ድለ

ር. ሊ. ጳ. ፦ “ኢየሱስ ሓጐስና እዩ!”

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ አስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ንዝተረኽቡ ምእመናን አብ ዝለገስዎ አስተንትኖ፣ ኣብዛ ሰሙን እዚአ ነቲ ብተኸታታሊ ክገብርዎ ዝጸሑ አስተምህሮታት ብዛዕባ ሓዋርያዊ ቅንዓት መጠቓለሊ ሓሳባት ንምቕራብ፣ ካብተን ኣርባዕተ ናይ ስብከተ ወንጌል መንፈሳውያን ሓይልታት ኣብታ ቐዳመይቲ “ሓጐስ” ብምትኳር ድማ ኢየሱስ ቀጻሊ ምንጪ ወንጌላዊ ሓጐስና ምዃኑ ብምጕላሕ፣ ከምኡውን ምስ ነፍሲ ወከፍና ወትሩ ምሳና ዝጕዓዝ ዓርክና ምዃኑን አስተምሃሩ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ምንጪ ሓጐስና ኢየሱስ እዩ! እቲ ምሳና አብ ጕዕዞና ዝርከብ እሙን ዓርክና ድማ ኢዩ፣ እንክብሉ አብ አስተንትኖኦም አስመሩሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ኣብቲ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝገበርዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ አስተምህሮ ትምህረተ ክርስቶስ ነዘን ቃላት እዚኣተን አዕሚቘም ብምስትንታን አስተምሃሩ ።

ቅዱስነትም ነቶም አብ ጕዕዞ ቤተክርስቲስያን ሓያል ሓዋርያዊ ቅንኣት ዜንጸባርቑ ሰባት ብተኸታታሊ ዝኾነ ትምህርታትት ድሕሪ ምግላጾም፣ አብዛ ሰሙን እዚአ በቲ አብ “ሓጐስ ወንጌል” ዘርእስቱ ናይ መጀመርያ ሓዋርያዊ ምዕዳኖም ተጠቒሱ ዘሎ መግለጺ መሰረት ብምግባር ንሓዋርያታዊ ቕንኣት ብኣርባዕተ ነጥብታት ኣሕጽር አቢሎም ብተኸታታሊ ከስተምህርዎ ከመ ዝወሰኑ አመልከቱ

ኣብዛ ሰሙን እዚኣ ቅዱስ አቦና ኻብተን ኣርባዕተ ነጥብታት አብታ ቐዳማይ ማለት ብዛዕባ “ሓጐስ” አስተምሃሩ ።

ካብዚ ብምቕጻል ምሉእ ትሕዝቶ አስተምህሮ ቅዱስነቶም ነቕርበልኩም።

ፍቑራት ኣሕዋትን ኣሓትን ከመይ ሓዲርኩም!

ብዛዕባ ሓያሎ መሰኻኽር ስብከተ ወንጌል ድሕሪ ምርአይና፣ ነዚ ብዛዕባ ሓዋርያዊ ቅንአት ክንገብሮ ዝጸናሕና ተኽታታሊ አስተምህሮታት ካብቲ ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ዓስራይ ዓመት ሕትመቱ እንዝክሮ ዘሎና “ሓጐስ ወንጌል” ዘርእስቱ ሓዋርያዊ ምዕዳን ብምጥቃስ፣ አብ አርባዕተ ነጥብታት ክንጾምቆ ኢና።  እቲ ቀዳማይ ነጥቢ  ሎሚ እንርእዮ ምስቲ ዕዮ ወንጌላውነት ዝተሓሓዝን አባኡ ዚምርኰስን መገዲ እዩ፣ እዚ ኸኣ ሓጐስ እዩ። እዚ ሓጐስ እዚ እቲ መልኣኽ [አብቲ መድሓኒና ዝተወልደሉ ለይቲ] ነቶም ንጓሶት ካብ ዝነገሮም ብስራት ከም ዝሰማዕናዮ፣ ክርስትያናዊ መልእኽቲ "ዓብዪ ሓጐስ" ዝብል ኣዋጅ ዝሓዘለ ኢዩ (ሉቃ 2፡10) ። እዚ ዓብዪ ሓጐስ እዚ ዝርከበሉ ምኽንያትከ እንታይ እዩ ? ብስራት፡ ዘይተጸበኻዮ ነገር፡ ወይ ባህ ዜብል ፍጻመ ብምዃኑ ድዩ? ኣብ ርእሲ ኹሉ ንሱስ ሓደ  ኣካል ኢዩ - ንሱ ድማ ኢየሱስ ኢዩ! ንሱ ኣምላኽ ክንሱ ሰብ ዝኾነ፣ ናባና ዝመጸ ኢዩ። አሕዋትን አሓትን እቲ ሕቶ ክንሰብኮ አለና ዶ ወይስ የብልና ዝብል አይኮነን፣ እንታይ ደአ ከመይ ቢልና ክንሰብኮ አለና ዝብል ኢዩ። እዚ ከመይ ዝብል ሕቶ ድማ “ሓጐስ” ኢዩ መልሱ። ንኢየሱስ ወይ ብሓጐስ ኢና እንሰብኮ፣ እንተ ዘይኮይኑ ግና ክንሰብኮ አይንኽእል ኢና፣ ምኽንያቱ ብዘይካ ብሓጐስ ብኻልእ መንገዲ ምስባኹ ነቲ ሓቀይና ኩነት ኢየሱስ ናብ ደቅሰባት ከብጽሖ አይክእልና ኢዩ።

በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ ሓደ ዘይሕጉስ፡ ጉሁይ፡ ዘይዕጉብ ወይ ከኣ ቅሬታ ዘለዎ ወይ ውን ሕሱም ዝዀነ ክርስትያን ንኽርስቶስ ክዘብኮ ዘይክእል ። እዚ ከምዚ ዝበለ ሰብ ብዛዕባ ክርስቶስ ክዛረብ ይኽእል ይኸውን፣ እንተኾነ ግን ወላ ሓደኳ ክአምኖ አይርከብን ኢዩ ። ሓደ እዋን ሓደ ሰብ ብዛዕባ ክርስቲያን ምእመናን ከምዚ ክብለኒ ይዝከረኒ፣ “እዚአቶምሲ አምሰሉ ዝኾነ ገጽ ዘለዎም ኢዩም!” እዚ ማለቱ ድማ ምንም ዘንጸባርቕዎ ነገር የብሎምን ማለት ኢዩ፣ ሓጐስ ግና መሰረታዊ ነገር ኢዩ። ስለዚ “ብዛዕባ ስምዒታትና ኽንጥንቀቕ ኣሎና ። ስብከተ ወንጌል ብሕጉስ መንፈስ ኢዩ ዝሰላሰል፣ ምኽንያቱ ካብ ዕጋበት ደአ እምበር አብ ጸቕጢ አይኮን ዝብገስ። ሓደ ሰብ ወንጌል ክሰብኽ እንከሎ - ወይ ክሰብኽ እንተ ፈተነ፣ ክኾነሉ አይክእልን ኢዩ - ወንጌል አብ ደረጃ ስነ-ሓሳብ አይኮነን ዝንገር፣ ወንጌል ስብከት ኢዩ፣ እዚ ድማ ናይ ሓጐስ አዋጅ ኢዩ። ኩሎም ስነ-ሓሳባት ዝሑላት ኢዮም፤ ወንጌል ግና ናይ ሓጐስ ሙቐት አለዎ። ስነ-ሓሳብ ብኸመይ ከም ትስሕቕ አይፈልጥን ኢዩ፣ ሓጐስ ግና ሰሓቕን ፈገግታን ኢዩ፣ ወንጌል ከም እትሕጐስ ኢዩ ዝገብረካ፣ ከመይ ንመንፈስካ በቲ ሠናይ ዝኾነ ዜና ስለዝትንክፎ ።

ከምቲ ኣብ ታሪኹን ህይወቱን ከም እተራእየ ልደት ኢየሱስ ምንጪ ሓጐስ እንተ ደአ ዀይኑ፣ እቲ ምልአት ሓጐስ ድማ ኣብ ፋሲካኡ ኢዩ ። እስከ ብዛዕባ እቶም ክልተ ሰብ ኤማሁስ ንሕሰብ፣ ነቲ ሓጐሶም ክአምንዎ ዘይከአሉ፣ ከምኡ ውን ብዛዕባ እቶም ካልኦት አርድእቲ፣ አብቲ ብሓባር ዝነበሩሉ ቤት ድሕሪ ትንሣኤ፣ አብቲ ተአኪቦምሉ ዝነበሩ ላዕለዋይ አዳራጽ ኢየሱስ ምስ መጸ፣ ነቲ ሓጐስ ናይ ዝተንሥኣ ኢየሱስ ክኣምንዎ አይከአሉን። ምስ ኢየሱስ ምርኻብ ወትሩ ሓጐስ ኢዩ ዘምጽኣልካ፣ ከምኡ እንተ ዘይኮይኑ ግና እቲ ርክብ ሓቀይና ርክብ አይነበረን ማለት ኢዩ።

ስለዚ በቲ ኢየሱስ ምስ ሓዋርያት ዝገበሮ ነገራት ዝነግረና እንተ ደአ አልይዎ፣ ብቀዳምነት ብወንጌል ክስበኹ ዘለዎም ብዕሎም እቶም ደቀመዛሙርቲ ምዃኖም ኢዩ ። ስለዚ ብቐዳምነት ብወንጌል ክንስበኽ ዘሎና ንሕና ኢና፣ ንሕና ክርስቲያን። እዚ ድማ አገዳሲ ነገር ኢዩ። ኣብዚ ሎሚ ዘሎ ቅልጡፍን እተደናገረን ሃዋሁ ጥሒልና፣ ብሓቂ ድማ ንሕና ውን ንገዛእ ርእስና በዚ ናይዚ ዘመን ኩነት ተታሊልና ብረቂቕ መገዲ ካብ ንእምነትና ብልጋስ ወንጌል ክስማዕን ክስበኽን ከም ዘይብሉ ጌርና ብምእማን  ክንክሕድ ንርከብ ኢና ። ግደፎም እንዶ እቶም "ካልኦት" ቃሕ ከም ዝበሎም ኪዀኑ ይኽእሉ ኢዮም ብዚብል ሓሳብ እውን ኪፍተን ዝከአል እዩ። ኣብ ክንድኡስ ክርስቶስ "ንዘለኣለም ሓድሽን ዘየቋርጽ ምንጪ ሕዳሴናን" ምዃኑ (ሓጐስ ወንጌል 11) ንምግንዛብ ናብ ወንጌል እንምለሰሉ እዋን ኢዩ።

ስለዚ ልክዕ ከምቶም ክልተ ሰብ ኤማሁስ፣ ከምቲ እቲ ክብቡር መዝገብ ዝረኸበ ሰብ ብውዕዉዕ ስምዒት ናብ መዓልታዊ ህይወቱ ዝምለስ። ሓደ ካልእ ሰብ ድማ ገለ ሓንቲ ቓል ተስፋ እኳ ዚጽበዩ ኣሕዋትን ኣሓትን ከም ዘለዉ ዝርዳእ ክኸውን አለዎ ። እወ ንወንጌል ሎሚ ኩሉ ሰብ ይጽበዩ ኣሎ - ኣብ ኵሉ ዘመና ዝነብሩ ደቅሰባ፣ ውላውን እቶም አብዚ እምነቱ ዘጥፍአ ብዓለማዊ አተሓሳስባ ዝተወደበ ምዕቡል ዓለም ዘለዉ ሳብት ውን እንተኾኑ፣ እወ ብፍላይ ከአ እቲ ካብ ሃይማኖታዊ ትርጕም ዝወጸ ሕብረተሰብ ምድረ - በዳ ኢዩ ። ስለዚ እዚ እዋን እዚ ኢየሱስ ክስበኸሉ ዘለዎ ግቡእ እዋን እዩ ። ሎሚ ንኹልኻትኩም ከምዚ ዝስዕብ ክብለኩም እደሊ አሎኹ "ሓጐስ ወንጌል ንልብን ህይወትን ኵሎም እቶም ንኢየሱስ ዝረኸብዎ ሰባት ይመልኦ እዩ። እቶም ኩሎም ነቲ ንሱ ዝህቦም  ዕድል ምድሓን ዚቕበሉ ካብ ሓጢኣትን ጓህን ውሽጣዊ ባዶነትን ጽምዋን ሓራ ዝገብሮም ኢዩ። ምስ ክርስቶስ ምስ እንኸውን ሓጐስ ወትሩ ከም ብሓድሽ እዩ ዝመልአና ።” በጃኹም ነዚ አይትረስዑ። ሓደ ሰብ ነዚ ሓጐስ እዚ እንተ ደአ ዘይረኸበ ኮይኑ ወይ ዘይርድኦ ኮይኑ፣ ምስ ኢየሱስ ምርኻቡን ዘይምርኻቡን ከረጋግስ ገዛዕ ርእሱ ክሓትት አለዎ ። ንሱ ውሳጣዊ ሓጐስ ኢዩ፣ ወንጌል መንገዲ ሓጐስ ኢዩ ዝኽተል፣ ወንጌል ወትሩ ድንቂ ዝኾነ አዋጅ ኢዪ።  “... ንዅሎም ክርስትያን ኣብዚ ህሞት እዚ ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ዳግም ብሕታዊን ጥቡቕ ርክብ ንኺገብሩ እዕድሞም ኣለኹ (ሓጐስ ወንጌል 1, 1.3) ። ነፍስ ወከፍኩም ገለ ግዜ ወሲድኩም አስተንትኑ፡ “ኢየሱስ ንስኻ አብ ውሽጠይ አሎኻ። መዓልታዊ ምሳኻ ርክብ ክገብር እደሊ አሎኹ። ንስኻ ሓደ ሕይው ዝኾነ አካል ኢኻ ደአ እምበር ስነ-ሓሳብ አይኮንካን፣ ንስኻ ምሳይ እትጕዓዝ ብጻየይ ኢኻ፣ ንስኻ ኢየሱሰይ ናይ ሓጐሰይ ምንጪ ኢኻ፡ ንስኻ ናይ ስብከተ ወንጌል ጅማሬ ኢኻ። ንስኻ ኢየሱስ ናይ ሓጐስ ምንጪ ኢኻ!” ንበሎ አሜን!

15 November 2023, 19:24