ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ብዛዕባ ኣንስታዊ ሸነኽ ቤተ ክርስቲያን ኣስተንትኖ ክግበር ይጽውዑ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ብዛዕባ ኣንስታዊ ሸነኽ ቤተ ክርስቲያን ኣስተንትኖ ክግበር ይጽውዑ  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ብዛዕባ ኣንስታዊ ሸነኽ ቤተ ክርስቲያን ኣስተንትኖ ክግበር ይጽውዑ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ዕለት 3 ሕዳር ንኣባላት ኣህጉራዊ ሽማግለ ቲዮሎጊያዊ ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ዝያዳ ደቂ ኣንስትዮ ቲዮሎጊያውያን ምሁራት ከምዘድልያ ኣጉሊሖም፡ እቲ ሽማግለ ድማ “ምስ ባህሊ ዓለም ዘተ ዘስፍሕ ሰባኬ ወንጌል ቲዮሎጊያ” ሓሳብ ከቕርብ ይጽውዑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ፍራንቸስኮ ዕለት 3 ሕዳር ብዛዕባ ተንስታዊ ሸነኽ ቤተ ክርስቲያን ኣጉሊሖም፣ ኣብ ቲዮሎጊያ ኣረኣእያ ደቂ ኣንስትዮ ከምዘድልይ ኣስሚሮም፥ “ደቂ ኣንስትዮ ካባና ደቂ ተባዕትዮ ንላዕሊ ናይ ተዮሎጊያዊ ኣስተንትኖ ዓቕሚ ኣለወን” ኢሎም።

እዚ ብዘይ ገለ ጸገም ዝብልዎ ሓሳብ፡ ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝጠቐስዎ ብቐንዱ ብደቂ ተባዕትዮ ዝቖመ ምስ ኣባላት ኣህጉራዊ ቲዮሎጊያ (ITC) ኣብ ዝተራኸብሉ እዋን እዩ።

ቤተ ክርስቲያን ተንስተይቲ እያ።

“ቤተ ክርስቲያን ተንስተይቲ እያ” ብምባል ኣስተንትኖኦም ቀጺሎም፥ “ጓል ኣንስተይቲ እንታይ ምዃና ወይ ናይ ጓል ኣንስተይቲ ቲዮሎጊያ እንታይ ምዃኑ እንተዘይተረዲእና ድማ ቤተ ክርስቲያን እንታይ ምዃና ፈጺምና ኣይክንርዳእን ኢና።” ንቤተ ክርስቲያን "ተባዕታይ ምግባር" ገና ፍታሕ ዘይረኸበ "ዓቢ ሓጢኣት እዩ" እንክብሉ ይገልጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ብኢየሱሳዊ ናይ ስነ መለኮት ምሁር ሃንስ ኡርስ ፎን ባልታሳር ዝሓሰቦ፥ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ዝተፈላለያ ጸዋዕታ ጻውዒት፣ ንሱ ድማ “ጴጥሮሳዊ” ወይ ኣገልገልታዊ መትከልን “ማርያማዊ” ወይ ሰቂለ ህሊናዊ መትከልን ዝብል ጠቒሶም፡ “ማርያም ካብ ጴጥሮሳዊ መትከል ንላዕሊ ኣገዳሲት እያ፣ ምኽንያቱ ቤተ ክርስትጊያን ተባዕታይ ዘይኮነት፡ መርዓት እያ፣ ጓል ኣንስተይቲ ቤተ ክርስቲያን ስለዘላ።”

እዚ ድማ ኣብ ኣህጉራዊ ናይ ቲዮሎጊያ ሽማግለ ዝያዳ ደቂ ኣንስትዮ ክውከላ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን ከም ጓል ኣንስተይትን ከም መርዓትን ዝያዳ ኣስተንትኖ ከህሉ መታን እዩ። “እዚ ዝሓተትኩም ዕማም’ዩ በጃኹም። ንቤተ ክርስቲያን ‘ኢተባእት ምግባር ዝብል እዩ።”

ወንጌላዊ ቲዮሎጊያ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ኣብቲ ዘዳለውዎ መደረእኦም፣ ነቶም ኣብቲ ርክብ ንዝተረኽቡ ክዕደል ዝገበረዎ፡ “ሎሚ ብኹሉ ጸዓት ልብናን ኣእምሮናን ን‘ናይ ቤተ ክርስቲያን ናብ ልእኽቲ ወንጌል ምልዋጥ’ ኣብ ዝብል ኣገልግሎት ክንውፍይ ተጸዊዕና ኣለና።” እዚ ድማ “ነቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ናይ ገዛእ ርእሱ ዝገበሮን ክሳብ ሕጂ ንቤተ ክርስቲያናዊ ጉዕዞና ዝመርሕን ዘሎ ጻውዒት ወንጌል ኢየሱስ” ምዃኑ የዘኻኽሩ።

ወሲኾም ድማ፡ ኣህጉራዊ ናይ ቲዮሎጊያ ሽማግለ መሪሕነት ክወስድ፡ ብብቑዕ መንገዲ፡ ብዛዕባ ሓቅነት ኣምላኽ ብዘእምን መንገዲ ከመይ ጌርካ ከም እተካፍል ዝፈልጥ “ኣተሓሳስባ” ኣብ ምርካብ ዝተጸውዐ ምዃኑን ከምኡ ድማ “ምስ ባህሊ ዓለም ዘተ ዘስፍሕ ወንጌላዊ ቲዮሎጊያ” ብምሕሳብ ከም ዝገብርን ገሊጾም፡ እዚ ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ተሰማሚዑ፡ “ንድኻታትን ኣብ ሓሳርን መከራን ንዝርከብ ሓለፋ ዘለዎ ቦታ” ኰይኑ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብጸሎትን ኣምልኾን እውን ኪግበር ከም ዘለዎ ሓቢሮም።

ዝኽሪ ጉባኤ ኒቅያ

ቀጺሎም ቅዱስነትም ነቲ ናይ ቲዮሎጊያ ሽማግለ ኣብ ሕቶታት ስነ-ሰብን ስነ-ምህዳርን ዝሰርሖ ስራሕ፣ ብፍላይ ኣብቲ ንመበል 1700 ዓመት ዝኽሪ ዝካየድ ዘሎ “እዋናዊን ቆራጽን ኣስተንትኖኦም ብዛዕባ ቀዋሚ ተዛማድነት ናይቲ ብኒቅያ ቀዳማይ ኩላዊ ጉባኤ ቤተ ክርስቲያን ዝተደንገገ ስላሴኣውን ክርስቶስኣውን እምነት” ኣተኲሮም ዝገብሮ ዘሎ ዕዮ ኣስተብሂሎም። ኣስዒቦም መንፈሳዊ፣ ሲኖዶሳዊን ኩለንተናዊን ትርጉም ጉባኤ ኒቅያ ኣጉሊሖም። ናይ ቲዮሎጊያ ሊቃውንቲ “ኣብ ቤት ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ጸልማት ዓለምን ሓድሽን ዘገርምን ብርሃን ዘለኣለማዊ ብርሃን ክርስቶስ ክዝርግሑ” ተጸዊዖም እዮም ኢሎም።

ኒቅያን ሲኖዳውነትን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሲኖዳውነት “ነቲ እግዚኣብሔር ብክርስቶስን ብስትንፋ መንፈስ ቅዱስን ናብ ሰብኣውነት ዝመጸሉ ስላሴኣዊ ምንቅስቓስ ናብ ኣተሓሳስባ ሕብረትን መስርሕ ሕብረትን ዝትርጉመሉ መንገዲ እዩ” ክብሉ ኣጽኒዖም ክገልጹ እንከለዉ፡ ሊቃውንቲ ቲዮሎጊያ “ናይቲ ሃብታም ዘደንቕን ሰብኣዊ ጸዓት ናይ ምግሃድ” ሓላፍነት ኣለዎም ምስ በሉ ኣስዒቦም፥

ናብ ናይ ሓባር ጽምብል ፋሲካ ገጹ

ኵሎም “ደቀ መዛሙርቲ ኢየሱስ” ነቲ ኣብ ኒቅያ ዝተኣወጀ እምነት ኣብ ምእማን ሓድነት ከም ዘለዎም ነቲ ዝኽሪ መበል 1700 ዓመተ ዝኽሪ ኩላዊ ጉባኤ ኒቅያ መሰረት ገይሮም ኣተሓሳሲቦም፡ ኣብ 2025 ዓ.ም. ዓመተ ዝኽሪ መበል 1700 ዓመት ኒቅያ ኣብ እንዝክረሉ ዓመት ኩለን ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ሓደ ዕለት ፋሲካ ከብዕላ ምዃነን ኣመልኪቶም፡ እዚ ግን “ኩሉ ግዜ ንሓባራዊ ዝኾነ በዓል ፋሲካ ጭቡጥ ጅማሮ እንተዝኸውን ክንደይ ጽቡቕ ምኾነ!” ቢሎም ነቶም ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ድማ “ብርሃን ወንጌልን ሕብረትን ብዝያዳ ክበርህ፡ ነዚ ሕልሚ እዚ ኣብ ልብና ተሰኪምና ናይ ምምሃዝ ፍጹም ብቕዓት ንዝለዎ መንፈስ ቅዱስ ክንምሕጸን እዕድም” ኣብክብሉ መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

30 November 2023, 16:33