ድለ

ር.ሊ.ጳ. ናይ ወርሒ ታሕሳስ ናይ ጸሎት ሓሳብ፥ “ምእንቲ ስንኩላን”

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ “ኣካለ ስንኩላን ኣብ ማእከል ኣቓልቦ ሕብረተሰብ ምእንቲ ክኾኑ ትካላት ድማ ንጡፍ ተሳትፎኦም ዘዕብዩ ናይ ምትእትታው መደባት ከቕርባ ብሓባር ክጽለ” እንክብሉ፡ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2023 ዓ.ም. ኣብ ኩላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣካለ ስንኩላን ናይ ጸሎት ሓሳብ ክኾኑን ምንታኦም ክጽለ ከም ዝሓተቱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 27 ሕዳር፥ “ስንኩላን ኣብ ሕብረተሰብ ኣብ ማእከል ኣቓልቦ ክኾኑ፣ ትካላት ድማ ንጡፍ ተሳትፎኦም ዘዕቢ ናይ ምትእትታው መደባት ከቕርባ ንጸሊ።” እንክብሉ ኩላዊት ቤተ ክርስቲያንን  ነፍሲ ወከፍ ምመናን ነዚ ሓሳብ እዚ ኣብ ዕለታዊ ጸሎቱ ክነብሮ ብዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልኽቲ ኣቢሎም ከም ዝሓትቱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልኽት፡ ስንኩላን “ካባና እቶም ተነቀፍቲ ኣዝዮም ተነቀፍቲ” ምዃኖም ኣፍልጦ ሂቦም፡ ወሲኾም “ገሊኦም ካብ ድንቁርና ወይ ጽልኢ ዝሰረተ ብዘጓንፎም ምንጻግ ይሳቐዩ፡ እዚ ድማ ንኽሕረጉ ይድርኾም” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ንኹሉ ሰብ ‘ብዓበይ ልቢ’ ምስናይ

እምበኣር በርገሳውያን ትካላት “ተበጻሕነት ትምህርቲ፣ ስራሕ፣ ከምኡ’ውን ፈጠራኦም ዝገልጹሉ ቦታታት” ዝህብ ውጥናት ከሳልጣ ተማሕጺኖም። ማዕረ ማዕረ ድማ ስንኩላን ኣብ ሕብረተሰብ ክሕቆፉን ከይንጸሉን መታን፡ “ብሓላይን ዓቢይን ልቢ” ምስናይ ከምዘድልዮም ር.ሊ.ጳ. ገሊጾም።

“ኣተሓሳስባና ቁሩብ ቀይርና ነዞም ዝተፈላልየ ዓቕሚ ዘለዎም ሰባት፡ ኣብ ሕብረተሰብ ይኹን ኣብ ህይወት ቤተ ክርስቲያን ንዓቅሞምን ክእለቶምን በራት ከነርህው ዝሕግዝ እዩ” ኢሎም።

ኣብ ከባቢ ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያናት ከም ዘይነጻጸል ኣባላት ሕይወት ሰበኻ ኮይነን ናይ ኣካለ ስንኩላን ተበጻሕነትን ተሳትፎን ንኽዓቢ ክሰርሓ እውን ዓዲሞም።

"ምሉእ ብምሉእ ተበጻሒ ሰበኻ ምፍጣር ማለት ኣካላዊ ዕንቅፋታት ምውጋድ ጥራይ ዘይኮነስ" እንታይ ደኣ “ብዛዕባኦም ምዝራብ ኣቋሪጽና ብዛዕባ ‘ንሕና’ ክንዛረብ ይግባኣ - ንኩሉ ዝሃቁፍ” ኢሎም።

ጽባቐ ነፍሲ ወከፍ ሰብ

ናይ ቅዱስ ኣቦና ወርሓዊ ናይ ጸሎት ሓሳብ ዘዳሉ ዓለም ለኸ መርበብ ንናይ ር.ሊ.ጳ. ጸሎት ማሕበር ዕለት 3 ታሕሳስ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስንኩላን ምዃኑ ኣብ ነቲ ናይ ጸሎት ሓሳብ ንምቕራብ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣዘኻኺሩ፥ ኣብቲ ቅዱስነቶም ብምስማዐ ርእየት ዘመሓላለፍዎ ናይ ጸሎት ሓሳብ ኣብ ቤት መግቢ ዝሰርሑ፡ ኣብ መስዋዕተ ቅዳሴ፡ ወይ ኣብ ውድድራት ኣትሌቲክስ ኣካለ ስኩላን ዝሳተፉ፡ ኣብ ሕብረተሰብ ምሉእ ብምሉእ ዝተዋሃሃዱ ስንኩላን ዝምልከት ብስእሊ ዝተደገፈ ኣብነታት የጉልሕ።

ናይ ኩለንተናዊ ውሁድ ሰብኣዊ ዕቢየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ሚካኤል ችዘርኒ፡ እቲ ናይ ወረሒ ታሕሳስ ናይ ጸሎት ሓሳብ ዕላማ “ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዘለዎ ምስጢር” ንኽንፈልጥ ይሕግዘና ኢሎም።

ከምቲ ኢየሱስ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ጽባቐን ተስፋን ዝረኣየ፡ እንኮላይ እቶም ዝተፈላለየ መልክዕ ተነቃፍነት ዘለዎም፡ ከምኡ ድማ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኩሉ ሰብ ህላወ እግዚኣብሔር ትፈልጥ” ቢሎም ኣስዒቦ፥ “እቶም መብዛሕትኡ ግዜ ንዅሉ ዘይሓቁፍ ሕብረተሰባትና፡ ኣብነት ኢየሱስ ብምስዓብ፡ ክብሪ ዅሉ ሰብ ምእንቲ ኺኽበርን ሕውነት ምእንቲ ኺዓቢን፡ ሓባራውን ጭቡጥን ተወፋይነት የድልዮም” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

29 November 2023, 15:53