ድለ

2013.03.14 ር.ሊ.ጳ. ኣብ ‘ናይ ወንጌል ሓሴት’፥ “ብድኻታት ዝሓልፍ ድሕነት” 2013.03.14 ር.ሊ.ጳ. ኣብ ‘ናይ ወንጌል ሓሴት’፥ “ብድኻታት ዝሓልፍ ድሕነት” 

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ‘ናይ ወንጌል ሓሴት’፥ “ብድኻታት ዝሓልፍ ድሕነት”

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝኽሪ ዓስራይ ዓመት ሕትመት ‘ናይ ወንጌል ሓሴት’ ሓዋርያዊ ምዕዳን፡ ናብ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኣብቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ብኽርስቶስ ናይ ምድሓን ኣዋጅ ድኻታት ማእክል ምዃኖም ይጉልሑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብምኽንያት ዝኽሪ ዓስራይ ዓመት ሕትመት ‘ናይ ወንጌል ሓሴት’ ሓዋርያዊ ምዕዳን ኩለንተናዊ ውሁድ ሰብኣዊ ምዕባለ ኣገልግሎት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ናብ ዘዳለዎ ዓውደ ጉባኤ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ቤተ ክርስቲያን ናይቶም ንጡፍ ተቓውሞን በደላትን በዲሆም ወንጌል ብትብዓት ዝኣወጁ ቀዳሞት ክርስቲያን ልኡካነ ወንጌል ዝነበሮም ሓጎስ ህያው ክትገብር ይዕድሙ። እዚ እውን እቲ እንነብረሉ እዋን ዘቕርቦ ብድሆታት ብምስናፍ ክኸውን ከም ዘለዎ ኣመላኺቶም እዋናዊ ጸገማት “እቲ ዘደንዝዝ ቀስ እናበለ ዝቐትል’ ግን ዘይረኣ ዝመስል ኣብ ምሉእ ታሪኽ ሰብኣዊ ድኽመታት ኢጎነትን ርእሰ ፍትወትን ኣብ ኩላትና ዝሕባእ ህርፋን ፍትወተ ስጋ ኩሉ ጉዜ ኣሎ” እንክብሉ የዘኻኽሩ።

ድሕነትና ምስ ድኻታት ዝተኣሳሰረ እዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ‘ናይ ወንጌል ሓሴት’ ናይ ቤተ ክርስቲያን ወንጌላዊ ተልእኾን ክርስቲያናዊ ህይወትናን “ንድኻታት ሸለል ክብል ከምዘይብሉ” ብንጹር የመላኽቱ። ምልኣት መገዲ ምድሓንና ብድኻታት እዩ ዝለል፡” ኢየሱስ ኣብ መብልዕ ማል ተወሊዱ ኣብ ዕለታዊ ዕዩ ተዋፊሩ ንድኻታትን ዝተመንዝዑን “ኣብ ማእከል ልቡ” ከም ዘንበሮም ቅዱስነቶም ብምዝኽካር፡ ቤተ ክርስቲያን ነቲ “ንጹር ቀጥታው ተራን ኣንደበተ ርቱዕ መልእኽቲ ኢየሱስ ተዛማዲ ዝገብር ፈተናታት  ክትሰግር ይግብኣ ምኽንያት ድሕነትና ኣብ ኢየሱስ ስለ ዝኾነ. . . ድኻታት ሓሊፍካ እትርዮም ዘይኮነስ ኣብ ማእክል ክቕመጡ እዩ ዘለዎም እዚ “ፖለቲካ ስነ ማሕበርሰብ ወይ ህይልዮ” ኣይኮነን፡ ንጹህ ጠለብ ወንጌል እዩ።”

እዚ “ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይኣትው መትከል” ግብራዊ ሳዕቤን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቤተ ክርስቲያናዊ ትካልን ነፍሲ ወከፍ ክርስቲያንን ክረጋገጽ ኣለዎ። ዝኾነ ሰብ ዕሽሽ ክብሎ ወይ ከመኽንየሉ ዘይከኣሎ ነገር እንተሃልዩ እቲ ኩሉ ክርስቲያን ከምኡ እውን ክብሎ ዝደፍር ኩሉ ወዲ ሰብ ንድኻታት ዘለዎ ናይ ፍቕሪ ዕዳ እዩ” ኢሎም።

ዘይማዕርነት ሱር ኩሉ ማሕበራዊ ሕማማት እዩ

ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ኣስዒቦም፥ “ናይ ወንጌል ሓሴት ክርስርቲያን ነቲ ኣብ ሱር ድኽነትን ማሕበራዊ ክፍኣትን ዘሎ ጸገም ዘይምዕሩይነት ክኣልይዎ” ተማሕጺሞም፡ ሓድሽ ማሕበራዊ መሓውራትን ነቲ “ፍጹም ርእሰ ምሕደራ ሓይልታት ዕዳጋን ቁጠባትን ምጽንንጻን” ዝብል ሓድሽ ኣተሓሳስባን ክውገድ ዘቕርብዎ ጻውዒት ደጊሞም የቕርቡ።

“ነዚ ለውጢ ኣተሓሳስባን ኣቃውማን እንተዘይበጻሕናዮ ኩነታት ከባቢ ኣየር ጥዕና ስደት ብፍላይ ድማ ዓመጽን ውግእን እናዓሞቐ ንመላእ ስድራ ቤት ሰብኣዊ ፍጥረት ድኻን ዘይድኻን ዝተወሃሃዱን ዝተነጸሉን ኣብ መዓት ንኽኣትው ክርኢ ንፍረድ” ምስ በሉ እታ “ስቡሕ ኣንተ” ዘርእስታ ቀዳመይቲ ዝለገስዋ ዓዋዲት መልእኽቲ ጠቒሶም፡ ቅልውላው ከባቢ ኣየር “ናይቲ ዝቐትል ዘይምዕሩይ ቁጠባ” ውጽኢት” ምዃኑ የዘኻኽሩ።

ሰቖቓ ድኻታት ምስማዕ

ኣብ መደምደምታ ቅዱስነቶም፥ ወንጌላዊ ተልእኾና ከምቲ ኢየሱስ ዝዓደመና ገይርና ክንነብሮ ክርስቲያን ኣውያት ድኻታትን መሬትን ክሰምዕ ተማሕጺኖም፥ “ነዚ ዝተዳለወ ዓውደ ጉባኤ ባሪኾም ነቶም ኣሰናዳእትን ተጋባእያንን ድማ ኣመስጊኖም፥ “ስለ ዕዮታትኩም የቐንየለይ እባርኸኩም ብጸሎተይ ድማ የሰንየኩም” ኢሎም።

27 November 2023, 09:44