ድለ

Search operations in Maghazi refugee camp following Israeli airstrike Search operations in Maghazi refugee camp following Israeli airstrike  (ANSA)

ር. ሊ. ጳ.፦ ነቲ ኣብታ ቕድስቲ መሬት ዝካየድ ዘሎ ውግእ ደው ንኽብል ጻውዒት ኣቕሪቦም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብ መንጐ እስራኤልን ጉጅለ ሓማስ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ደው ንምባል ዘቕረብዎ ጻውዒት ዳግም አሐደስዎ፣ ኣብ እተፈላለየ ኽፍልታት ዓለምን እንተላይ ኣብ ዩክረይን ብውግእ ዝሳቐዩ ዘለዉ ሰባት ራህዋ ንኽረኽቡ ድማ ጸልዮም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲና

"ብዛዕባ እቶም ቈልዑ፣ ብፍላይ ብዛዕባ እቶም ኵሎም ኣብዚ ውግእ እዚ ዝሳተፉ ዘልዉ ህጻናት ከምኡውን ብዛዕባ ዩክረይንን ከምኡውን ብዛዕባ ኵሎም ኻልኦት ግጭታት ንሕሰብ - በዚ መገዲ እዚ ንመጻኢ ናይዞም ህጻናት ንቐትሎ ኢና ዘሎና።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ሰንበት ኣብቲ ድሕሪ ጸሎት መልኣከ እግዚአባሔት ዘቕረብዎ ቃል ምሕጽንታ፣ ነቲ ኣብታ ቕድስቲ መሬት ዝግበር ዘሎ ውግእ ኬቋርጽዎ ጻውዒት ኣቕሪቦም ።

"ብስም ኣምላኽ ደው ከተብሉ እልምነኩም አሎኹ" ድማ በልዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "እቲ ግጭት ምእንቲ ኸይውስኽን ንቝሱላትን ንዝተጐድኡ ሰባትን ንምሕጋዝ ከምኡውን ነቶም አብ ኣዝዩ ጽንኩር ሰብኣዊ ቅልውላው ዝርከቡ ዘለዉ ሕዝቢ ጋዛ ረድኤት ንምሃብ ኵሉ መገድታት ክፍተን አለዎ " ዝብል ተስፋ ከም ዘለዎም ገለጹ ።

ነቶም ብዕለት 7 ጥቅምቲ  ብጕጅለ ሓማስ ቀታሊ ወራር ኣብ ዘካየደሉ ጅሆ ተታሒዞም ዝተወስዱ ልዕሊ 200 ዝኾኑ እስራኤላውያን ክፍታሑ እውን ጻውዒት ኣቕረቡ።

"ኣብ መንጎኦም ድማ ብዙሓት ቈልዑ ስለዘልዉ፣ በጃኹም ናብ ስድራ ቤቶም ይምለሱ!" ክብሉ ቅዱስነቶም ልመና አቕረቡ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዅሉ ሰብ ነቲ ውግእ ደው ንምባል ትብዓት ንኽገብር ብምዕዳም ዘቕረብዎ ምሕጽንታ ዛዚሞም ።

"'ይአክል' ንኽንብል ዜኽእለና ትብዓት ምእንቲ ኺህልወና ንጸሊ" ድማ በሉ።

ኣብ ጋዛ ዘሎ ዅነታት

እስራኤል ኣብ ቃዛ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራት ጉጅለ ሓማስ መጥቃዕቲ ኻብ ምውራድ ኣይቋረጸትን፣ ነቶም ኣብ ሰሜናዊ ኽፋል እቲ ዞባ ንዝርከቡ ሰላማውያን ሰባት ከኣ ናብ ደቡብ ክግዕዙ ትጽውዕ አላ።

አብቲ ቦታ ዝርከብ ትካል ቀያሕ ወርሒት ፍልስጥኤም፣ ካብ ከተማ ቃዛ ወጻኢ አብ ዝርከብ ዓበይ ሆስፒታል ሓንቲ ኣምቡላንስ ምስ ተሃርመት 15 ሰባት ከም እተቐትሉ ይገልጽ ። ጸብጻባት እስራኤል ከም ዚሕብሮ ድማ እታ ዝተሃርመት አምቡላንስ ጉጅለ ሓማስ ዝትጥቀመላ ከም ዝነበረት የመልክት።

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ትማሊ ሰንበት ምስ ፕረዚደንት ፍልስጥኤም ማሕሙድ ኣባስ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ተራኺቡ ።

ኣቐድም ኣቢሉ ዝሓለፈ ቀዳም ብሊንከን ኣብቲ ውግእ ዝካየደሉ ዘሎ ከአቢባታት ሰብአዊ ረድኤት ንምክያድ ምስ መራሕቲ ሊባኖስን ቀጠርን ዮርዳኖስን ከም ዝተራኸበ ዝዝከር ኢዩ ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁን ከአ ኵሎም እቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ እስራኤላውያን ክሳብ ዝፍትሑ ኣብ ቃዛ ምስ ሃማስ ንግዜኡ ተኹሲ ናይ ንምቁራጽ ስምምዕ ከም ዘይገብር ገሊጹ ኣሎ።

ዋና ጸሓዊ ሕ. መ. አ. ብሊንከን ንመራኸቢ ብዙሓን አብ ዝሃቦ መግለጺ ምስ እስራኤል ውግእ ካብ ዚለዓል ኣትሒዙ ኣብ ጋዛ ካብ ዚርከቡ ሰራሕተኛታት ረድኤት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተቐትሉ ሰባት ብምዝካር ሓዘኑ ገሊጹ ።

06 November 2023, 16:53