ድለ

ር. ሊ. ጳ. ፦ ርሕራሐን ምሕረትን ከነርኢ ተጸዊዕና ኣለና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 26 ሕዳር አብ ጸሎት መልአከ እግዚአብሔር፣ ብዛዕባ ክብረ በዓል ክርስቶስ ንጉሥ አመልኪቶም አብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ፣ ድንጋጽን ምሕረትን ለውሃትን ከነርኢ ኸም እተጸዋዕናን አብ መወዳእታ ድማ ብዛዕባኡ ከም እንፍረድን ኣዘኻኸሩ ። ቅዱስነቶም ብምኽንያት ዘጋጠሞም ሕማም ኒኖንያ ናይ ምስትንፋስ ጸጋም ስለዘስዓበሎም፣ አብ ቲሕቲ ክንክን ጥዕና ስለ ዘለዉን ናይ ዕለቱ ጸሎት መልአከ እግዚአብሔር ካብቲ አብ ቤተ አጋይሽ ቅድስቲ ማርታ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ኮይኖም ኢዮም መሪሖም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከምቲ ልሙድ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልአከ እግዚአብሔር ብሰንኪ ሕማም ኒሞንያ ዘስዓበሎም ናይ ምስትንፋስ ጸገም አብ ክንክን ጥዕና ስለ ዘለዉን አብክንዲ እቲ አብዚ ቆራሪ ዝኾነ እዋን ቀውዒ ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ዘይኮነስ፣ ካብቲ አብ ቤተ አጋይሽ ቅድስቲ ማርታ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ኮይኖም አካየድዎ ። አብ ክንዲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ድማ እቶም ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ኣባይቲ ጽሕፈት አካያዲድራ ስራሕ ክቡር የኔታ አባ ፓውሎ ብራይዳ፣  ነቲ ቅዱስነቶም ቅድሚ ጸሎት መልአከ እግዚአብሔር ዘቕርብዎ አስተንትኖንን ድሕሪ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ዝልግስዎ ቃል ምሕጽንታን አንቢቦም ።

እቶም ንጸሎት መልአከ እግዚአብሔር አብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተረኽቡ ነጋድያንን በጻሕትን ድማ  በቲ ነቲ ፍጻመ ዜመሓላለፉ ዝነበሩ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተተኺሎም ብዘለዉ ዓበይቲ ቴሌቪዥናት ተኸታቲሎም ።

ክቡራትን ክቡራንን ሰማዕትና ካብዚ ብምቕጻል ምሉእ ትሕዝቶም ናይቲ ቅዱስነቶም ዝለገስዎ አስተንትኖ ነቕርበልኩም።

 

ፍቑራት ኣሕዋትን ኣሓትን ብሩኽ ሰንበት!

ሎሚ አብታ ናይ መወዳእታ ሰንበት ናይ ሊጡርጊያዊ ዓውደ አዋርሕ ንርከብ አሎና፣ ከምኡ ውን ሎሚ በዓለ ጐይታ ክርስቶስ ንጉሥ ኣድማስ ኢዩ። ናይ ሎሚ ሰንበት ወንጌል ብዛዕታ ናይ መወዳእታ ፍርዲ ኢዩ ዝዛረበና፣ ከምኡ ውን እቲ ናይ መወዳእታ ፍርዲ ብዛዕባ ምግባረ ሠናይ ከም ዝኾነ ኢዩ ዘመልክተልና።

እዚ ናይ ሎሚ ወንጌል ከም ዘንብናዮ፣ ብዛዕባ እቲ “ወዲ ሰብ” ዝኾነ ኢየሱስ (ቍ.31) አብ ዙፋን ፍርዲ እተቐመጠሉ መጋባእያ ኢዩ ዝነግረና። ኵሎም ሕዝብታት አብ ትሕቲ መርገጽ እግሩ ተኣከቡ፣ አብ መንጐኦም ድማ እቶም “እቶም ብሩኽቱ” (ቍ.34) ፍቁራት ናይቲ ንጉሥ ተረኺቦም ነይሮም። እዞም ሰባት እዚአቶም ግና መን ኢዮም? እዞም ኣዕአሩኽ እቲ ንጉሥ ተባሂሎም ዘለው እዚአቶም አብ ቅዳሚ ጐይታኦም ፍሉያት ዝኾኑ ስለምታይ ኢዮም? ብመሰረት መለክዒታት ናይ ዓለም፣ ኣዕሩኽ ንጉሥ ዝበሃሉ ንንጉሥ ሃብትን ስልጣንን ዘወፈዩ፣ ግዝአቱ ንኸስፋሕፍሕ፣ አብ ውግእ ንኽስዕር፣ ካብ ካልኦት ገዛእቲ ንላዕሊ ጸብለል ኢሉ ንኽርከብ ዝሓገዝዎ ሰባት፣ ምናልባት ውን አብ ቀዳማይ ገጽ ናይ ጋዜጣታቱ ወይ ውን ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ከም ከዋኽብቲ ዝጥቀሱ፣ ከም’ኡ ውን ብዛዕብኦም “ሃብታምን ውሩይን ገዛእን ዝፍራህን ንጉሥ ስለዘገብርኩምኒ የመስግነኩም!” ዝብሎም ሰባት ክኾኑ አለዎም። እዚ ግና በቲ ዓለማዊ ዝኾነ መለክዒኢታት ኢዩ።

እንተ ኾነ ግን ከም መለክዒታት ናይ ኢየሱስ ኣዕሩኹ ዝበሃሉ ካልኦት ኢዮም፣ እዚአቶም ከአ ነቶም ድኹማትን መሳኪንን ሰባት ዘገልግሉ ኢዮም። ከምዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ከአ ወዲ ሰብ ንድኻታት “ኣሕዋትይ” ኢሉ ዝጽውዕ ፍሉይ ንጉሥ ስለ ዝኾነ ኢዩ። ንሱ ንገዛዕ ርእሱ አብ መንጐ እቶም ዝጠመዩን ዝጸምኡን፣ ዝሓመሙን ዝተአስሩን ዝገብር “እቲ ንሓደ ካብዞም ዝነአሱ ኣሕዋተይ ዝገበርኩምዎ ንዓይ ከም ዝኸበርኩምዎ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፣” (ቍ. 40) ዝብል ክንዲ ዝኾነ ኢዩ። ንሱ ብዛዕባ ጸገማትን ጥሜትን፡ ስእነት ቤትን፡ ሕማምን፡ ማእሰርትን (ቍ 35-36) ዝሓስብ ለዋሕ ንጉሥ ኢዩ። እዞም ጸገማት እዚኣቶም ሎሚ ውን ሕማቕ ዕድል ኮይኑ አብ ዘመና ዝርከቡ ኢዮም። ዝጠመዩ ግዳም ሓደር ቅያር ክዳን ዘይብሎም ንጐደናታትና መሊኦሞ አለዉ፣ መዓልታዊ ድማ ንረኽቦም ኢና። ብዛዕባ ሕማምን ማእሰርትን ከአ፣ ኩልና ሕማም እንታይ ምኹኑን ንፈልጥ ኢና፣ ከምኡ ውን ጐጋ ምፍጻም ከመይ ምዃኑን ሳዕቤናቱ ምቕባልን ብዝምልከት ንፈልጥ ኢና።

ናይ ሎሚ ወንጌል ከም እቶም ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸገማት ብፍቕርን አገልግሎትን ምላሽ ዝህቡ ሰባት “ብፁዓን” ምዃኖም ይነግረና፣ ንሳቶም ገጾም ካብአቶም ብምኽዋል ዘይኮስ ምግንብ ማይን ክዳውንትን መጽለልን  ዝልግሱን ዝበጽሕዎምን፣ ብሓቂ ድማ ብቃልን ብግብርን ዝቐርብዎም ሰባት ኢዮም። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ከአ እቲ ንጉሥና ዝኾነ ኢየሱስ ንገዛእ ርእሱ ወድሰብ ቢሉ ዝጸውዐን፣ ነቶም ዝፍቅሮም ኣሕዋቱን አሓቱን ኣብቶም ተነቀፍቲ ዝኾኑ ሰብኡትን ኣንስትን ስለዝረኽቦም ኢዩ። እቲ ንጉሣዊ መጋባእያኡ ድማ አብቲ እዞም ዝሳቐዩ ሰባት ዘለዉሉን ሓገዝ ዘድልዮምን ሰባት ዝርከቡሉን ኢዩ ዝካየድ። እቲ ናይ “ንጉሥና መጋባእያ” እምበአር ከምዚ ዝመስል ኢዩ ። እቶም ንኢየሱስ ከም ጐይታ ዝተቐበልዎ ኣዕሩኹ ገዛእ ርእሶም ንኽወፍዩ ዝተጸውዑሉ ፍሉይ ኣንባብራ ህይወት ንኽስዕቡ ድንጋጸን ምሕረትን ርሕራሐን ዝሕተቱሉ መጋባእያ ኢዩ። ንልቦም አኽቢሮም ብምንባር ከም ዘይቲ ናብ ቁስሊ እቶም ሕይወት ዘቑሰለቶም ሰባት ዝፈሱ ኢዮም።

ስለዚ ኣሕዋትን አሓትን ገዛእ ርእስና ከምዚ ቢልና ንሕተት፦ ሓቀኛ ንግሥነት አብ ግብሪ ምሕረት ዝተመርኰሰ ከም ምዃኑ ንኣምን ዲና? አብ  ናይ ፍቕሪ ሓይሊ ንአምን ዲና? ግብረ-ሠናይ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ንግሥነታዊ ግልጸት ናይ ወድሰብ ምዃኑን ኩሎም ክርስቲያን ከማልእዎ ዘለዎም ናይ ግድን ኣድላዪ ብቕዓቶም ምዃኑን ንኣምን ዲና? አብ መዳእታ ከአ ፍሉይ ዝኾነ ሕቶ “ዓርኪ ንጉሥ ድየ?” እዚ ማለት ድማ ብግለይ አብ ግድነታትን ኣድላይነታትን ናይቶም ኣብ መንገደይ ዝረኽቦም ዝሳቐዩ ዘለው ሰብት እርከብ ድየ?

ቅድስቲ ድምንል ማርያም ንግስቲ ሰማይን ምድርን ንኢየሱስ ንጉስና  በትሑታትን መሳኪንን ኣሕዋቱ ኣቢልና ንኸነፍቅሮ ትሕግዘና ።

27 November 2023, 16:12