ድለ

ዕለተ ነፍሳተ ሙታን፦ ር. ሊ. ጳ. ብሰንኪ ውግእ ህይወት ምእንቲ ኽይጠፍእ ጸልዮም

ኣብ ጋዛን ዩክረይንን የመንን ከምኡውን ኣብ ካልእ ቦታታት ውግእ እናተላብዐ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምእንቲ ዝሓለፉ ነፍሳት ምጽላይን ምሳታቶም ዳግም ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ከም እንራኸብን ዝገልጽ ስብከት ቃል አምላኽ ለጊሶም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ትማሊ ሓሙስ ዕለት 2 ሕዳር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ወተሃደራዊ መቓብር ሮማ ዕለተ ዝኽሪ ኩለን ዝሓለፋ  ነፍሳት ምኽንያት ብምግባር መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ዕለት እቲ አብ ዝዕረክዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ አብ ዘስምዕዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ ነቶም ቅድሜና ዝሓለፉ ብፍላይ ከኣ ነቶም ብውግእ "ዕድሜኦም እተቖጽየ" ህይወቶም ዘሕለፉ አሕዋትን አሓትን ዘኪሮም።

ተዘክሮን ተስፋን

ቅድስነቶም አብ ስብከቶም "እዚ ሎሚ እንዝክሮ ዘሎና ዕለት ክልተ ሓሳባት ኢዩ ዘዘኻኽረና - “ተዘክሮን ተስፋን" በሉ።

መዓልቲ ዅለን ዝሓለፋ ነፍሳት ነቶም "ቅድሜና ዝነበሩ ህዝቢ " ማለት ነቶም "ሰናይ ዝገበሩ " ኸምኡውን "ብዙሕ ጽቡቕ ዘይገበሩ ግናኸ ... ምሕረት ኣምላኽ እተቐበሉ፣" ንዅሎም ክንዝክሮም ዝገብረና ዕለት ኢዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ይብሉ፣ እዚ ዝኽሪ እዚ " ነቲ አብ መጻኢ ዘሎና ተስፋ ኢዩ ዘዘኻኽረና ማለት ንቅድሚት አቢልና ክንዝክር" ከም ዝገብረና ሓሳብ ኣቕረቡ።

ኣብ መጻኢ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ "ምስ ኵሎም" ማለት ምስ ቅዱሳንን ሓጥኣንን ክንራኸብ ተስፋ ንገብር።

ህይወት ሰባት ዘሕጸረ

ድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ እዚ መቓብር እቶም ኣብዚ ቦታ እዚ ዝተቐብሩ ወተሃደራት ብምስትንታን ስብከቶም ቀጸሉ።

"ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣፍ ደገ [እዚ መካነ መቓር ክኣቱ ከሎኹ] ዘጋጠመኒ ነገር የተሓሳስበኒ" በሉ።

"ዕድመ ናይዞም ህይወቶም ዝተቖጽየ ወተሃደራት እርኢ ነበርኩ። መብዛሕትኦም ካብ 20 ኽሳዕ 30 ዕድመ አብ ዝነበሩሉ እዮም ሞይቶም ። ህይወት ብርእሱ ሓጺር እዩ፣ አብዚ ድማ መጻኢኡ ዝተኸሰረ ህይወት ኢና እንረክብ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዕብ ኣቢሎም "ብዛዕባ ወለዶም ውን ሓሲበ፣ አዴታቶም 'ክብርቲ አደ ወድኽ ጅግና ከም ምዃኑ ክነግረክን ክብሪ ይስምዓና!' ዚብል ደብዳበ እንክቕበላ ። 'እወ ጅግና ኢዩ! ንሳቶም ግን ካባይ መንጢሎሞ።' ዝበላ ኮይኑ ይስምዓኒ" ክብሉ ቅዱስነቶም ነቲ ውግእ ዘሳዓቦ ክበድ ሓዘን ጠቐሱ።

“ስለዚ ኣብዚ ህይወት እዚ ብዙሕ ንብዓት እዩ ፈሲሱ" በሉ ቅዱስነቶም።

አብ ዘመና ዘለዉ ግጭታት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ አስዒቦም ነዚ መቓብር እዚ ምስ ረኣኹ "ብዛዕባ እዚ አብዚ ግዜና ዝግበር ዘሎ ውግኣት ክሓስብ ኣይከኣልኩን" በሉ።

ስለዚ ይብሉ ቅዱስነቶም ሎሚ ውን እንተኾነ "ብዙሓት ሰባት ሞይቶም እዮም ። ህይወት ብዙሓት ብድንገት ይጠፍእ አሎ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ ብቐጻሊ ዘቕርብዎ ዝነብሩ ስምዕታ ብምድጋም ከምዚ በሉ  - "ኩሉ ግዜ፣ ውግእ ወትሩ ስዕረት ኢዩ፣" ክብሉ ዳግም ብትሪ አመልከቱ።

ቅዱስ አቦና አብ መደምደምታ "ምእንቲ ምዉታትና ናብ ጐይታ ንጸሊ። ጐይታ ንዅላቶም ይቀበሎም" ድማ በሉ።

"ጐይታ እውን ይምሓረናን ተስፋ ይህበናን፣ አብቲ ናብኡ ዝጽውዓና ግዜ ድማ ምስኡ ንኽንሓብር ተስፋ ንግበር፣” ክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።

03 November 2023, 16:51