ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስካውያን መንፈሳዊ ውህበት ማሕበሮም ኣብ ዓለም ከነብርዎ የተባብዑ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስካውያን መንፈሳዊ ውህበት ማሕበሮም ኣብ ዓለም ከነብርዎ የተባብዑ 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስካውያን መንፈሳዊ ውህበት ማሕበሮም ኣብ ዓለም ከነብርዎ የተባብዑ

እቲ ዕለት 29 ሕዳር 1223 ዓ.ም. ዝጸደቀ ናይ ፍራንቸስካውያን ኣሃው ማሕበር ሕጊ ዝኽሪ መበል 800 ዓመት፡ ምኽንያት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ፍራንቸስካውያን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ፍራንቸስካውያን ካህናትን ደናግልን ናይ ወንጌል ድኽነትን ሕውነትን ናብዛ ናይ ሎሚ ዓለም ንምምጻእ ጸዋዕታኦም ንኸሕድሱ ይምዕዱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ፍራንቸስካውያን ስድራ ቤት ናብ ዓለም ወንጌል ንኸብጽሑ ነቲ ናይ መስራቲኦም ናይ ሕውነትን ድኽነትን ትሕትናን ዝብል ዝተዓደልዎ መንፍሳዊ ህያብ - መንፈሳዊ መስህብ ከጽንዑ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ 1223 ዓ.ም. ናይ ፍራንቸስካውያን ናይ ማሕበር ሕጊ

ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ፍራንቸስካውያን ኣሃውን ኣሓትን ነቲ “ብሕውነትን ሰላማዊ ናብራን ዝልለ ጸዋዕታኦም” ክፍጽሙን ማለት “ካብ ገዛእ ርእሳ ናይ እትወጽእ ናብ እትብል ቤተ ክርስቲያን መግለጺ ክኾኑ ጻውዒት ኣቕሪቦም። ናይ ፍራንቸስካውያን ማሕበር ሕጊ ቅድሚ 800 ዓመት ልክዕ ዕለት 29 ሕዳር 1223 ዓ.ም. ቤተ ክርስቲያን ብወግዒ ቅቡል ቢላ ዘጽደቐትሉ ዕለት ምዃኑ ቅዱሰነቶም ኣብቲ ዘመሓላለፍዎን በዚ መበል 800 ዓመት ዝኽሪ ምኽንያት ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራኖ ናይ ሮማ ተራዳኢ ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ኣንጀሎ ደዶናቲስ ኣብ ዝሰርዕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዘንበብዎ መልኽቲ ተመልኪቱ ከም ዘሎን፥ እዚ ፍጻሜ እዚ ዝኽሪ ጥራይ ዘይኮነስ ልዕሊ ኩሉ ድማ “ነቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ኣብ ወንጌል ዝጸንዐ ፍልዩ መሳጥን ወንጌላዊ ሕይወት ንኸቕርብ ዝደረኾ ንገዛእ ርእሱ ካብ ኩሉ ነገራት እዛ ዓለም ናጻ ገይሩ ዝነበሮ መንፈሳውነት ህያው ንምግባር ዝዕድም ኣጋጣሚ እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም ንኣባላት ማሕበር ፍራንቸስካውያን “ድኽነትን ትሕትናን ወንጌልን” ምንባር ዝብል ናይ ፍራንቸስኮ መንፈስ “ብተኣዝዞን ድኽነትን ፍቕርን” ከነብርዎ ተማሕጺኖም፡ “ፍራንቸስኮ ወንጌል ኣብ ህይወቱ ዘወሰጠን ናይ ህይወቱ ተመክሮ ከም ዝገበሮ” . . . ኣዘኻኺሮም፥

ክርስቶስ ናይ መንፈሳዊ ህይወትኩም ሕመረት እዩ! ብሓቂ ኣብ ቤት ትምህርቱ ስርዓትን ህይወትን ዝመሃሩ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣስንትዮን ኩኑ!

ንቤተ ክርስቲያን ምእዛዝ

ቢሎም፡ ብድሕሪ’ዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ኣብ ናይ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ሕጊ ዝተሰረተ ተኣዝዞ ንቤተ ክርስቲያን ዝብል ትእዛዝ ፍራንቸስካውያን ኩሎም ከኽብርዎን ክነብርዎን፡ “ኣብቲ ንር.ሊ.ጳ.ን ቤተ ክርስቲያን ሮማን ናይ ምእዛዝን ኣኽብሮትን ማእስር፡ ንጸዋዕታኦምን ንክርስቶስ ኣብ ቅዱስ ቁርባን ምቕባልን ኣገዳሲ ምዃኑ ዘመላኽት ባህሪ ኣለልዮም ነዚ እዩ ድማ፡ ብዘይ ሰጋእ መጋእ ናይ ቤተ ክርስቲያን ምዃኖም” ክምስክሩ ዝጽውዑ{

ንቤተ ክርስቲያን ኣብ ምድጋፍ ጽኑዓት ኩኑ፡ ብኣብነትን ኣብ ምጽጋናንን። ዋላ እውን ዝያዳ ዋጋ ዘኽፍል ኣብ ዝመስለሉ እዋን!

ናብ ዓለም ምውጻእ

ኣብ መወዳእታ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ነቶም ፍራንቸስካውያን መነኮሳትን ኣሓትን፡ ናብ ዓለም ክወጹ “ናይ ድኽነት ዕግበት ተኻፊልና፡ ተባዓት ወንጌላዊ ምልክት ክኾኑን፡ ከምኡ’ውን ብውግኣትን ግርጭታትን፡ ብዅሉ ዓይነት ርእሰ-ፍትወትን ስነ-መጐት ምዝመዛ ከባቢን ድኽነትን ዝልለይ ዘመንና፡ ወንጌል ብሓቂ ንሰብ ብስራት ምዃኑ ምርኣይ የድሊ፡” ፍራንቸስካውያን ነቲ ፍራንቸስኮ ዝተቐበሎ መንፈሳዊ መስህብ ወይ መንፈሳዊ ህያብ ብትብዓትን ብተኣማንነትን ዝምልስሉ ቅኑዕ መገዲ ከለልዩ መታን ኣማላድነት ድንግል ማርያምን ቅዱሳን ፍራንቸስኮን ኪያራ ዘሲዚን ከም እተማሕጸኑ ኣፍሊጡ።

30 November 2023, 16:28