ድለ

ITALY-ART/MICHELANGELO ITALY-ART/MICHELANGELO 

ር. ሊ. ጳ.፦ ስነ ጥበብ ነቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ዘሎ ርክብ ዜንጸባርቕ እዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኣብ ቫቲካን ዝተኻየደ ዋዕላ ብዛዕባ ስነ-ህንጻዊ ውርሻ ቅድስቲ መንበር ናብ ንተሳተፍቲ መልእኽቲ አመሓላሊፎም፣ ንጽባቐ ስነ-ጥበብ ከኣ ከም መርኣያ ናይቲ ኣብ መንጎ ደቅሰባትን ኣምላኽን ዘሎ ስሙር ሕብረት ገይሮም ከም ዝርድእዎ ገለጹ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ትማሊ ረቡዕ ዕለት 22 ሕዳር አብ ሃገረ ቫቲካን  "100 ዓመት ንጥፈታት ናይ ኮሚሽን ሓወልትታት ንምዕቋብን ንውርሻ ስነ-ህንጻ ቅድስቲ መንበር ንምሕላውን - (1923-2023)" ዘርእስቱ ዋዕላ ተኻዪዱ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብ ኣቦ መንበር ናይዚ ኮሚሽን ፕሮፌሰር ፍራንቸስኮ ቡራኔሊ ኣብ ዝለኣኽዎ መልእኽቲ ነቶም ኣብቲ ዋዕላ ዝተሳተፉ ቅዱስነቶም ሰላምታን ለበዋን አመሓላለፉሎም ።

ቤተ-ክርስትያን አብ ዕቃቤ ባህላዊ ዘበርከተቶ እጃም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም ታሪኻውን ስነ-ጥበባውን ውርሻ ናይ ቅድስቲ መንበርን ግዝኣት ሃገረ ቫቲካንን ምክንኻን ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕልሑ።

እዚ ባህላዊ ውርሻ ደቅሰባት ናይ ምዕቃብን ምክንኻንን ባህጊን ሰፊሕ ተቐባልነትን ንፈለማ ዝተረኸበ  ኻብታ ጥንታዊት ግዝኣት ሓውሲ ደሴት ኢጣልያ፣ ብፍላይ ከኣ ካብቲ ጳጳሳዊ ግዝኣት ተባሂሉ ዝፍለጥ ዝነበረ ከም ዝመጸ ገለጹ።

ካብ መበል 15 ዘመን ጀመሚርካ ዝሓለፉ አርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ካብቲ ሮማ ዝገበረቶ ስነ-ጥንታዊ  ኵዕታ ኣትሒዙ ኽሳዕ እቲ ኣብ መላእ ኤውሮጳ ዚርከብ እቶም ልዑላንን፣ ሊቃውንትን፣ ሓጼያትን ዝኣከብዎ ናይ ብሕቲ መዛግብቲ ውርሻ ንኸይንቀሳቐስ ዚዓግት ኣዋጅ ኣውጽኡ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከም ዝገለጽዎ ኣብ መበል 17ን 18ን ክፍለ ዘመን ዝነበሩ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት "ነቲ ብዙሕ ስነ-ጥበባዊ ስርሓት ንምሻጥ ዝግበር ምቅስቓሳት ዝእግድን፣ ነቲ ዘሰምብድ ዕንወት ዘመነ ናፖልዮ ንምጽጋንን" ኣዋጃት ኣውጺኦም ኢዮም።

እዞም አዋጃት ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳትን መዛግብን ነዚ አብዚ ዘመን እዚ ዘሎ ብዘመናውያን ባይቶታት ተቐባልነት ዝረኸበ ሕጋዊ ስርዓታት ኣብ ምምዕባል ሓጊዙ እዩ።

ቅዱስነቶም አብ ምልእኽቶም አስዒቦም - "ካብዚ ድማ እቲ ንባህላዊ ውርሻ ዝዕቅብ ህዝባዊ ኣጠቓቕማ ዝገልጽ ኣምር ካብቲ  ኣብ ሮማዊ ሕጊ ዝርከብ ፑብሊካ ኡቲሊታስ (ሕዝባዊ ጥቕሚ) ዝበሃል ሕጊ፣ ነቲ ሓባራዊ ጥራይ ዘይኰነስ ነቶም ብሕታውያን መዛግባቲ እውን ከይተረፈ ንሓባራዊ ረብሓ ዘድልዩ ከም ምዃኖም ዝሕግግ ኣምር ጐሊሑ ኢዩ ዝርአ። "

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጺሎም ዘመናውያን መንግስትታት ንኹሉ ስነ ጥበባዊ ውርሻን ስነ ህንጻን ኪቈጻጸሩን ኪምዝግቡን ምእንቲ ውሕስነቶምን ንጥቕሚ ብዙሓትን ንክሰርሑ መሰል ከም ዘለዎም ገለጹ።

ስነ-ጥበብ መግለጺ ኣዋጅ እምነት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አብ መልእኽቶም ቅድስቲ መንበር ብ2001 ንባህላዊ ጥሪታን መዛግብታን ንምዕቃብ ሕጊ ኸም ዘውጸአት ዘከሩ።

እቲ መምርሒ ድሕሪ ሓጺር እዋን "ምስቲ ዝተቐየረ ታሪኻውን ማሕበራውን ኵነታት ከምኡውን ምስ ምዕባሌ ውሽጣዊ ሕግታትን ኣህጉራዊ ውዳቤታትን ብዚሰማማዕ መገዲ" ኸም ዚመሓየሽ ድማ ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክት መበል 16 ብምጥቃስ ቤተ-ክርስትያን "ንቛንቋኣ ንሰብኣውን መንፈሳውን ዕቤት ፍሉይ መሳርሒ ገይራ ስለ እትርእዮ ወትሩ ንስነ-ጥበብ ትድግፍን ተተባብዕን እያ" በሉ።

ኣስዕብ ኣቢሎም ውን ስነ-ጥበብ ጭቡጥ ምልክት ናይቲ ኣብ ዓለም ዘሎ "ትራንሲቱስ ዶሚኒ" (አሰረት አምላኽ) ማለት "ኣብ ሥርዓተ አምልኾአን፣ ኣብ ኣዋጅ እምነታን ከምኡ ውን ኣብ እተፈላለየ መንፈሳዊ መግለጺታትን ኣብ ግብረ-ሰናይን ዝርአ መግለጺ ህይወት ናይታ ቤተ-ክርስትያን" ምዃኑ ገለጹ።

ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንኣባላት እቲ ቐዋሚ ኮሚሽን፣ ሓወልትታት ንምዕቋብን ንውርሻ ስነ-ህንጻ ቕድስቲ መንበር ንምሕላውን ብዝገብርዎ ዘለዉ ጻዕሪ ኣመስገንዎም።

"ነቲ ኣብ መንጎ ሰብን ኣምላኽን ዘሎ ስሙር ሕብረት ዘንጸባርቕ ጽባቐ ስነ-ጥበብ ብሓላፍነትን ብሞያን ክቕጽል ዝበለጸ ትምኒተይ እገልጽ።" ድማ በሉ።

24 November 2023, 16:06