ድለ

2023.11.20 copertina inglese del libro del Papa 2023.11.20 copertina inglese del libro del Papa 

ር. ሊ. ጳ. ሓዳስ ብቋንቋ ጣልያኛ እተዳለወት 'በዓለ ልደት አብ በዓቲ ቤተልሔም' ዘርእስታ መጽሓፍ

ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣቐዲሙ ዘይተሓትመ መእተውን ብዛዕባ በዓል ልደት ዝጸሓፍዎ እተፈላለየ ጽሑፋትን ዝሓዘት "Il mio presepe" (እታ ናይተይ መብልዕ ማል) ዘርእስታ መጽሓፍ ብ21 ሕዳር ብቋንቋ ጣልያን ክትዝርጋሕ እያ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ቫቲካን

እታ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እተዳለወት ብቋንቋ ጣልያን እተሓትመት መጽሓፍ ሎሚ ሰሉስ ዕለት 21 ሕዳር ክትዝርጋሕ ኢያ - " Il mio presepe" (በዓለ ልደት አብ በዓቲ ቤተልሄም) ኣብዚ ቐረባ መዓልትታት ከአ ብቋንቋ ፈረንሳይን ብእንግሊዘይናን ብቋንቋ ብፖርቱጋልን በቲ ፒኤመ ዝተሰምየ ቤት ማሕተም ብምትሕብባር ምስ ቤት ማሕተም ቫቲካን ድሮ ተሓቲሙ ከም ዘሎ ዜና ቫቲካን አፍሊጡ ።

እዛ መጽሃፍ እዚአ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ተጻሒፉ ኣቐዲሙ ዘይተሓትመ መእተዊን ኸምኡ ውን ቅዱስነቶም ድሕሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምዃኖም ኣብ እዋናት በዓለ ልደት ብተኸታታሊ ብዛዕባ ልደት መድሓኒና ዝለገስዎ አስተምህሮምታትን ስብከታትን አስተንትኖታትን ዝሓዘት መጽሓፍ እያ ።

ናይቲ ብ27 መስከረም 2023 እተጻሕፈ ምሉእ ትሕዝቶ መእተዊ ናይዛ መጽሓፍ ካብዚ ብምቕጻል ነቕርበልኩም፦

መእተዊ

ክልተ ሳዕ ናብ ግሬስዮ በጺሐ አሎኹ ። ንመጀመሩያ ግዜ ብዛዕባ እቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ብዓል ኣሲዚ በዓቲ ልደት ዝመሃዘሉ ቦታ አባኡ ምዃኑ ምስ ፈለጥኩ ነቲ አብ ግዜ ቍልዕነተይ ዝነበረ ሃዋህው ዘዘኻኽረኒ ኢዩ ዝነበረ ። አብ ገዛና አብ ቦናስ አይረስ እኳ ደአ ቅድሚ እቲ ጽሕዲ ልደት፣ እዚ ምልክት ናይ በዓለ ልደት [ዝኾነ በዓቲ ልደት] እዚ ኩሉ ግዜ ኢዩ ዝስራሕ ዝነበረ።

ንኻልኣይ ግዜ ድማ ብዛዕባ ትርጕምን ኣገዳስነትን ናይ እቲ አብዚ ግዜ እዚ ዝግበር ዘሎ በዓቲ ልደት ዚገልጽ “ኣድሚራቢለ ሲኙም” (ዘደንቕ ምልክት) ዘርእስቱ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ልደት ንኽፍርም ተሓጒሰ ናብታ ኣብ ኣውራጃ ሪቲ እትርከብ ከተማ ተመለስኩ ።

ኣብ ክልቲኡ ኣጋጣሚታት በቲ ኣብ ማእከላይ ዘመን ዝተገብረ በቲ ሓደ ሸነኽ ለይቲ ቤት-ልሄም በቲ ኻልኣይ ወገኑ ከኣ ለይቲ ግሬስዮ ዜርኢ ናይ ቅብአ ስእሊ ብምድናቕ ፍሉይ ስምዒት ተሰምዓኒ ።

እቲ አባኡ ዝተሰምዓኒ አድናቖት ነቲ ኣብ ውሽጢ ኣዝዩ ንእሽቶ ነገር ዝመስልን ምሕባእ ዝደልን ክርስትያናዊ ምስጢር ዝኾነ ኣዕሚቘ ንኽምርምሮ ደረኸኒ ።

እወ እቲ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ሥጋዌ ማእከል ግልጸት አምላኽ ኰይኑ ኢዩ ዝርከብ፣ እንተዀነ ግን እቲ ዝተገልጸሉ መገዲ ብቐሊሉ ዝርሳዕ እኳ እንተዀነ ከየስተብሃልካሉ ግን ዝተርፍ አይኮነን ።

ከም ሓቁ እኳ ደኣስ ምስ ኣምላኽ ክንራኸበሉ እንኽእል መገዲ ትሕትና ምዃኑ ኢዩ ዝርእየና ።

ኣብ እብነ መቓብር ቅዱስ ኢግጽዮስ በዓል ሎዮላ ከምዚ ዝብል ጽሑፍ ተጻሒፉ ንረክብ - "ብዕቤት ዘይምድራት ብደቂቕነት ዘይምትሓዝ - እዚ ኢዩ መለኮታውነት።" ብሓጺሩ ሰብ በቲ ዓብዪ ነገር ኪፈርህ የብሉን፣ እኳ ደአ ንቕድሚት ኪኸይድን ነቶም ንኣሽቱ ዝብሎም ነገራት ኣብ ግምት ክእትዎምን ኣለዎ።

ስለዚ ኸኣ ኢዩ ንመንፈስ ናይቲ ኣብ በዓለ ልደት ዝገብር በዓቲ ልደት ምዕቃብ ኣብቲ ኣብ ንኣሽቱ ነገራት ዝግለጽ ኣብ ህላዌ አምላኽ ከም ብቑዕ ምጥሓል ኮይኑ ዝርከብ፣ ገለገል እዋናት ንእሽቶይን ተደጋጋምን አብ መዓልታዊ ኩነት ዝርአ ህላወ አምላኽ ኮይኑ ኢዩ ዝግለጽ ። መገድታት ኣምላኽ ንኽንርዳእን ንኽንመርጽን ነቲ ዜስድዕ ግን ከኣ ናብ ሕማቕ መገዲ ዚመርሓና ነገራት ብኸመይ ከም እንሓድጎ ምፍላጥ ድማ እጃምና ይኸውን ። ኣብዚ መዳይ እዚ ምልላይ ወይ ሜመያ ዓብዪ ውህበት ክንዲ ዝዀነ ብጸሎት እዚ ውህበት እዚ ክወሃበና ካብ ምልማን ክንደክም የብልናን ። እቶም ኣብቲ መብልዕ ማል ዝተረኽቡ ጓሶት ነቲ ኣምላኽ ዝገበሮ ዘይተጸበይዎ ነገር ሓንጐፋይ ኢሎም ክቕበልዎን ምስኡ ብምርኻቦም ድማ ከደንቕዎን ከምልኽዎን ተረኽቡ፣ አብ ትሕትናኡ ንገጽ አምላኽ ከለልዩ ክኢሎም ። ከም ሰብ መጠን ኵላትና ናብ ዕቤት ገጽና ዝንባሌ ኣሎና፣ እንተዀነ ግን ብኸመይ ከም እንረኽቦ ምፍላጥ ውህበት ኢዩ፣ እዚ ድማ ብኸመይ ንዕቤት አብቲ አምላኽ ዝሰምረሉ ትሕትና ምርካብ ማለት ኢዩ ።

ኣብ ጥሪ 2016 ምስ መንእሰያት ሪቲ ኣብቲ ጠፈር ኢየሱስ ህጻን ተቐቢኡሉ ዘሎ ኣብ ልዕሊ ቤተ መቕደስ ልደት ፣ አብ ላዕለዋይ ደርቢ ተራኸብኩ። ከምቲ ንዓታቶም ዝበልክዎም ሎሚ ድማ ንኹሉ አብ ለይቲ በዓል ልደት ንየሱስ ከነለልዮ ዚመርሑና ኽልተ ምልክታት ከም ከምዘለዉ ከዘኻኽር እፈቱ ። እቲ ሓደ አብታ ለይቲ እቲአ ሰማይ ብኸዋኽብቲ ዝመልአ እዩ ዝነበረ ። ብዝሒ ናይዞም ከዋኽብቲ እዚኣቶም ማእለያ ዘይብሉ እኳ እንተ ዀነ ሓደ ፍሉይ ኰዀብ ግን ጐሊሑ ይርአ አሎ ፣ እዚ ኰዀብ እዚ ነቶም ሰብአ-ሰገል ስፍራኦም ገዲፎም ጕዕዞ ንኺጅምሩ ዝደረኾም እዩ፣ እዚ ኸኣ ናብ ዘይፈልጥዎ ቦታ እዩ ዚመርሖም ዝነበረ ። ኣብ ህይወትና እውን ከምኡ እዩ ዜጋጥመና ፣ ኣብ እተወሰነ ህሞት ሓደ ፍሉይ "ኰዀብ" ማለት ውሳነ ኽንገብር ክንመርጽ ጕዕዞ ኽንጅምር ይዕድመና ኢዩ ። እዚ ኰዀብ ነቲ ኣብ ቤት-ልሄም እተወልደን ምልአት ሓጐስና ዝኾነን ኢየሱስ ከም እነለሊ ስለ ዚገብረና፣ ነዚ ካብ ልምድታትና ባህርያትናን ንላዕሊ ዝኾነ ናብ ሓደ ዘደንቕ ኩነት ዚስሕበና ኰዀብ ንኬርእየና ንአምላኽ ኣበርቲዕና ኽንልምኖ የድሊ።

አብታ ብልደት መድሓኒና እተቐደሰት ለይቲ ካልእ ሓያል ዝኾነ ምልክት ውን ንረክብ ኢና፣ እዚ ኸኣ ትሕትና ኣምላኽ ኢዩ። እቶም መላእኽቲ ነቶም ጓሶት ኣብ መብልዕ ማል እተወልደ ሓደ ህጻን ኣመልከቱሎም። ምልክት ሓይሊ ብርእስኻ ምትእምማን ወይ ትዕቢት ኣይኰነን። ኣይፋልን ብፍጹም አይኮነን። እቲ ዘለኣለማዊ ኣምላኽ ረዳኢ ኣልቦን ሕያዋይን ትሑትን ኮይኑ ተረኽበ ። በዚ ኸምዚ ኣምላኽ ምሳና ምእንቲ ክጕዓዝ ኣብ ልዕሌና ወይ ካባና ርሒቑ ዘይኰነስ ኣብ ጎንና ደው ምእንቲ ኺብል ገዛእ ርእሱ ትሕት አበለ ።

እቲ ንነአሽቱ ኰነ ንዓበይቲ አብ ቕድሚ እቲ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝዛሪ ህያው ወንጌል ዝዀነ ግልጸት ንክቐርቡ ዝድርኾም ክልተ ስምዒታት ኣግራሞትን ምድናቕን ኢዩ ። እቲ ኣብዚ ዘገድስ ብኸመይ እቲ በዓቲ ልደት ከም ዝስራሕ አይኮነን ፣ ወትሩ ዓመት ዓመት ሓደ ዓይነት ወይ ውን ዝቐያየር ክኸውን ይኽእል እዩ፣ እቲ ቐንዲ ዜገድስ ነገር ግን ንህይወትና ዝዛረበና ምዃኑ ኢዩ ።

እቲ ናይ መጀመርታ ጸሓፍ ታሪኽ ህይወት ቅዱስ ፍራንቸስኮ በዓል አሲዚ ዝኾነ ቶማስ ብዓል ሰላኖ፣ ብዛዕባ እታ ኣብዛ ዓመት እዚኣ መበል ሸሞንተ ሚእቲ ዓመቱ እንዝክሮ ዘሎና ናይ 1223 ዝነበረ ለይቲ በዓለ ልደት ገሊጹ ንረኽቦ። ፍራንቸስኮ አብቲ ቦታ ምስ በጽሐ ሓደ ሓሰርን ኣብዑርን ኣድግን ዘለዎ በዓቲ ረኸበ። አብ ቅድሚ እቲ በዓቲ ልደት ኩሎም እቶም ናብቲ ቦታ ዚውሕዙ ዝነበሩ ሰባት ቅድሚኡ ተራእዩ ዘይፈልጥ ሓጐስ ኢዩ ተሰሚዕዎም ። ድሕሪ እዚ እቶም ኻህን ነቲ አብ መንጐ ሥጋዌ ወልደ አምላኽን ምስጢረ ቅዱስ ቁርባንን ዘሎ ዝምድና ብምግላጽ፣ ኣብቲ መብልዕ ማል ኰይኖም መሥዋዕተ ቅዳሴ አዕሪጐም።  ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ ግሬስዮ ምስልታት ኣይነበሩን ፣ ከመይሲ እቲ ናይ በዓቲ ልደት ኩነትት በቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሰባት እዩ ተማሂዙን አብ ተግባር ክውዕል ዝተረኽበን ።

እቲ ዓብዪ ተልእኾ ወንጌል ዝፈጸመ ናይ መጀመርታ በዓቲ ልደት ዝኽሪ፣ ሎሚ እውን ዓቢይ ኣድንቖትን ኣግራሞትን ዜለዓዕል ኣጋጣሚ ኪኸውን ከም ዚኽእል ርግጸኛ እየ ። ስለዚ እቲ ምልክታት ብቅዱስ ፍራንቸስኮ እተገብረ ተራን ቀሊልን ብምዃኑ ከም ጽባቐ እምነትና መጠን ክሳዕ እዚ ግዜና ይቕጽል ኣሎ።

 

ከተማ ቫቲካን 27 መስከረም 2023

ፍራንቸስኮ

21 November 2023, 15:59