ድለ

TOPSHOT-PALESTINIAN-ISRAEL-CONFLICT TOPSHOT-PALESTINIAN-ISRAEL-CONFLICT  (AFP or licensors)

ር. ሊ. ጳ.፦ “እቲ ኣብ ቃዛ እተገብረ ስምምዕ ተኹሲ ምቑራጽ ክቕጽል አለዎ” ኢሎም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እቲ ኣብ ቃዛ ኣብ መንጎ እስራኤልን ጉጅለ ሓማስን እተገብረ ተኹሲ ናይ ምቑራስ ውዕል ክናዋሕ ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ ብዘይካ ንኣፍረይቲ ኣጽዋር ንዅሎም ደቂ-ሰባት "ውግእ ወትሩ ስዕረት እዩ!" ድማ በሉ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

"ኵሎም እቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለው ሓራ ምእንቲ ኽውጽኡን፣ ኣድላዪ ሰብአዊ ረድኤት ናብ ቃዛ ምእንቲ ክኣቱን፣ እቲ አብቲ ከባቢ ዝተገብረ ተኹሲ ናይ ምቁራስ ውዕል ክቕጽል ተስፋ እገብር ።" እንክብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ አብ ናይ ሎሚ ረቡዕ ሓፈሻዊ አስተምህሮ ትምህተ ክርስቶስ አብ ዝለገስዎ ቃል ምሕጽንታ አመልከቱ።

ቅዱስ አቦና ኣብ ምሕጽንታኦም "ብዛዕባ እቲ ኣብ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ዘሎ ኸቢድ ኵነታት በጃኹም ብቐጻሊ ንጸሊ" ድማ በሉ። "በጃኹም ሰላም ግበሩ! ሰላም።" እንክብሉ ደጋጊሞም ተማሕጸኑ።

ቅዱስነቶም ነቲ ንግዜኡ እተገብረ ተኹሲ ናይ ምቁራስ ስምምዕ ክቕጽልዎ ከም ዝጸውዕኡ ድሕሪ ምዝኽኻር፣ አብዚ ቀረባ እዋን ምስቶም አብ ቃዛ ዝርከቡ ቁምስና ቅድስቲ ስድራ ብስልኪ ከም ዝተራኸቡ አመልከቱ።

"ማይ የብሎምን፣ እንጌራ የብሎምን፣ ተራ-ሰባት ኢዮም ዝሳቐዩ ዘለዉ፣ እቶም ተራ-ህዝቢ ኢዮም ዝሳቐዩ ዘለዉ" ድማ በሉ። አስዒቦም ድማ ቅዱስነቶም “እቲ ዘሕዝን ድማ እቶም ዚሳቐዩ ዘለዉ እቶም ውግእ ዚገብሩ ዘለዉ አካላት ኣይኰኑን" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ቀጺሎም "ዕለት ዕለት ምእንቲ ሰላም ንጸሊ ምእንቲ ነቶም ገና ብውግእ ዝሳቐዩ ዘለዉ ፍቑራት ህዝቢ ዩክረይን ውን ሰላም ምእንቲኦ ክረኽቡ ንምህለል በጃኹም አይንረስዕ" ውን በሉ።

"ውግእ ወትሩ ስዕረት እዩ!" ድሕሪ ቢሎም አብ መደምደምታ፦ "ብዙሕ ሰብ ይሓልቅ አሎ፣ በዚ ከምዚ ድማ ኵሉ ሰብ ኣይኰነን ብዙሕ ኣታዊ ዝረኽብ ዘሎ፣ እቶም ኣጽዋር ዚሰርሑ ሰባት ብሞት ካልኦት ብዙሕ እዮም ዘእትዉ ዘለዉ" ክብሉ ምሕጽንታኦም ዛዘሙ።

ስምምዕ ንምዋሕ

ጉጅለ ሓማስን እስራኤልን ነቲ ከካይድዎ ዝጸንሑ ዝሓለፈ ሰኑይ ዝተወደአ ተኹሲ ናይ ምቁራጽ ስምምዕ ናብ 48 ሰዓታት ኬናውሕዎ ተሰማሚዖም አለው፣ እዚ ኸኣ ሎሚ ረቡዕ ልክዕ ፍርቂ ለይቲ ብዘይ ዝኾነ ምንዋሕ ክዛዘም እዩ።

ክልቲኦም ወገናት ሎሚ ረቡዕ ዝያዳ ካብቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለውን እሱራትን ክፈትሑ ትጽቢት ይግበረሎም አሎ ። እስራኤል አብ ዝሃበቶ መግለጺ ጉጅለ ሓማስ ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ እንተ ወሓደ 10 ሰባት ካብቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ሰባት እንተ ፈቲሓ እቲ ስምምዕ ኪናዋሕ ከም ዚኽእል ገሊጻ ነይራ።

ብሰንኪ እቲ አብ ቃዛ ዘሎ ኩነታት ነቶም ልዕል 2.3 ሚልዮን ዝኾኑ ፍልስጥኤማውያን ሕማቕ ኩነታት ኢዩ ዀይንዎም ዘሎ፣ እዚ ድማ ብሰንኪ እቲ እስራኤላውያን ንሰሙናት ዝኣክል አብ ልዕሌኦም ዘውረድዎ ዝጸንሑ መጥቃዕቲን ከምኡውን ብሰንኪ እቲ ንሰለስተ ርብዒ ህዝቢ ኻብ ኣባይቶም ንኽመዛበሉ ዝገበሮም ዘሎ ደብዳባትን ኢዩ።

ሰራዊት ጉጅለ ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ዶብ ሰጊሮም 1,200 ንዝኽኑ እስራኤላውያን ምስ ቀተሉን፣ ንልዕሊ 200 ዝኾኑ ሰባት ድማ ጅሆ ሒዞም  ምስ ወሰድዎምን እስራኤል ኣብ ቃዛ መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ከም ዘካየደት ዝዝከር ኢዩ።

30 November 2023, 09:53