ድለ

ር. ሊ. ጳ. ፦ ኣብ ኣምላኽን ኣብቲ ኣምላኽ ዝሃበካ ምክሊትን ተኣማመን

ትማሊ ሰንብት ዕለት 19 ሕዳር ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንፍርሂ ኸነሰንፎን፣ ኣብቲ አምላኽ ዝሃበና ፍሉይ ምክሊት ተወኪልና አብ ንጥቕሚ ብዙሓትን ኣብ ምግልጋል ኻልኦትን ከነውዕሎ ከም እተጸዋዕና አስተምሃሩ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ትማሊ ሰንብት ዕለት 19 ሕዳር ንጸሎት መልአከ እግዚአብሔር አብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተኣኪቦም ዝነበሩ ነጋድያንን በጻሕትን ኣብ ዝለገስዎ አስተንትኖ ቃል አምላኽ፣ አብቲ ብዛዕባ ምክልቲ ዝዛረብ ክፊሊ ወንጌል ምርኩስ ብምግባር ብዛዕባ እተን  ክልተ እተፈላለያ መገድታት ብኸመይ ናብ አምላኽ ክንቀርብ ከም እንኽእል ዝገልጽ አብ ናይ ዕለቱ ኑባባት ዘተኰረ አስተምህሮ አካፊሎም ።

ፍርሂን ምትእምማንን

እቲ ቐዳማይ መንገዲ ናብ አምላኽ እንቐርበሉ ከምቲ አብዛ ምስላ ተገሊጹ እንረኽቦ ብፍርሂ ኢዩ ፣ እዚ ድማ ጕድለት እምነት ወይ ኣብቲ ሰናይ ዝኾነ ኣምላኽ ምጉዳል ምትእምማን ዝሕብር ኢዩ ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ምክሊቱ ዝቐበረ አገልጋሊ እንክገልጽዎ፣ ካብ አምላኽ ምክሊት እኳ እንተ ተቐበለ ብጣዕሚ ፈራሕ ስለዝነበረን ሓላፍነት ስለዝተሰምዖን ነቲ ዝተዋህቦ ክቐብር ተረኽበ። በዚ ኸምዚ ቅዱስነቶም እዚ ሰብአይ እዚ ነቲ ብኣምላኽ እተዋህቦ ተልእኾ ንኸይፍጽም ዚዓግቶ ርሑቕን ግጉይን ሓሳብ ከም ዝነበሮ ገለጹ ።

ናብ ትብዓትን ናጽነትን ሓጐስን ዝመርሕ ምትእምማን

እቶም ኣብዛ ምሳልያዊ ዛንታ ብዛዕባ ምክሊት እተጠቕሱ ኻልኦት ክልተ አገልገልቲ በቲ አብ ጐይትኦም ዝነበሮም ምትእምማን ገይሮም፣ ነቲ ጐይታኦም ዝሃቦም ምክሊት ምስ መኽሰቡ ከም ዝመለሱሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ገለጹ ። ቅዱስነቶም ኣስዕብ ኣቢሎም ኣብ ርድኢትን ሕያውነትን ጐይታኦምን ምክሊቶምን ይተአማመኑ ስለ ዝነበሩ፣ በዚ ምትእምማን እዚ ከመይ ቢሎም ስጉምቲ ከም ዝወሰዱን ንእተዋህቦም ዘበለ ዅሉ ኸም ዜዋፈርዎን አስተንትኑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብዛ ምሳልያዊ ዛንታ ናይ ምክሊት ተገሊጹ ዘሎ ፍርሂ ወይ ምትእምናን እቲ "ምስ ኣምላኽ እንራኸበሉ መስቀላዊ መገዲ" ኮይኖም፣ ነቶም ህያባትና ኣብ ግብሪ ንኸነውዕሎም ዘኽእለና ቐንዲ ረቛሒን ከምኡ ውን  "ንልብና ሓራ ዝገብርን፣ አብ ሰናይ ዘበለ ኩሉ ንጡፋትን መሃዝትን ዝገብረና" እቲ አብ ጐይታ ዘሎና ምትእምማን ምዃኑ አመልከቱ ። ቅዱስ አቦና ከም ዝገለጽዎ ምትእማን ነቲ ብፍርሂ ክፍጠር ዝኽእል መልመስቲ ዘውግድ እዩ።" በሉ።

ናይ ምትእምማን ሃዋህው ምፍጣር

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ክርስቲያናዊ ማሕበር መጠን፣ ብሓባር ንቕድሚት ንኽንስጕም ዝሕግዘናን ናይ ፍቕሪ መሃዝነት ኣብ ኵሉ ሰብ ንኽስስን ዘኽእለናን ምትእምማንን ሓባራዊ ምክብባርን ዘለዎ ሃዋህው ብኸመይ ከነማዕብል ከም እንኽእል ክንግንዘብ እንከለና ምዃኑ አስተምሃሩ።

"ድንግል ማርያም ንፍርሂ ኸነሸንፎን ብጐይታ ክንተኣማመንን ትሕግዘና።" ድማ በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ሰንበት ተዘኪሩ ዝወዓለ ዓለም ለኻዊ ሻውዐይ ዓመት መዓልቲ ድኻታት ከም ዝነበረ ድማ አምለከቱ፣ ቅዱስነቶም ነዛ ዕለት አመልኪቶም ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ድማ "ገጽካ ኻብ ድኻ ኣይትመልስ" ዝብል ኣርእስቲ ነበሮ። አብ መደምደምታ ቅዱስ አቦና ንዅሎም እቶም ኣብ መላእ ዓለም ግብረ-ሠናይ ንምክያድ ኣብ ሰበኻታትን ቁምስናታትን ዝጽዕሩ ዘለዉ አካላት መስጋናኦም ብምቕራብ አስተንትኖኦም ዛዘሙ ።

20 November 2023, 17:49