ድለ

2023.11.24 ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ቄጵሮስ ርእሰ ብሔር 2023.11.24 ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ቄጵሮስ ርእሰ ብሔር  (Vatican Media)

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ቄጵሮስ ርእሰ ብሔር

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 24 ሕዳር ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ረፓብሊካዊት ቄጵሮስ ርእሰ ብሔር ኒኮስ ክሪስቶዶሊደስ ኣብ ሃዋርያዊ መንበሮም ተቀብሎም ከም ዘዘራረቡን ርእሰ ብሔር ክሪስቶዶሊደስ ካብ ቅድስነቶም ምስ ተሰናበቱ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ከም እተራኸቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብመሰረት ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንርእሰ ብሔር ረፓብሊካዊት ቄጵሮስ ኒኮስ ክሪስቶዶሊደስን በዓልቲ ቤቶምን ኣሰነይቶምን ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ድሕሪ ዝተኻየደ ሰላምታ ናይ ምልውዋጥ ስነ ስርዓት ምስ ርእሰ ብሔር ክርኢስቶዶሊደስ ን35 ደቂቓ ዝኸውን ውልቃዊ ርክብ ኣካይዶም ምስ ኣብቅዑ ገጸ በረኸት ናይ ምልውዋጥ ስነ ስርዓት ከም እተፈጸመ ክፍለጥ እንከሎ፥

ኣህጉራዊ ዝምድናታት

ርእሰ ብሔር ክሪስቶዶሊደስ ካብ ቅዱስነቶም ተሰናቢቶም ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ጉዳያት ወጻኢ ናይ ብዝሓ ጎናውነት ኣህጉራዊ ዝምድናታት ቤት ጽሕፈት ሓልፊ ኣቡነ ዳኔል ፓቾ ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከም እተራኸቡን ኣብቲ ርክብ ድማ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ቄጵሮስን ዘሎ እወታዊ ክሌኣዊ ዝምድና ዝድነቕ ምዃኑ ከም እተሰመረሉን ርክባት ቤተ ክርስቲያንን ሃገርን ዝምልከት ሓያሎ ክፉታት ሕቶታት መሰረት ከም እተመያየጡን ስዒቡ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ሃገራውን ኣህጉራውን ብድሆታት ብፍላይ ዛዕባ ጸኣት ስደተይናታትን ኣብ መግኖ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ዘሎ ህልው ኩነታት ኣብቲ ተፈጥሪ ዘሎ ሓድሽ ግጭት ፍሉይ ኣቃልቦ ገይሮም ከም ተመያየጡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

27 November 2023, 09:39