ድለ

2023.11.22 Udienza Generale 2023.11.22 Udienza Generale  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮ፦ ምእንቲ እቶም ኣብ ቅድስቲ መሬት ዝሳቐዩ ዘለዉ ንጸሊ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ብሰንኪ አብ ዩክረይንን ቅድስቲ መሬትን ዝገብር ዘሎ ውግአት ብተደጋጋሚ ዘቕረብዎ ጻውዒት፣ ሎሚ ውን አብቲ ድሕሪ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሰሙናዊ አስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዘቕረብዎ ቃል ምሕጽንታ "እዚ ውግእ ኣይኰነን ፣ እዚ ግብረ-ሽበራ እዩ" ክብሉ ጻውዒቶም አሐደስዎ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ አብታ ቅድስቲ መሬት ብውግእ እስራኤልን ሓማስን  ዝፍጸም ዘሎ ዕንወት "እዚ ውግእ ኣይኰነን፣ እዚ ግብረ-ሽበራ እዩ።"  ክብሉ ገለጽዎ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም አብ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ አስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዝተሳተፉ ምእምነናን አብ ዘስምዕዎ ቃል፣ ሓሳቦም ናብቶም ኣብ ፍልስጥኤምን እስራኤልን ዝሳቐዩ ዘለዉ ሰባት ክመልሱ አዘኻኸዎም።

ቅዱስነቶም ኣብቲ ዘቕረብዎ ምሕጽንታ ኸኣ፣ ንዅሎም እቶም ብሰንኪ እተፈላለየ ውግኣት ብፍላይ ከኣ ኣብ ዩክረይን እስራኤል ከምኡውን ፍልስጥኤም ዝሳቐዩ ዘለዉ ሰባት ጸሎት ኣዕሪጎም።

ቅዱስ አቦና ሎሚ ንግሆ ዕለት 22 ሕዳር ምስ ክልተ ልኡኻት ንዝገበርዎ ርክብ ውን ዘከሩ፣ ሓደ ካብ እስራኤል ዝመጹ ኣባላት ስድራቤቶም ጅሖ ተታሒዞምሉ ዘለውን፣ እቶም ካልኣይ ድማ ካብ ፍልስጤም ኮይኖም ኣባላት ስድራቤቶም አብ ጋዛ ዝሳቐዩ ዝለዉ ኢዮም ዝነበሩ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አስዒቦም ከምዚ በሉ "ብዙሕ መከራ ይወርዶም አሎ። ክልቲኦም ሕዝብታት ብኸመይ ከም ዚሳቐዩ ዘለዉ ሰሚዐ አሎኹ ፣” ድሕሪ ቢሎም  ድማ " ውግእ ከምኡ እዩ ዚገብር " ድማ በሉ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አብ ዘስምዕዎ ቃል "እንሆ ክንዮ ውግእ ኢና ኣሕሊፍና ዘለና" ብምባል ድሕሪ ምግላጽ ። "እዚ ውግእ ኣይኰነን፣ እዚ ግብረ-ሽበራ እዩ።" ክብሉ ኣትሪሮም ተዛረቡ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አብ መደምደምታ ኵሎም ምእንቲ "ሰላም ኪጽልዩ " ጻውዒት አቕሪቦም ፣ ኵሉ ሳዕ “ምእንቲ ሰላም ካብ ምጽላይ አይትድከሙ” ክብሉ ተማሕጺኖም።

ብድሕርዚ ቅዱስ አቦና ጐይታ " ጸገማት ክንፈትሕ ክሕግዘናን በቲ ንዅሉ ሰብ ዝቐትል ስምዒት ከይንስዓርን" ንጸሊ ቢሎም።

"ምእንቲ ህዝቢ ፍልስጥኤም ንጸሊ፣ ሰላም ምእንቲ ኽመጽእ ምእንቲ ህዝቢ እስራኤል ውን ንጸሊ" ብምባል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምሕጽንታኦም ዛዚሞም ።

ዋና አመሓዳሪ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤትጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን  ማትዮ ብሩኒ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምስቶም ልኡኻት ክራኸቡ ምዃኖም ዝሓለፈ ዓርቢ አብ ዘውጽኦ መግለጺ አፍሊጡ ነይሩ ኢዩ። እዚ ርክብ እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ምስ ስቓይ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ - ሰብ መንፈሳዊ ቅርበት" ከም ዘለዎም ንምርኣይን "ምሉእ ብምሉእ መግለጺ ሰብአዊ ሓልዮቶም" ከም ምዃኑ ድማ አፍሊጡ ።

22 November 2023, 16:08