ድለ

2022.12.12 Santa Messa nella Memoria della Beata Vergine di Guadalupe 2022.12.12 Santa Messa nella Memoria della Beata Vergine di Guadalupe  (Vatican Media)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብሰንኪ እቲ ኣብ ኮንጎ-ብራዛቪል ዘጋጠመ ብርቱዕ ሞት ሓዘኖም ገለጹ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምእንቲ ስድራቤታት እቶም ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣብ ኮንጎ ብራዚዝቪል ብዘጋጠመ ሕንፍሽፍሽ ዝሞቱ ሰባት ጸሎቶምን መንፈሳዊ ሓልዮቶም አወፈዩ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ከተማ ብራዚዝቪል ሪፓብሊካዊት ኮንጎ ዝርከብ ስታድዩም ብዝተፈጥረ ጽድፍጽፍ ዝሞቱ ብዙሓት ሰባት ሓዘኖም ገሊጾም ።

ቅዱስነቶም ኣብቲ ሎሚ ዓርቢ ዕለት 24 ሕዳር ናብ ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ኮንጎ ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ቢያንቨኑ ማናሚካ ባፉዋኮኣሁ እተላእከ ቴለግራም ንስድራቤታት ናይቶም ዝተጐድኡ ሰብ ሓዘኖምን ድንጼኦምን ገለጹሎም ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "በቲ ኣብ ስታድዩም ኦርናኖ ዘጋጠመ ዘሕዝን ሓደጋ ሓዘን ክንዲ ዝተዘምዖም ንስድራቤትን ፈተውትን እቶም ዝሞቱ ሰባትን ብምግላጽ ብመንፈስ ምሳኦም ከም ዘለው" አመልከቱሎም ።

ቅዱስነቶም አብ መልእኽቶም "ልዑል አምላኽ ነቶም ዝሞቱ ዘለኣለማዊ ህይወት ክህቦም ከምኡውን ንስድራቤቶም ኣብ ሓዘኖምን ከጸናንዖምን ክድግፎምን ኵሉ ሰብ ከአ ምስቶ ኵሎም እቶም ዝሳቐዩን ዝሓዝኑን ዘለዉ ዓቢ ሕውነትን መንፈሳዊ ሓድነትን ከርኢ " ጸሎትን ቃል ምዕዳንን ለጊሶም ።

እዛ መልእኽቲ ብዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ብካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊን እተፈረመት "ንዅሎም እቶም ኣብ ሓማቕ ኩነታት ዘለዉ መንእሰያት ዝሓገዝዎም ሰባት ናይ ምስጋናን" ከምኡውን "እቲ ዅሉ ዚኽእል አምላኽ ይባርኽኩም" ዝብል ናይ ቡራኬ መልእኽቲ ኢዩ ዝነበረ ።

ወተሃደራት ንኽኽተቡ ዝድርኽ ምንቅስቓስ

ብመሰረት እቲ መንግስቲ ሪፓብሊካዊት ኮንጎ ዘውጽኦ መግለጺ ዝሓለፈ ሰኑይ ምሸት ኣብ ርእሲ ኸተማ ብራዛቪል ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ ስታድዩም ብርቱዕ ጽድፍድፍ ድሕሪ ምልዓሉ 31 ሰባት ከም ዝሞቱ 145 ድማ ከም ዝቈሰሉ ተፈሊጡ ።

ብዙሓት መንእሰያት ነቲ ብሃገራዊ ሰራዊት ኮንጎ  ወተሃደራት ንክኽተቡ ዝቐረበ ጻውዒት ምላሽ ሂቦምሉ ኢዮም ።

እቶም ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን እቶም ኣዳለውቲ እቲ መደብን ከም ዝመስከርዎ፣ እቲ መደብ ዝሓልፈ ሰኑይ ናይ መወዳእታ መዓልቲ መዝገባን ምብጋስን ከም ዝኾኑ ምስ አፍለጡ ብዙሓት መንእሰያት ኣብ ስታድዩም ኦርናዶ ተረኺቦም፣ በዚ ከምዚ ድማ ጽቕጥቕጥ ስለ ዝተፈጥረ ዓቕሊ ጽበት ዝለዓዓሎ ምርግጋጽ ኣስዓበ።

መንግስቲ ነዚ ዘሕዝን ፍጻመ እዚ መልሲ ንምሃብ ዝሓልፈ ረቡዕ ሃገራዊ መዓልቲ ሓዘን ክኸውን አወጀ ነቶም ዝቘሰሉ 145 ዝኾኑ መንእሰያት ድማ ናይ ሕክምና ወጻኢታት ክኸፍል ምዃኑ ገሊጹ ።

24 November 2023, 16:10