ድለ

Il Papa reciter� l'Angelus da cappella Casa Santa Marta Il Papa reciter� l'Angelus da cappella Casa Santa Marta  (ANSA)

ር. ሊ. ጳ. ንመንእሰያት ኣብ ቤተ-ክርስትያን 'ሕጉሳት አገልገልቲ' ክዀኑ አተባብዕዎም

ድሕሪ ጸሎት መልአከ እግዚአብሔር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምእንቲ እቶም ትማሊ ፍጻመ ሆሎዶሞር ዝዘከሩ ዩክረይን ጸሎት አዕረጉ፣ ንኣምላኽ ከኣ ስለቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጥኤምን እተገብረ ተኹሲ ናይ ምቁራጽ ስምምዕ ኣመስገኑ ። ከምኡ ውን ክብረ በዓል ክርስቶስ ንጉሥ ምኽንያት ብምግባር ቅዱስ ኣቦና ንመንእሰያት ኣብ ህይወት ቤተ-ክርስትያን "ሕጉሳት ቀለስቲ አካላት" ክዀኑ ኣተባብዕዎም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ብመሰረት እቲ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ዝውጽእዎ ሓድሽ ኣዋጅ ዓመታዊ አብቲ ክብረ በዓል ክርስቶስ ንጉሥ ኣድማስ ዝኸብረሉ ዕለት — ከምቲ ላቲናዊ ሥርዓተ አምልኾ ዝእዝዞ አብታ መወዳእታ ሰንበት ናይ ሊጡርጊያዊ ዓመት — ዓለምለኻዊ መዓልቲ መንእሰያት ብፍላይ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ሰበኻታትን ኤጳርቅናታትን ተዘኪሩ ውዒሉ ።

ድሕሪ ጸሎት መልአከ እግዚአብሔር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንመንእሰያት "ናይዚ ዘመንን ናይ መጻእን" ብምባል  ከምኡውን "ኣብ ህይወት ቤተ-ክርስትያን ሕጉሳት ቀለስቲ አካላት " ክዀኑ ብምምሕጻን ነቲ ክብረ በዓል ዘከርዎ።

ዝኽሪ ሆሎዶሞር

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብ ዩክረይን እተገብረ ዝኽሪ ሆሎዶሞር “እቲ ኣብ 1930ታት ኣብ ትሕቲ ሕብረት ሶቭየት ብጥሜት ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ዩክሬናውያን ዝተፈጸመ ህልቂት እውን ዘኪሮም። ቅዱስነቶም ነቲ አብ ዩክረይንን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብምምልካት - "ኣብ ክንዲ ነቲ ዝሓለፈ ቁስሊ ምሕዋይ በቲ አብ ልዕሊ እቲ ፍቑር ሕዝቢ ዝወርድ ዘሎ ስቓይን ዝቕጽል ዘሎ ግፍዒን እዚ ውግእ እዚ ዝገደደ ስቓይ ኢዩ ዝውስኽ ዘሎ” ክብሉ አመልኪቶም ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አብ ዘስምዕዎ ቃል "ጸሎት ንጽልኢ ዜጥፍእ፣ ዑደት ሕነ ምፍዳይ ዚሰብር ከምኡ ውን ዘይተጸበኻዮ መገዲ ዕርቂ ዝኸፍት ሓይሊ ሰላም እዩ " ብምባል ቀጻሊ ጸሎት ክግበር ጻውዒት ኣቕሪቦም ።

ስለቲ ተኹሲ ናይ ምቁራጽ ስምምዕ ንኣምላኽ አመስጊኖም

ድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነታ ቅድስቲ መሬት ብምዝካር ስለቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጥኤምን እተገብረ ተኹሲ ናይ ምቍራጽ ስምምዕን ከምኡ ውን ንገለ ኻብቶም ጅሆ ተታሒዞም ዝነበሩ ሰባት ናጻ ስለ ዘውጽኦምን ንኣምላኽ  ኣመስገንዎ።

ብእተኻእለ መጠን ኵሎም እቶም ዝተረፉ ውን ብዝቀልጠፈ ናጻ ምእንቲ ኽንወጽኡን ምእንቲ ስድራቤቶምን ክንጽሊ ተማሕጺኖም ። ቅዱስ አቦና አስዒቦም ዝያዳ ናይ ግብረ - ሰናይ ረድኤት ናብ ጋዛ ምእንቲ ኽበጽሕ ብምሕታት፣ ዘተ ከም ዘድልን ኣትሪሮም አመልከቱ ። "እቶም ዘተ ምግባር ዘይደልዩ ሰላም ኣይደልዩን እዮም" ድማ በሉ።

ናብ መበል 28 ዓውደ ጉባኤ ብዛዕባ ምዝባዕ አከባቢያዊ ኩነታት አየር

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ አብ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ዱባይ ዝካየድ ብዛዕባ ዓለምለኻዊ ምላሽ ለውጢ ዅነታት ኣየር ዝዝቲ መበል 28 ዓውደ ጉባኤ ዘኪሮም ። ቅዱስነቶም አብ ዘስምዕዎ ቃል "ኣብ ርእሲ ውግእ ዓለምና በቲ ኣብ ምድሪ ብፍላይ ከኣ ንዚመጽእ ወለዶታት ኣብ ሓደጋ ዜእቱ ኻልእ ዓብዪ ሓደጋ ማለት ብዘንኪ ምዝባዕ አከባቢያዊ ዅነታት ኣየር እውን፣ ዓለምና ኣብ ሓደጋ እያ ዘላ" ኢሎም ኣጠንቀቑ። እዚ ድማ "ምስቲ ንህይወት ዚኸውን ኵሉ ዝፈጠረ ኣምላኽ ዘውጸኦ ውጥን ዚጋጮ እዩ" ድማ በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝመጽእ ዘሎ ዓርቢ ዕለት 1 ታሕሳስ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ክበጽሑን  አብቲ ዝኻየድ ዓውደ ጉባኤ ከም ዝሳተፉን ተፈሊጡ አሎ ። "ንዅሎም እቶም አብዚ ጕዕዞኦም ብጸሎቶም ዘሰንይዎ" ምስጋናኦም ውን ገለጹ። ኣብ ርእሲ እዚውን ስለቲ "ነዛ ሓባራዊት ቤትና ንምዕቃብ ወሳኒ ቆራጽነት ብምውሳዶም" ኣመስገንዎም ።

27 November 2023, 16:16