩሉ እቲ ናይ እምነታትና መግለጺታት ዝኾኑ ትምህርትታና ፍረ ናይቲ ምስ እተፈላልዩ ባህልታትን ማሕበረሰባትን፡ አብ እተፈላለየ ዅነታትን ዝግብረ ዘተታትናን ኢዮም ። ዝርርብ ክንፈርህ የብልናን - ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ትምህርተ መለኮት ናብ ስነ-ሓሳብ ንኸይቅየር ዝሕግዘና ነቐፌታታትን ዘተታትን ኢዮም" (ኣብ ሓምሻይ ሃገራዊ ጉባኤ ናይ ኢጣልያ ቤተ-ክርስትያን፡ ፍሎረንስ 10 ሕዳር 2015 እተዋህበ መደረ)።

ኣብዚ ግዜና ኣብ ዘሎ መስቀላዊ መገዲ ደው ምባል ኣድላዪ ኢዩ ። ነዚ ገዲፍካ ምኻድ ንስከተ ወንጌል የዳኽሞ፣ ንቤተ-ክርስትያን ከኣ ናብ ኣንቈራዊ ምብትታን ገጻ ከም እትኸይድ ኢዩ ዝገብራ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን ኣብአቶም ኣተኩሮ ምግባር ንሕና ክርስትያን ነቲ ኣመክንዮ ናይ ንተስፋና ኸም ብሓድሽ ንኽንርድኦን ካብቲ ክቡር ዝኾነ መዝገብ ናይ እምነት ካብቲ "ሓድሽን ብሉይን" (ማቴ 13 52) ክድልብን ክንካፈልን ይሕግዘና ። ብሓጺሩ ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ለውጢ ኽንገብር ጥራይ ዘይኰነስ፣  ሎሚ ንወንጌላዊ ጉስነት ከነሐድስ ኢዩ ዘሎና። በዚ ከምዚ ድማ ብዝበለጸ አብዚ ዘመን እዚ ንወንጌል ስጋ ምእትን ከነልብሶ (ናይ ወንጌል ሓሴት፡ 25)። ነቲ ባህጊ ናይ ኢየሱስ ናትና ክንግበሮ አሎና፣ እዚ ኸኣ እቶም ብጾትና ንኣምላኽ ዘለዎም ባህጊ ኸየጥፍኡ ንምሕጋዞም፣ ልቦም ናብኡ አቢሎም ንምኽከፍቱን ከምኡውን ነቲ ሎሚ ዀነ ወትሩ ንደቅሰብ ሰላምን ሓጐስን ዚህብ እንኮ ኢየሱስ ንምርካብን ኢዩ።

30 November 2023, 09:46