ድለ

2023.11.23 Delegazioni della Federazione Italiana Settimanali Cattolici; dell'Unione Stampa Periodica Italiana; della Associazione Corallo; e dell'Associazione Cittadini Mediali AIART 2023.11.23 Delegazioni della Federazione Italiana Settimanali Cattolici; dell'Unione Stampa Periodica Italiana; della Associazione Corallo; e dell'Associazione Cittadini Mediali AIART  (Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ.፦ ንካቶሊካውያን ሰብ-ሞያ መራኸቢ ብዙሓን “ናይ ሓድነትን ሕብረትን መስፋሕፋሕቲ ኩኑ”

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንተወከልቲ ሃገራዊ ፈደረሽን ሰሙናዊ ካቶሊክ እተሰማየ መጽሔትን ሕብረት እዋናዊ ሕትመትን፣ ንናይ “ካራሎን” ንማሕበር ዜጋዛት ንመራኸቢ ብዙሓን ኢጣልያ ኣብ ዘለገስዎ መደረ፣ ኣብዚ ምዕቡል ዓለም "ንስነ-ምሕዳር መራኸቢ ብዙሓም" ንኼስፋሕፍሑን ኣብነት ብጹእ ካርሎ ኣኩቲስ ኪስዕቡን ኣተባብዕዎም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ናይ ኢጣልያውያ ሰብ-ሞያ መራኸቢ ብዙሓን ተወከልቲ አብ ዝለገስዎ ቃል፣ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዝኸውን ዘሎ ናይዚ ዘመን እዚ ለውጥታት "ንኽብሪ ደቂ-ሰባት ንምድንፋዕን ፍትሒን ሓቂን ንምስፋሕን ሕጋውነትን ትምህርታዊ ሓላፍነት ንምስካምን ሓድሽ ቈራጽነት" ከም ዘድሊ ገለጹ።

መናድቕ ዘይኰነስ ድልድል ምፍጣር

ትማሊ ሓሙስ ዕለት 24 ሕዳር ካብ ሃገራዊ ፈደረሽን ሰሙናዊ ካቶሊክ እተሰምየ ናይ ኢጣልያ ማሕበር ሕትመታትን፣ ንናይ "ኮራሎ " ከምኡውን "ንናይ ማሕበር ዜጋታት ንመራኸቢ ብዙሓን" ወኪሎም ምስ ዝመጹ ሰብ-ሞያ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ እተገብረ ኣኼባ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አብ ዘስምዕዎ መደረ ተልእኾ መራኸቢ ብዙሓምን “ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥን፣ ናይ ርክብ መስመራት ንምስራሕን፣ ከምኡ ውን መናድቕ ዘይኮነስ ድልድል ንምሕናጽ” ዝዓለመ ከም ምዃኑ አዘኻኸርዎም።

በዚ ኸምዚ ይብሉ ቅዱስነቶም ኣብዚ ሎሚ ዘሎ ዓለም ዓበይቲ "መገድታት መራኸቢ ብዙሓን" ብዝቕልጠፈን ካብ መጠን ንላዕሊ ሓበሬታታት ዝበዝሓሉ እናዀነ አብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ሰብ ሞያ መራኸቢ ብዙሓን ወትሩ ክስዕብዎ ዘለዎም ሰለስተ መገድታት ከም ዘለዉ አመልከቱሎም ።

መገዲ ትምህርቲ

እቲ ቐዳማይ መገዲ "መጻኢ ሕብረተሰብ ኣብ ሓደጋ ስለ ዘሎ" ኣድላዪ ዝዀነ ትምህርቲ ምምሃር ምዃኑ ገለጹ። እወ ትምህርቲ ነቶም ሎሚ ኣብዚ ምዕቡል መራኸቢ ብዙሓን ዝተማህዘሉ ዓለም ወለዶታት ሽማግሌታትን መንእሰያትን  ዝራኸቡሉ መገዲ እዩ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንመንእሰያት "ኣብዚ ሎሚ ዘሎ ሕልኽላኻት ናይ ዘመና ብፍላይ ከኣ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዘሎ ዓለም ኣንፈቶም ከይጥፍኡ "ጥንቃቐን ብልሓትን" ምምሃር ከም ዘድልዮም ገለጹ።

"ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ሃዋህው" ምፍጣር

እዚ ካቶሊክ ሰሙናዊ እተሰመየ ማሕበር አብዚ ወሳኒ ግደ ኣለዎ - "ብዛዕባ እዚ ህሞት እዚ ዜና ጥራይ ዘይኰነስ ኣእምሮን ልብን ንምህናጽ ዝዓለመ ሰብኣውን ክርስትያናውን ግንዛቤ ኢዮም ዘመሓላልፉ።"

ስለዚ ቅዱስነቶም ነቶም ኢጣልያውያን መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ማሕበረሰባት ኣብያተ-ትምህርቲ ከምኡውን ስድራቤታት "ናይ ሕብረትን ሓድነትን ሃዋህው " ከስፋሕፍሑ ተማሕጸንዎም - "ካብ ዜና ታትን ጸብጻባትን ሓሊፉ ወትሩ ክኽበሩ ዘለዎም ስምዒታት ዛንታታት ህያዋን ዝኾኑ ሰባትን  ከም ዘለዉ ንሕዝቢ ከተዘኻኽርዎም እዚ ኢዩ ጸዋዕታኹም!” ክብሉ ተማሕጸንዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ምዝርራብን ርክባት ምግባርን ንማሕበረሰብ ኣኽብሮትን ሓልዮትን ይምህሮ ኢዩ! " እንተላይ ነቲ ኣብ መንጎ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ አንስትዮን ዘሎ ጽልዋታት ዝትንክፍ ርክብ ከም ዘማዕብል ኣትሪሮም ገለጹ ።

ነቶም ኣብ ሕብረተሰብ ዘለዉ ዝደኸሙ ንምዕቋብ ዚሕግዝ መገዲ

እቲ ኻልኣይ መገዲ ቅዱስ አቦና ዝጠቐስዎ ኸኣ ብፍላይ ነቶም ኣብ ሕብረተሰብ ዘለዉ ዝደኸሙ ጕጅለታትን አካላትን እንተላይ ንመንእሰያት ንኣረጋውያንን ስንኩላንን "ካብ ወረራ ናይዚ ምዕቡል ዓለም መራኸቢ ብዙሓን ከምኡውን ካብ ጐስጓስን ተኸራካርን ዝኾነ ርክባት" ዘዕቁቦም ከም ምዃኑ ኢዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነዞም ካቶሊካውያን ጋዜጠኛታት ብዘይ ፍርሂ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ በርገሳዊ ፍልጠት ከም ዘስፋሕፍሑ ብምግባር "ናይ መራኸቢ ብዙሓን ዲሞክራሲያዊ ሕቶ" ምዃኑ ገለጹሎም።

መገዲ ምስክርነት

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሓደ መገዲ ምስክርነት ከም ምዃኑ ኣጕልሑ ። ቅዱስ አቦና አብዚ መዳይ እዚ ንአብነት ብፁዕ ካርሎ ኣኲቲስ ብምጥቃስ፣ ንሱ ብንእስነቱ "ነዚ ሓድሽ ተክኖሎጂ መራኸቢ ብዙሓን ኢንተርነት ወንጌል ንምምስካርን ስነ-ምግባራዊ ስርዓታትን ጽባቐን ንምምሕልላፍ ብኸመይ ከም ዝጥቀመሉ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ" ብምባል መስከሩሎም ።

እወ "ምስክርነት ትንቢት ኢዩ፣ ነቲ ምቹእ ከባቢና ኣብ ሓደጋ ንኸይነእቱ ሓራ ዘውጽእን  ናብ መሃዚ ዝኾነ ክእለት ዝድርኸናን ኢዩ " ከምኡውን "ኣብ ወንጌል ዘሎካ ተኣማንነት ኣንጻር እቲ ሓፋሽ ዝስዕቦ ዘሎ ማለት ኣብ ግላውነት ዝነገሰላ ዓለም ሕውነት ክትሰብኽ፣ ኣብዛ አብ ውግእ ዘለዋ ዓለም ሰላም ከም ዝህሉ ክትገብር፣ ኣብዛ ዓቕሊ ዘይብላን ግዲ ዘይብላን ዓለም ንድኻታት ክትቅበሎምን ክትቀርቦምን" ዝሕግዝ ክኸውን አለዎ በሉ።

ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንብፁዕ ካርሎ ኣኩቲስን ንቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘሳለስን ጠበቓታት ናይ ካቶሊካዊ ማሕበር ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን ብምጽዋዕ ኣብ መገዲ ስራሓቶምን አገልግሎትን ምስክርነትን ክስጉሙ ምእንቲ ክህግዝዎም ነዚ ናይ ኢጣልያ መራኸቢ ብዙሓን ዕዮ ድማ ብሕድሪ ብምውፋይ መደረኦም ዛመዘሙ ።

24 November 2023, 16:08